
ኣብ ህይወትካ ዝህልዉ ለውጢታት ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት ክህልዎም ይኽእል እዩ
ኣብ ህይወትካ ሓደ ነገር እንተድኣ ተቐይሩ ኣብ ኣታዊታትካን ወጻኢታትካን ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ዓንቀጽ መዓስ ገለ ነገር ከተዋድድ ከም ዘድልየካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
መንበሪ ፍቓድካ ምስ ዘቛርጽ ወይ ግዚኡ ምስ ዝወድቕ ዘለዉ ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት
መንበሪ ፍቓድካ እንተድኣ ተቛሪጹ ወይ ግዚኡ ምስ ዝወድቕ፣ ማሕበራዊ ጥቕሚ፣ ኣበላትን ድጎማ ተማሃሮን ናይ ምርካብ መሰልካ እውን የቛርጽ። መንበሪ ፍቓድ ምስ ዘይህልወካ፣ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ክትሰርሕ እውን ኣይፍቀደልካን እዩ። ስለዚ እቲ ህሉው መንበሪ ፍቓድ ኣብ ዝወድቐሉ እዋን፣ ኣብ ግዚኡ ሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከም እተመልክት ኣረጋግጽ። ንመብዛሕትኦም መንበሪ ፍቓዳት ብDigiD ተጠቒምካ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ንምሕታት ሓገዝ የድልየካ ድዩ? VluchtelingenWerk Nederland ሓገዝን ምኽርን ይህብ እዩ። ብኸምዚ ድማ ቅኑዕ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከም እተመልክት ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል።
ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት
መጻምድትኻ፣ ውላድካ ወይ ክልቲኦም ናብ ኔዘርላንድ እንተድኣ መጺኦም፣ ኣብ ፋይናንሳዊ ኩነታትካ ብዙሕ ዝቕየር ኣሎ። ማሕበራዊ ጥቕሚ ትቕበል ምስ እትኸውን፣ ናብ ስድራ-ቤታዊ ማሕበራዊ ጥቕሚ ክቕየር ኣለዎ። ድጎማ ተማሃሮ ትቕበል ምስ እትኸውን ድማ መጻምድትኻ ማሕበራዊ ጥቕሚ ንምርካብ ናብ ምምሕዳር ከተማ ከተመልክት ኣለዋ። ትሕቲ ዕድመ ደቅኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺኦም እንተድኣ ኮይኖም፣ ኣበል መዕበይ ቆልዑትን ምስ ቆልዓ ዝተሓሓዝ ባጀትን ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
VluchtelingenWerk ኩሉ ነገራት ንኸተዋድድ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ፣ ግን ድማ መንበሪ ፍቓዳት ብግቡእ ዝተጻጸፉ ምስ ዝኾኑን፣ ነፍስወከፍ ሰብ
ብሓባር ምንባር ኣብ እትጅምረሉ ወይ እትምርዓወሉ እዋን ዘለዉ ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት
ንስኻን መጻምድትኻን ክልተኹም ማሕበራዊ ጥቕሚ ትቕበሉ ምስ እትኾኑ፣ ብሓባር ትነብሩ ወይ ትምርዓዉ እንተድኣ ኮይንኩም ንምምሕዳር ከተማ ክትሕብሩ ኣለኩም። ብድሕሪኡ እቲ ማሕበራዊ ጥቕሚ፣ ንኽልተ ሰባት ብሓባር ናብ ዝወሃብ ማሕበራዊ ጥቕሚ ክቕየር እዩ። ሓደ ካባኻትኩም ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ዘለዎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ማሕበራዊ ጥቕሚ ዝረክብ ድዩ? ስለዚ እቲ ማሕበራዊ ጥቕሚ ምናልባት ደው ክብል እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኣታዊ ናይቲ ዝሰርሕ ሰብ ዝምርኮስ እዩ።
ምስ ተመርዓኹም ንስኻን መጻምድትኻን ብኣውቶማቲክ ናይ ኣበል መጻምድቲ ትኾኑ። ናይ ክልተኹም ኣታዊ ድማ ኣብ ግምት ይኣቱው። በዚ ድማ እቲ እትረኽቦ ኣበል ክውሕድ ወይ ክበዝሕ ይኽእል። ወይ ድማ ብሓባር ብዙሕ ገንዘብ ትረኽቡ ምስ እትኾኑ፣ ከቛርጽ እውን ይኽእል። ኣበልካ እንተድኣ ተቐይሩ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ መልእኽቲ ክትቕበል ኢኻ።
ብሓባር ምንባር እንተድኣ ጀሚርኩም ንስኻን መጻምድትኻን ኣውቶማቲክ ናይ ኣበል መጻምድቲ ኣይኮንኩምን። እቲ ኣበል ክራይ-ገዛ ግን ኣብ ናይ ሓባር ኣታዊኹም ምርኲስ ብምግባር እዩ ዝቕመር።
ኣብ እትፋታሓሉ ወይ እትፈላለየሉ እዋን ዘለዉ ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት
ደጊም ብሓባር ዘይትነብር ወይ ትፋታሕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ድሕርኡ ናይ ኣበል መጻምድቲ ስለዘይብልካ፣ ምናልባት ኣበላትካ ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ ቆልዑት ምስ ዝህልዉኻ፣ ቀለብ ቆልዑት ክትከፍል እትግደድ ክትከውን እውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ንመጻምድትኻ ወርሓዊ ንወጻኢታት መዕበዪ ውላድካ (ደቅኻ) ዝኸውን እትህባ መጠን ገንዘብ እዩ።
መጻምድትኻ/ኺ ነበር ካብ ገዛ ይወጽእ ኣሎ ድዩ (ትወጽእ ኣላ ድያ)? ስለዚ ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ እዚ ንበዓል-መዚ ግብሪ ክሕብር እዩ።
ኣቦ ወይ ኣደ ምስ እትኸውን ዘለዉ ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት
ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ዲኻ ትነብር፣ ግን ድማ ገና ናይ ኣበል መጻምድቲ ኣይኮንኩምን ዲኹም? ብሓባር ቆልዓ ምስ እትወልዱ ብኣውቶማቲክ ናይ ኣበል መጻምድቲ ክትኾኑ ኢኹም። እዚ ድማ ንኣበልካ ይጸልዎ እዩ።
ቆልዓ ምስ እትወልድ ኣበል መዕበይ ቆልዑት ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣታዊኻ ኣዝዩ ልዑል ምስ ዘይከውን ድማ ምስ ቆልዓ ዝተሓሓዝ ባጀት ናይ ምርካብ መሰል እውን ክህልወካ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ብኣውቶማቲክ ኢኻ ትረኽቦ።
ኣበል ክራይ-ገዛ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ፣ ቆልዓ ምውላድካ ነዚ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ምምሕዳር ከተማ ቆልዓ ምውላድካ ንበዓል-መዚ ግብሪ ክሕብር እዩ። ብድሕሪኡ ድማ በዓል-መዚ ግብሪ ንኣበል ክራይ-ገዛኻ ከም ብሓድሽ ክቕምሮ እዩ።
ደጊም ዘይትሰርሕ ምስ እትኸውን ዘለዉ ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት
ናይ ስራሕ ውዕልካ እንተድኣ ዘይተናውሐን፣ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ እንተድኣ ሰሪሕካን ካብ UWV ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ትሕቲ 6 ኣዋርሕ፣ ወይ ኣብ ሰሙን ኣዝዩ ውሑድ ሰዓታት ዲኻ ሰሪሕካ? ስለዚ ካብ ምምሕዳር ከተማ ማሕበራዊ ጥቕሚ ንምርካብ ኣመልክት። ድሮ ካብ ምምሕዳር ከተማ ማሕበራዊ ጥቕሚ ትቕበል፣ ግን ከኣ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ እውን ነይሩካ ድዩ? ስለዚ ስራሕካ ደው ከም ዝበለ ንምምሕዳር ከተማ ሓብር። ብድሕሪኡ ምምሕዳር ከተማ መጠን ናይቲ ማሕበራዊ ጥቕሚኻ ክውስኽ ዝኽእል እንተኾነ ክምርምር እዩ።
ትምህርቲ ምስ እትጅምር ዘለዉ ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት
ኣብ ኔዘርላንድ ክትመሃር እንተድኣ ኮይንካ፣ ድጎማ ተማሃሮ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ መሰረታዊ ማህደረ-ትምህርቲ ትረክብ። እዚ ካብ መንግስቲ ዝመጽእ ገንዘብ ኮይኑ፣ (ንክፋል) ወጻኢታት ትምህርትኻ ክትከፍል ዘኽእለካ እዩ። መጠን ናይቲ ድጎማ ተማሃሮ ኣብ ኩነታት መነባብሮኻ ዝምርኮስ እዩ። ብገዛእ-ርእስኻ ትነብር እንተድኣ ኮይንካ፣ ምስ ወለድኻ ኣብ ገዛ ትነብር ምስ እትኸውን ካብ እትረኽቦ ንላዕሊ ዝያዳ ገንዘብ ትረክብ።
ወለድኻ ንትምህርትኻ ዝኸውን ኣበርክቶ ንምኽፋል ውሑድ ዓቕሚ ዘለዎም ወይ ጠቕላላ ዘይብሎም ምስ ዝኾኑ፣ ምናልባት ተወሳኺ ማህደረ-ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ካብ
ትመሃር እንተድኣ ኮይንካ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ካርድ ክትረክብ እውን መሰል ኣለካ። እዚ ንተማሃሮ ዝኸውን ፍርያት መጎዓዝያ ተማሃሮ እዩ። እዚ ድማ ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ወይ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ብነጻ ንኽትጎዓዝ የኽእለካ። ነቲ ፍርያት መጎዓዝያ ተማሃሮ ንምርካብ ብ DigiD ተጠቒምካ ካብ DUO ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ድማ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ካርድ -OV-chipkaart- የድልየካ።
ትምህርቲ ምስ እተቛርጽ ዘለዉ ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት
ስልጠናኻ ወይ ትምህርትኻ ከተቛርጽ ከም እትደልይ ወሲንካ ዲኻ? ስለዚ ናትካ ድጎማ ተማሃሮን ፍርያት መጎዓዝያ ተማሃሮን ከቛርጽ እዩ። ደጊም ዘይትመሃር እንተድኣ ኮይንካ ድማ ደጊም ነዚ ክትረክብ መሰል የብልካን። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ድጎማ ተማሃሮን ፍርያት መጎዓዝያ ተማሃሮን እንተድኣ ተጠቂምካ፣ ነዚ ገንዘብ ድሒርካ ክትመልሶ ኣለካ። ብተወሳኺ መብዛሕትኡ ግዜ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ እውን ክትቅበል ኢኻ።