ሓደ ሰብኣይ ብዕቱብ ናብ ተሌፎኑ ይጥምት።
ምንጪ፡ Youssef Amakran
ዓንቀጽ

ብዛዕባ ብኢንተርነት ወይ ብቴሌፎን ዝካየድ ምትላል ክትፈልጦ ዘለካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 21/10/2024 5:32 ድ.ቀ.

ብኢ-መይል፣ ዋትስኣፕ፣ ተሌፎንን መልእኽቲ ተሌፎንን ዝግበር ምትላል ቀጻሊ ብብዝሒ የጋጥም እዩ። ገበነኛታት፣ ገንዘብ ንኸተመሓላልፈሎም ወይ ኣገደስቲ ውልቃዊ ሓበሬታታት ንኽትህቦም ምእንቲ፣ ብናይ ሓሶት መልእኽቲ ከታልሉኻ ይፍትኑ እዮም። ግዳይ ምትላል ንኸይትኸውን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

ብብዝሒ ብመንገዲ ኢንተርነት ዘጋጥም ምትላል

ምትላል ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክፍጸም ይኽእል እዩ። እዞም ዝስዕቡ ሒደት ካብቶም ብብዝሒ ዘጋጥሙ ዓይነታት እዮም፡

  • ናይ ሓሶት ሕሳባት፡ ብዋትስኣፕ ወይ ብኢ-መይል (ልዑል) ዝኽፈል ሕሳብ ይመጸካ። እዚ ሕሳብ ናይ ሓሶት እዩ፣ እንተኾነ ግን ክትከፍሎ ንኽትድህለል ምእንቲ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓቂ እዩ ዝመስል።

  • ናይ ሓሶት መዘኻኸሪታት ብዛዕባ ትእዛዝ ዕድጊ፡ ኣዚዝካ ዝገዛእካዮ ነገር ዘይብልካ ክነስኻ፣ ካብ ዓዳላይ ፓኬት መልእኽቲ ይመጸካ። ኣብቲ መልእኽቲ መብዛሕትኡ ግዜ ክትጥውቖ ዘለካ መተሓላለፊ ሊንክ ኣሎ፣ እንተኾነ ግን እዚ ሊንክ ናብ ሓደ ውልቃዊ ሓበሬታታትካ ክትመልኣሉ ዘለካ መርበብ-ሓበሬታ እዩ ዝወስደካ።

  • ናይ ሓሶት ናይ ክፍሊት ጠለባት፡ ኣታለልቲ ብዋትስኣፕ ወይ ከም 'Marktplaats' ብዝኣመሰሉ መርበባት-ሓበሬታ ናይ ሓሶት ናይ ክፍሊት ጠለባት ይልእኹልካ። ነዚ ድማ ከም ኣዕሩኽትኻ ወይ ሸየጥቲ መሲሎም ይገብርዎ።

  • ንምቅላዕ ምፍርራሕ፡ ገበነኛታት ተኣፋፊ ሓበሬታኻ ንህዝቢ ክንዝርግሖ ኢና ብምባል የፈራርሑኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቲ ሓበሬታ ንኸይዝርጋሕ ክትከፍል ዘገድድ ኢ-መይል ይሰዱልካ። ንኣብነት ስእለ-ብዕሉግ ማለት ፖርኖግራፊ ትርእይ ምንባርካ ከም ዝፈልጡን፣ ነቲ ምስጢር ንኸያቃልዕዎ ገንዘብ ንኽትከፍልን ይሓቱኻ።

  • ንምዕጋት ምፍርራሕ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣታለልቲ ንኢንተርነትካ ወይ ተሌፎንካ ክዓግትዎ ምዃኖም የፈራርሑኻ፣ ነዚ ንምክልኻል ድማ ገንዘብ ይጠልቡ።

  • ናይ ሓሶት ጻውዒት ካብ ደቅኻ፡ ኣታለልቲ፣ ደቅኻ ተሌፎኖም ገለ ነገር ከም ዘጋጠማን፣ ሓድሽ ቁጽሪ ተሌፎን ከም ዝቀየሩን ኣምሲሎም ይቐርቡኻ። ኣጋጣሚ ብሰንኪ ፋይናንሳዊ ጸገም ብዙሕ ገንዘብ የድልየና ኣሎ ይብሉኻ፣ ከምኡ እውን ብቕልጡፍ ገንዘብ ንኸተመሓላልፈሎም ጸቕጢ ይገብሩልካ።

ብኢንተርነት ዘጋጥም ምትላል ብኸምዚ ትከላኸሎ
  • ናይቲ ላኣኺ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ ተቖጻጸሮ። ናይ ኣታለልቲ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻታት መብዛሕትኡ ግዜ ንኸተለልዮ ቀሊል እዩ።

  • ናይቲ ዝደወለልካ ሰብ ቁጽሪ ተሌፎን ኣብ ኢንተርነት ድለዮ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓሶት ቁጽሪ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብ ኢንተርነት ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

  • ካብ ዘይትፈልጦም ሰባት ንዝመጽኡኻ ኢ-መይላት፣ መልእኽቲታት ተሌፎን ወይ ዋትስኣፕ መልሲ ኣይትሃብ። እዚ ከም ባንክ ወይ ከም ዓርኪ ወይ ኣባል ስድራ-ቤት መሲሎም ዝቐርቡኻ ምስ ዝኾኑ እውን ይምልከት እዩ።

  • ኣዚዝካ ንዘይገዛእካዮም ፓኬታት ብዝምልከት ክፍሊት ንኽትፍጽም ኣብ ዝጠልቡ መተሓላለፊ ሊንክታት ወይ መልእኽቲታት ኣይትጠውቕ።

  • ከነቃልዓካ ኢና ብዝብል ምፍርራሕ ኣይትሰነፍ። ከነቃልዓካ ኢና ዝብል ምፍርራሕ ምስ ዘጋጥመካ ምስ ፖሊስ ርክብ ግበር።

ምትላል ኣጋጢሙኒ ኢልካ ምስ እትጥርጥር እውን ምስ ፖሊስ ርክብ ግበር። ጥርጣረ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ባዕልኻ ናብ ወግዓዊ ቁጽሪ ተሌፎን ናይ ባንክኻ፣ ዓርክኻ፣ መሓዛኻ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ፣ ወይ ናይ ተሌፎንካ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ብምድዋል፣ ምሳኻ ርክብ ዝገበሩ ብሓቂ ንሳቶም ድዮም ኣይኮኑን ኣረጋግጽ።

ብተሌፎን እውን ምትላል ከጋጥመካ ይኽእል እዩ

ገንዘብ ንምርካብ፣ ትካል ወይ ውድብ መሲሎም ብተሌፎን ዝቐርቡኻ ኣታለልቲ ኣለዉ። እዚ ድማ ምድንጋር 'spoofing' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ካብዚ ዓይነት ምትላል ብኸመይ ንገዛእ-ርእስኻ ከም እትከላኸል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ካብ ትካል ወይ መንግስታዊ ተቕዋም ዘይተጸበኻዮ ተሌፎን ተደዊሉካ ድዩ? ስለዚ እንተድኣ ተጠራጢርካ ነታ ተሌፎን ዕጸዋ፣ እቲ ዝተደወለልካ ተሌፎን ሓቀኛ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምርግጋጽ ድማ ባዕልኻ ናብ ወግዓዊ ቁጽሪ ናይቲ ትካል ደውል። ውልቃዊ ሓበሬታታትካ ንዘይትፈልጦም ሰባት ፈጺምካ ኣይትሃብ፣ ገንዘብ ድማ ኣይተማሓላልፍ።

ብተሌፎን ዘጋጥም ምትላል ብኸምዚ ትከላኸሎ

ኣታለልቲ ብተሌፎን ባንክኻ ወይ ምምሕዳር ከተማኻ መሲሎም ክቐርቡኻ ይኽእሉ እዩም። ነዚኦም ምልክታት ኣስተውዕለሎም፡

  • ካብ ባንክኻ ዘምስል ናይ ሓሶት ቴለፎን፡ ገንዘብ ንኸተመሓላልፈሉ ወይ ውልቃዊ ሓበሬታታት ንኽትህቦ ዝሓተካ ሰብ ኣሎ ድዩ? ነታ ተሌፎን ዕጸዋ፣ ተመሊስካ ድማ ኣይትደውለሉ። ባንኪ ፈጺሙ ነዚ ኣይሓትትን እዩ።

  • ዝተቐድሐ ድምጺ ዝሓዘ ናይ ሓሶት ተሌፎን፡ ገንዘብ ንኸተመሓላልፍ ወይ ውልቃዊ ሓበሬታታት ንኽትህብ ብዝተቐድሐ ድምጺ ዝሓተካ ሰብ ሰሚዕካ? ነታ ተሌፎን ዕጸዋ፣ ተመሊስካ ድማ ኣይትደውለሉ።

  • ናይ ሓሶት ተሌፎን ካብ ወጻኢ ሃገር፡ ብዘይትፍልጦ ቁጽሪ ካብ ወጻኢ ሃገር ይድወለካ ድዩ፣ ግን ድማ እታ ተሌፎን ንሓጺር ግዜ ጥራይ ድያ ትድውል? ነቲ ጻውዒት ሸለል በሎ፣ ተመሊስካ ድማ ኣይትደውል።

ናይ ምትላል ግዳይ እንተኾንካ ከምዚ ክትገብር ትኽእል

ብኢንተርነት ወይ ብተሌፎን ዝካየድ ምትላል ኣጋጢሙካ ድዩ? ስለዚ ነዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ውሰድ፡

  • ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ባንክኻ ርክብ ግበር። ሓደ ሓደ ግዜ ባንክ ገንዘብካ ከምልሰልካ ይኽእል እዩ። ኣታለልቲ ካብ ሕሳብ ባንክኻ ዝያዳ ገንዘብ ንኸይወስዱ ክከላኸሉልካ እውን ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እዚ፣ እቲ መጠን ገንዘብን ዕለትን ዝኣመሰለ ኩሉ ዝርዝር ናይቲ ዝገበርካዮ ክፍሊት ኣብ ኢድኻ ምሓዝካ ኣረጋግጽ።

  • ናብ ፖሊስ ጥርዓን ኣቕርብ። እዚ ምትላል ንምሕባር ይሕግዝ፣ ካልኦት ሰባት ግዳያት ንኸይኮኑ ድማ ይከላኸል። ጥርዓን ብሰንኪ ምቕራብካ፣ ፖሊስ እቶም ኣታለልቲ መን ምዃኖም ክምርምሩን፣ ምናልባት እውን ደው ከብልዎምን ይኽእሉ። ብዝተኻእለ መጠን ከም ቁጽሪ ተሌፎንን ዝርዝር ናይ ዝተገብረ ዝርርብን ዝኣመሰለ ብዙሕ ሓበሬታ ከተካፍል ድማ ፈትን።

  • ዘጋጠመካ ምትላል ናብ ሰደቓ-ሓገዝ ምትላል 'Fraude Helpdesk'

    ሓብር። እዚ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ጥራይ እዩ ዝከኣል። ነቲ ምትላል ምሕባር ሓደስቲ ሰባት ግዳያት ንኸይኮኑ ንምክልኻል ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

  • ካብ ኣታለልቲ ዝመጽኡኻ ኩሎም መልእኽቲታትን ሓበሬታን ዓቅቦም። እዚ ንፖሊስን ንባንክኻን ክጠቅም ይኽእል እዩ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?