ኣብ ተር ኣፐል ናይ ዝርከብ COA መሓበሪ ቦታ።
ምንጪ፡ RefugeeHelp / Aline Bleeker
ዓንቀጽ

ናይ ባዕልኻ ገዛ ዘይብልካ ክሳብ ዝኾንካ፣ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ምሕባር ግዴታ ኣብ መዕቆቢ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 30/12/2024 1:53 ድ.ቀ.

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ገና ኣብ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መዕቆቢ ቦታ ዲኻ ትነብር ዘለኻ? ስለዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ ትገብሮ ዝነበርካ፣ ኣብኡ ክትሕብር ግዴታ ኣለካ። እዚ ኣይትገብርን ዲኻ? ስለዚ መዕቆቢ ቦታኻን ሰሙናዊ ኣበልካን ክትስእን ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ደጊም ነዚ ተመሊስካ ኣይክትረኽቦን ኢኻ።

ክንደይ ግዜ ክትሕብር ከም ዘለካ ኣብ ዕድመኻ ይምርኮስ

ኣብ መብዛሕትኡ ኩነታት፣ ናይ ምሕባር ግዴታ ብዝምልከት እዞም ዝስዕቡ ሕግታት ተፈጻምነት ኣለዎም፡

  • ትሕቲ 18 ዓመትን ንውልቅኻን ኢኻ፡ ዝኣልዩኻ በጽሒታት ዘይብልካ ዲኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዘለኻ? ስለዚ መዓልታዊ ናብ COA ክትሕብር ኣለካ።

  • 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ኢኻ፡ ኣብ ሰሙን 1 ግዜ ናብ COA ክትሕብር ኣለካ። ብተወሳኺ መዕቆቢኻን ሰሙናዊ ኣበልካን ንምንዋሕ ኣብ ነፍስወከፍ 2 ሳምንታት ክትሕብር ኣለካ። እዚ ምስቲ ናይ ምሕባር ግዴታ ብሓባር እዩ ዝፍጸም።

ኣየኖት ሕግታት ከተኽብር ከምዘለካ ርግጸኛ ክትከውን ትደልይ ዲኻ? ብዛዕብኡ ኣብ መዕቆቢ ቦታኻ ሕተት።

ምስ ዘይትሕብር መዕቆቢኻን ሰሙናዊ ኣበልካን ክትስእን ትኽእል ኢኻ

ክትሕብር ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ግዴታ ኣለካ። እዚ ኣብ ሕግታት ገዛ ናይ COA እውን ተገሊጹ ይርከብ። ምስ ዘይትሕብር እዚ ንዓኻ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ፡

  • 1 ግዜ ዘይምሕባር፡ ብደብዳቤ መጠንቀቕታ ክትቕበል ኢኻ።

  • 2 ግዜ ኣከታቲልካ ዘይምሕባር፡ ካብቲ መዕቆቢ ለቂቕካ ክትወጽእ ኣለካ፣ ከምኡ እውን ደጊም ሰሙናዊ ኣበል ኣይክትረክብን ኢኻ።

  • ብስሩዕ ዘይምሕባር፡ ሓደ ሓደ ግዜ እንተድኣ ዘይሓበርካ፡ ስለዚ ሓንሳብ ትሕብር ካልእ ግዜ ድማ ዘይትሕብር እንተድኣ ኮይንካ፣ ንግዚኡ መዕቆቢኻን ሰሙናዊ ኣበልካን ክትስእን ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ንግዚኡ ኣብቲ መዕቆቢ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን፣ ንግዚኡ ድማ ሰሙናዊ ኣበል ኣይትረክብን ማለት እዩ።

ናይ ምሕባር ግዴታ ዘይተኽብር እንተድኣ ነይርካ፣ ካብ COA ከምብሓድሽ መዕቆቢ ንምርካብ ከተመልክት ኣይትኽእልን

ብዙሕ ግዜ ብሰንኪ ዘይምሕባርካ COA ካብ መዕቆቢ ሰጒግካ ድዩ? ስለዚ መዕቆቢ ንምርካብ ናብ ምምሕዳር ከተማ ከተመልክት ኣለካ። እዚ ማለት ንዓኻ ዝኸውን ገዛ ክሳብ ዝርከብ ንግዚኡ ኣብ ጽርግያ ክትነብር ኣለካ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ። መዕቆቢ ንምርካብ ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ COA ከምብሓድሽ ክትምዝገብ ድማ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ሓደ ሓደ ግዜ ክትሕብር ኣየድልየካን

  • ሳሕቲ COA 1 ግዜ ንኸይትሕብር ፍቓድ ክህበካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኣብታ መዓልቲ ምስ ሓኪም ወይ ምስ ጠበቓ ቆጸራ ምስ ዝህልወካ። ነዚ ኣቐዲምካ ናብ ሰደቓ-ሓበሬታ ናይ COA ከተመልክት ኣለካ። ብዛዕባ እዚ ንኣብነት ናይ ጠበቓኻ ወይ ናይ ሓኪም ናይ ቆጸራ ደብዳቤ ከተርእይ ትኽእል ኢኻ።

  • ከም መርዓ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ስድራ-ቤት ወይ ቤተሰብ ምብጻሕ ብዝኣመሰሉ ውልቃዊ ቆጸራታት ምኽንያት ክትሕብር እንተድኣ ዘይደለኻ፣ COA ፍቓድ ኣይህበካን እዩ።

  • ምስ ስድራ-ቤት ወይ ፈተውቲ ንነዊሕ እዋን ክትቕንይ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ COA 'ደንቢ ግዜያዊ ምቕናይ' ንኽትጥቀም ፍቓድ ክህበካ ይኽእል እዩ። ኣብ እትቕንየሉ እዋን ድማ ናብቲ መዕቆቢ ቦታ ቐሪብካ ክትሕብር ኣየድልየካን እዩ። ብድሕሪኡ COA ብተሌፎን ንኽትሕብር ክፈቕደልካ እዩ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር