ቆልዑት ኣብ ክፍሊ ብሪጋ ኮፍ ኢሎም ይሰርሑ። መምህር ንኽሕግዞም ብሞንጐኦም ዘወር ይብል።
ምንጪ፡ Max Fischer
ዓንቀጽ

ትምህርቲ ገና ቋንቋ ኔዘርላንድ ንዘይክእሉ ቆልዑት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 30/10/2024 2:47 ድ.ቀ.

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ገና ቋንቋ ኔዘርላንድ ዘይዛረቡ ቆልዑት ኣለዉኻ ድዮም? ስለዚ ኣብያተ-ትምህርቲ ውላድካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምእንቲ ክመሃርን ትምህርቲ ኔዘርላንድ ንኽከታተልን ሓገዝ የቕርባ እየን።

ቆልዑት ናይ ኔዘርላንድ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም

ቆልዓ ኮይንካ ናብ ኔዘርላንድ እንተድኣ መጺእካ፣ ናይ ትምህርቲ መሰል ኣሎካ። ቆልዑት ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ እኳ ደኣ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ኣብ ሕጊ ኔዘርላንድ ተጠቒሱ ይርከብ። ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ካብ 5 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ቆልዓ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸይድ ኣለዎ። ውላድካ ገና ቋንቋ ኔዘርላንድ ዘይዛረብ ምስ ዝኸውን እውን ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸይድ ግዴታ ኣለዎ። ነዞም ቆልዑት ዝኾኑ ፍሉያት ኣብያተ-ትምህርቲ ወይ ክፍሊታት ኣለዉ።

ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትሕቲ 12 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት

ውላድካ ትሕቲ 12 ዓመት ድዩ፣ ቋንቋ ኔዘርላንድ ድማ ገና ኣይዛረብን ድዩ? ስለዚ ውላድካ ናብ ፍሉይ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ፣ ወይ ኣብ ንቡር መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ናብ ዝርከብ ፍሉይ ክፍሊ ይኸይድ።  

ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ካብ 12 ክሳብ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት

ውላድካ ዕድሚኡ ካብ 12 ክሳብ 18 ዓመት ድዩ? ስለዚ ናብ ኣህጉራዊ መሰጋገሪ ክፍሊ (Internationale Schakelklas - ISK) ይኸይድ። እዚ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዝርከብ ፍሉይ ክፍሊ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ክፍሊ ድማ ቋንቋ ኔዘርላንድ ይመሃር። ድሕሪ ከባቢ 1 ዓመት፣ ውላድካ  ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ናብ ስሩዕ ክፍሊ ክኸይድ እዩ።

ኣህጉራዊ ክፍሊ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ውላድካ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ISK እንተድኣ ጀሚሩ፣ እቲ ቤት-ትምህርቲ ኣየናይ ደረጃ ንውላድካ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዕ ክውስን እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ምሳኻን ምስ ውላድካን (ደቅኻን) ዝርርብ ክካየድ እዩ። እዚ ዝካየደሉ ምኽንያት፣ እቲ ቆልዓ ኣብ ኣዝዩ ቀሊል ወይ ኣዝዩ ከቢድ ክፍሊ ከይኣቱው ንምውጋድ እዩ። ኣብ ISK ሰለስተ ደረጃታት ትምህርቲ ኣለዉ፡

  1. ደረጃ ትምህርቲ 1 ኣብዚ ደረጃ እዚ፣ ካብ 12 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ንግብራዊ ትምህርቲ ወይ ንፍሉይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ይዳለዉ። ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ድማ (እናተመርሑ) ንኽሰርሑን ንምውህሃድን ይዳለዉ።

  2. ደረጃ ትምህርቲ 2 ኣብዚ ደረጃ እዚ፣ ካብ 12 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ኣብ VMBO መሰረታዊ ደረጃ ትምህርቲ ንምክትታል ይዳለዉ። ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ድማ ኣብ MBO-1 ወይ MBO-2 ስልጠና ንምክትታል ይዳለዉ።

  3. ደረጃ ትምህርቲ 3 ኣብዚ ደረጃ እዚ፣ ካብ 12 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ኣብ VMBO-መቃናዊ፣ VMBO-ሕውስዋስ መንገዲ ትምህርቲ (gl)፣ VMBO-ክልሰ ሓሳባዊ መንገዲ ትምህርቲ (tl)፣ HAVO ወይ VWO ትምህርቲ ንምክትታል ይዳለዉ። ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ድማ ናይ MBO 3 ወይ 4 ስልጠና፣ ናይ HBO ስልጠና (ዝያዳ ቅድመ-ኣፍልጦ ዘድልዮ ምስ ዝኸውን መሰጋገሪ መደብ ዘለዎ) ወይ

    ናይ VAVO ስልጠና
    ንምክትታል ይዳለዉ።

ምምሕዳር ከተማ ንደቅኻ ዝኸውን ቤት-ትምህርቲ ከምዝህሉው የረጋግጽ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣብ መንበሪ-ቤት ዲኻ ትነብር፣ ከምኡ እውን ንስኻን ደቅኻን መንበሪ ፍቓድ ኣለኩም ድዩ? ስለዚ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ናትካ ተጸዋዒ-ሰብ ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ወይ ምምሕዳር ከተማ ንደቅኻ ዝኸውን ቤት-ትምህርቲ ንኽትረክብ ክሕግዘካ እዩ።

ደቅኻ ገና ቤት-ትምህርቲ ዘይብሎም ምስ ዝኾኑ ነዚ ክትገብር ትኽእል

ንስኻን ደቅኻን ኣብ ኔዘርላንድ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ገይርኩም፣ እንተኾነ ግን ደቅኻ ገና ናብ ቤት-ትምህርቲ ኣይከዱን ድዮም? ስለዚ ደቅኻ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ዝኽእሉ እንተኾኑ ንምምሕዳር ከተማ ወይ ንመዕቆቢ ሕተት። 

ደቅኻ ገና ክሳብ ሕጂ ኣይመሃሩን ድዮም? ስለዚ ናብ ቤት-ጽሕፈት ናይ VluchtelingenWerk ወይ ናብ ምምሕዳር ከተማ ሓብር።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር