ወለንተኛታት ኣብ ሓደ ማሕበረሰባዊ ስፍራ ኣታኽልቲ ገረብ ይተኽሉ።
ምንጪ፡ Shutterstock / PeopleImages - Yuri A
ዓንቀጽ

ብናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ወለንታዊ ስራሕ ምስራሕ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:26 ቅ.ቀ.

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትደልይ ዲኻ? እዚ ይከኣል እዩ። ብዛዕብኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ኣንብብ።

ወለንታዊ ስራሕ ደሞዝ ዘይብሉ ስራሕ እዩ

ወለንታዊ ስራሕ፣ ንኻልኦት ወይ ንሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ብዘይ ክፍሊት እትሰርሖ ስራሕ እዩ። ደስ ዝብለካ እንተድኣ ኮይኑ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ክትረክብ ምስ እትደልይ። ብመንገዲ ወለንታዊ ስራሕ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትለማመድን ምስ ኔዘርላንዳውያን ክትራኸብን እውን ትኽእል ኢኻ።

ናይ ወለንታዊ ስራሕ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ወለንታዊ ስራሕ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኣበል ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ 2024 እዚ ኣበል መብዛሕትኡ ግዜ ትሕቲ € 210 ኣብ ወርሒ፣ € 2,100 ድማ ኣብ ዓመት እዩ። ንኣብነት እዚ ገንዘብ ንወጻኢታት መጎዓዝያ፣ ወይ ንኻልኦት ኣብ እዋን ወለንታዊ ስራሕ እትገብሮም ወጻኢታት ንምኽሓስ ክትቕበል ትኽእል።

ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ትቕበል ዲኻ? ስለዚ ናይ ወለንተኛ ኣበል ኣብ እትረኽቦ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ከመይ ምዃኑ ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ እትቕበል ኢኻ፣ ዕድሜኻ ድማ ትሕቲ 27 ዓመት እዩ

  • ሓፈሻዊ ናይ ወጻኢታት ኣበል፡ ካብ እትረኽቦ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ይቕነስ።

  • ንፍሉይ ወጻኢታት ዝኸውን ናይ ወጻኢታት ኣበል (ንኣብነት ንወለንታዊ ስራሕ ዘድልዩኻ እትገዝኦም ነገራት)፡ ካብ እትረኽቦ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ኣይቕነስን።

ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ እትቕበል ኢኻ፣ ዕድሜኻ ድማ 27 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እዩ

  • ናይ ወለንተኛታት ኣበል ክሳብ €210 ኣብ ወርሒን €2,100 ኣብ ዓመትን (ኣብ 2024)፡ ኣብ መጠን እትረኽቦ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን።

  • ልዕሊ እዞም መጠን ገንዘብ ዝወሃብ ናይ ወለንተኛታት ኣበል፡ ካብ እትረኽቦ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ክቕንስ እዩ።

    በዓል-መዚ ግብሪ
    ድማ ነዚ ከም ኣታዊ እዩ ዝርእዮ።

ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ (WW-uitkering) ትረክብ ኢኻ

  • ናይ ወለንተኛታት ኣበል ክሳብ €210 ኣብ ወርሒን €2,100 ኣብ ዓመትን (ኣብ 2024)፡ ኣብ መጠን እትረኽቦ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን።

  • ልዕሊ እዞም መጠን ገንዘብ ዝወሃብ ናይ ወለንተኛታት ኣበል፡ ካብ እትረኽቦ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ክቕንስ እዩ።

    በዓል-መዚ ግብሪ
    ድማ ነዚ ከም ኣታዊ እዩ ዝርእዮ።

ካልኦት ዓይነት ካሕሳትታ እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ናይ ህያብ ቅብሊት ወይ ብነጻ ኣብ ስልጠና ወይ ዓውደ-መጽናዕቲ ምስታፍ ዝኣመሰሉ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እትረኽቦ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን።

ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ከም እትደልይ ንኮንታክትፐርሶንካ ሓብር

ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትደልይ ዲኻ፣ ከምኡ እውን ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ትረክብ ዲኻ? ብዛዕባ እዚ ኩሉ ግዜ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ወይ ኣብ

ፈጻሚ ተቕዋም መድሕን ሰራሕተኛታት (UWV)
ንዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ ሓብር። እዚ ግዴታ እዩ።

ብተወሳኺ ብሰንኪ ካብ መጠን ንላዕሊ ናይ ወለንታዊ ስራሕ ካሕሳ ምርካብካ ድሒርካ ዘይተጸበኻዮ ብዙሕ ገንዘብ ክትመልስ ከይትግደድ ንምክልኻል ኮንታክትፐርሶንካ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ገበናዊ መዝገብ ከም ዘይብልካ ከተርእይ ኣለካ

ሓደ ሓደ ግዜ ንስራሕ ወይ ወለንታዊ ስራሕ ብዝምልከት ገበናዊ መዝገብ ከም ዘይብልካ ዘርእይ ሰነድ ንምርካብ ከተመልክት ኣለካ። እዚ ሰነድ እዚ

ምስክር ወረቐት ጽቡቕ ጠባይ (VOG)
ይበሃል። VOG ተተኣማምን ምዃንካ እዩ ዘርእይ።

ዝተፈላለዩ ስራሓት ዝተፈላለዩ ጠለባት ክህልዎም ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ እትሰርሓሉ ወይ ወለንታዊ ስራሕ እትገብረሉ ውድብ እዩ VOG ዘመልክተልካ። VOG ንምምልካት ድማ

ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)
ኣየድልየካን እዩ።

ኣብዚኦም ቦታታት ወለንታዊ ስራሕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ብዙሕ ቦታታት ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ኮማዊ ማእከል፣ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ። ኣብ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ንዝርከብ ኣማኻሪኻ፣ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ብዛዕባ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ተኽእሎታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። 


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር