
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ውዕል መድሕን ጥዕና ክትገብር ኣለካ
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ረኺብካ ዲኻ? ስለዚ ናይ ባዕልኻ ገዛ ምስ ረኸብካ ቀልጢፍካ ውዕል መድሕን ጥዕና ክትገብር ኣለካ። ኣብዚ ገጽ ውዕል መድሕን ጥዕና ምግባር ብዝምልከት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ መሰረታዊ መድሕን ውዕል ክትኣቱው ግዴታ ኣለካ
ነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብር ሰብ መሰረታዊ መድሕን ክህልዎ ግዴታ እዩ። ስለዚ ድማ መሰረታዊ ክንክን ንኽትረክብ መድሕን ይህልወካ። ከም ኣብነት ሓፈሻዊ ሓኪም፣ ሆስፒታል፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክንክንን ቤት-መድሃኒትን ክትሓስብ ትኽእል። መሰረታዊ ክንክን ንምጥቃም ወርሓዊ ሓደ ቀዋሚ መጠን ገንዘብ ትኸፍል። እዚ 'ክፍሊት ውዕል መድሕን' ይበሃል። ነፍስወከፍ ዓመት ቅድሚ 1 ጥሪ ድማ ካልእ መድሕን ጥዕና ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
መመላእታ መድሕን ጥዕና ክትገብር ትደልይ እንተኾንካ ክትመርጽ እውን ትኽእል ኢኻ
ብዘይካ እቲ መሰረታዊ መድሕን፣ መመላእታ መድሕን ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ወርሓዊ ዝያዳ ገንዘብ ይሓትት። መመላእታ መድሕን ብመሰረታዊ መድሕን ንዘይከሓሱ ተወሰኽቲ ወጻኢታት ዝኸፍል እዩ።
እዚ ንኣብነት መድሕን ስኒ፣ መነጽር ወይ ሌንስ ዘድልየካ ምስ ዝኸውን፣ ወይ ፊዚዮተራፒ ንኽትረክብ እትኣትዎ መድሕን እዩ። መመላእታ መድሕን ምግባር ግዴታ ኣይኮነን። ነፍስወከፍ ዓመት ቅድሚ 1 ጥሪ ድማ ዝደለኻዮ መመላእታ መድሕን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
መጠን ናይቲ ባዕላዊ ብጽሒትካ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ
ብዘይካ መሰረታዊ መድሕን፣ ገለ ክፋል ናይ ዝገበርካዮ ወጻኢታት ክንክን ጥዕና እውን ባዕልኻ ትኸፍል። እዚ ድማ "ባዕላዊ ርከሳ (eigen risico)" ይበሃል። ንመሰረታዊ መድሕን ብዝምልከት ኣብ ዓመተ-2025 ነፍስወከፍ በጽሒ ሰብ ኣብ ዓመት እንተወሓደ € 385 ግዴታዊ ባዕላዊ ርከሳ ኣለዎ።
እዚ ብኸመይ ይሰርሕ? ንኣብነት ናብ ሓኪም ከይድካ ንበል። ምስ ሓኪም ንዝህልወካ ቆጸራ ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣየድልየካን እዩ፤ እዚ ኣብ ትሕቲ መሰረታዊ መድሕን ዝምደብ ኮይኑ፣ በቲ ናይ ውዕል መድሕንካ ክፍሊት ዝሽፈን እዩ። እቲ ሓኪም መድሃኒት እንተድኣ ኣዚዙልካ ግን፣ ነዚ ካብቲ 'ባዕላዊ ርከሳኻ' ባዕልኻ (ብኸፊል) ትኸፍሎ።
ንኣብነት፡ ብድምር € 500 ዝዋግኡ መድሃኒት ተቐቢልካ። ስለዚ ነቲ ናይ መጀመርታ € 385 ባዕልኻ ኢኻ እትኸፍሎ፣ ምኽንያቱ ንሱ ናትካ 'ባዕላዊ ርከሳ' እዩ። እቲ ትካል መድሕን ጥዕና ድማ ነቲ ዝተረፈ € 115 ይኸፍል።
ንባዕላዊ ርከሳኻ ዘለዉ ተወሰኽቲ ኣማራጺታት
መብዛሕትኦም ትካላት መድሕን ጥዕና፣ ነቲ ግዴታዊ ባዕላዊ ርከሳ ኣቐዲምካ ወርሓዊ ንኽትከፍሎ ኣማራጺ ይህቡኻ እዮም። ስለዚ ወርሓዊ ብዘይካ እቲ ክፍሊት ውዕል መድሕንካ፣ ንባዕላዊ ርከሳኻ ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብ እውን ትኸፍል። ከምዚ ክትገብር እንተድኣ መሪጽካ፣ ግን ድማ ንብምልኡ እቲ ገንዘብ እንተድኣ ዘይወዳእካዮ፣ እቲ መድሕን ጥዕና ገንዘብካ ክመልሰልካ እዩ።
ልዑል ባዕላዊ ርከሳ ክትከፍል እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ትሑት ክፍሊት ውዕል መድሕን ትኸፍል፣ ንክንክን ግን ዝያዳ ባዕልኻ ክትከፍል ኣለካ። እዚ ውሑድ ክንክን ዘድልየካን፣ ንእትረኽቦ ክንክን ባዕልኻ ክትከፍሎ ዘኽእል ብዙሕ ውህሉል ገንዘብ ዘለካን ምስ እትኸውን ጠቓሚ እዩ።