ምንጪ፡ Canva Studio
ዓንቀጽ

ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:26 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ዝፍቀደልካ እንተድኣ ኮይኑ፣ ብቐጥታ ናብ ኣስራሒ ከተመልክት ወይ ድማ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ዝሰማማዓካ ስራሕ ንኽትረክብ ይሕግዘካ። ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ምድላይ ብዝምልከት ኣብዚ ዓንቀጽ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መብዛሕትኦም ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ብኢንተርነት ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ኣካውንት ትፈጥር፣ ውልቃዊ ሓበሬታታትካን ብዛዕባ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ዘለካ ምርጫታትን ድማ ትመልእ። ሲቪኻ እውን ኣብኡ ክትጽዕኖ ትኽእል ኢኻ። መልመልቲ ዝሰማማዓካ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ምስ ረኸቡ ድማ በዚ ኣካውንት ክረኽቡኻ ይኽእሉ። ብርግጽ ኣብ ኢንተርነት ንዝተለጠፉ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት እውን ባዕልኻ ግብረ-መልሲ ክትህብ ትኽእል ኢኻ።

ምስ መልመልቲ ስራሕ ውልቃዊ ርክብ ክትገብር ዲኻ ትመርጽ? ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ብኣካል ብምኻድ እውን ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።

ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትት የዋድድ

ስራሕ ምስ ረኸብካ፣ እቲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ምስቲ ትካል ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትት ንኽትገብር ከዋድደልካ እዩ። እንተድኣ ተቖጺርካ ድማ እቲ ትካል ነቲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሮ። ብድሕሪኡ እቲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ነቲ ብስራት ንኽነግረካ ምሳኻ ርክብ ይገብር።

ነቲ ስራሕ ትደልዮ ዲኻ? ስለዚ ምስቲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ውዕል ትፍርም፣ ንሱ እውን እዩ ደሞዝካ ዝኸፍለካ። እቲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ወግዓዊ ኣስራሒኻ እዩ። እቲ እትሰርሓሉ ትካል እቲ ክዉን ኣስራሒ እዩ። እዚ ማለት ኣብቲ ናይ ስራሕ ባይታ ሓላፊን ዝቖጻጸርን እቲ እትሰርሓሉ ትካል እዩ ማለት እዩ። ውሑስን ጥዑይን ናይ ስራሕ ቦታ ንኽህሉው ድማ እቲ ክዉን ኣስራሒ ሓላፍነት ይወስድ።

ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ምስራሕ ዘለዎ ብልጫታትን ጉድኣታትን እዚኦም እዮም

ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ምስራሕ ብልጫታትን ጉድኣታትን ኣለዎ።

ብልጫታት፡

  • እቲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ዝሰማማዓካ ስራሕ ንኽትረክብ ይሕግዘካ።

  • እቲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ኣብ እዋን መስርሕ ምምልካት ስራሕ ክድግፈካ ይኽእል፣ ንኣብነት ናይ ድርኺት ደብዳቤ ኣብ ምጽሓፍን ምናልባት እውን ምስክር ወረቐት ኣብ ምርካብን።

  • ብሓፈሻ ካብቲ ባዕልኻ ንስራሕ እተመልክተሉ እዋን ንላዕሊ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ዝያዳ ቀልጢፍካ ስራሕ ክትረክብ ትኽእል።

  • መብዛሕትኡ ግዜ ውዕል ናይ መሰረዚ ገደብ-ግዜ የብልካን ወይ ሓጺር እዩ፣ ስለዚ ድማ ነቲ ስራሕ እንተድኣ ዘይፈተኻዮ ውዕልካ ብቐሊሉ ክትስርዞ ትኽእል።

  • ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ብቐሊሉ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላትን ዓይነታት ስራሕን ክትላለይ ትኽእል።

ጉድኣታት፡

  • እቲ እትሰርሓሉ ትካል እውን ሓጺር ውዕል ናይ መሰረዚ ገደብ-ግዜ እዩ ዘለዎ፣ ስለዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ንውዕልካ ክስርዞ ይኽእል እዩ።

  • መብዛሕትኡ ግዜ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ዝኽፈል ደሞዝ ካብቲ ብቐጥታ በቲ ትካል ተቖጺርካ እንተትኸውን እትረኽቦ ዝውሕድ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ እውን ካብቲ እትሰርሓሉ ትካል ገንዘብ ስለ ዝረክብ እዩ።

  • ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ኣብኡ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ፣ እቲ እትሰርሓሉ ትካል ብቐሊሉ ብቀጥታ ክቖጽረካ ኣይክእልን እዩ። ነዚ ዝምልከቱ ሕግታት ኣለዉ።

ነዚኦም ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ክትውከሶም ትኽእል ኢኻ

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ኣለዉ። ኣብዚ ታሕቲ ብርክት ናይ ዝበሉ ፍሉጣት ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ክትረክብ ኢኻ፡

Randstad

Randstad ኣብ ዓለም 1ካብ ዓበይቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ኮይኑ፣ ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓውድታት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ኣለዎ።

Adecco

Adecco ኣብ ከም በዓል ምምሕዳር፣ ቴክኖሎጂን ሎጂስቲክን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ስራሕ የቕርብ።

Manpower

Manpower ኣብ ናይ ኢንዱስትሪ፣ ሎጂስቲክስን ምምሕዳርን ስራሓት ኣተኲሩ ዝነጥፍ እዩ።

Start People

Start People ኣብ ከም በዓል ክንክን ጥዕና፣ ትምህርትን ቴክኖሎጅን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ዘተኲር እዩ።

YoungCapital

YoungCapital ንመንእሰያትን ተማሃሮን ዝዓለሙ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዘለዎ ኮይኑ፣ ብዙሓት ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሓትን ናይ ጀመርቲ ስራሓትን ኣለዎ።

Unique

Unique ኣብ ከም በዓል ምምሕዳር፣ ንግድን ቴክኖሎጅን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ስራሕ የቕርብ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር