ካብ መዕቆቢ ናብ ገዛኻ ትግዕዝ
ውዕል ክራይ ድሕሪ ምፍራምካ ናብቲ ሓድሽ ገዛኻ ንኽትግዕዝ ናይ 2 ሳምንታት ግዜ ኣለካ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ብዙሕ ነገራት ከተዋድድ ኣለካ። ብዛዕብኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ውዕል ክራይ ድሕሪ ምፍራምካ፣ ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝርከብ
ኣብ
ካብ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ዝርከብ ዝኾነ ወይ እኹል ኣታዊ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይኑ፣ ካብ መንግስቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ንኽትረክብ መሰል ኣለካ። እዚ ድማ 'ማሕበራዊ ጥቕሚ' ወይ 'ማሕበራዊ ደገፍ ጥቕሚ' ይበሃል። እዚ ክትነብረሉ ዘኽእለካ ነፍስወከፍ ወርሒ ካብ መንግስቲ እትረኽቦ ገንዘብ እዩ። ንኣብነት ካብዚ ክራይ ገዛኻ ትኸፍል።
ማሕበራዊ ደገፍ ጥቕሚ -bijstandsuitkering- ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ ድዩ? ስለዚ ካብቲ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ዘመልከትካሉ ዕለት ጀሚርካ ኢኻ ነዚ እትቕበሎ፣ እምበር ቅድሚኡ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ኣብ ግዚኡ ከም እተመልክት ኣረጋግጽ። ብኸምዚ ድማ ውሑድ ገንዘብ ንኸይትረክብ ከተወግድ ትኽእል።
ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ፣ ማሕበራዊ ደገፍ ጥቕሚ ኣብ ምምልካት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ገዛ ምውዳድ ብዙሕ ገንዘብ ዝሓትት ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ 1ይ ገዛኻ ኣቑሑት ንኸተዋድደሉ ምእንቲ ካብ መብዛሕትአን ምምሕዳራት ከተማ ልቓሕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ናይ ኣቑሑት ገዛ ልቓሕ ይበሃል። እዚ ልቓሕ እዚ፣ ዓበይቲ ኣቑሑት ገዛን ካልኦት ኣገደስቲ ንብረታትን ንኽትገዝእ ይሕግዘካ። ናይ ኣቑሑት ገዛ ልቓሕ መጠን ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ይፈላለይ እዩ።
ናይ ኣቑሑት ገዛ ልቓሕ መብዛሕትኡ ግዜ ልቓሕ እዩ፣ እዚ ማለት ነቲ ዝተለቃሕካዮ ገንዘብ ኣብ መወዳእታኡ ንምምሕዳር ከተማ ክትመልሰሉ ኣለካ ማለት እዩ። ኣብ ገሊአን ምምሕዳራት ከተማ፣ ኣብ ኩነትካ ዝምርኮስ ነቲ ገንዘብ ክትመልስ ዘይትግደደሎም ኣማራጺታት ኣለዉ። እቶም ኣማራጺታት ኣየኖት ምዃኖምን፣ ብኸመይ ከተመልክት ከም እትኽእልን ንምሕታት፣ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ምምሕዳር ከተማኻ ርክብ ግበር።
ኣብ ገዛኻ ክትነብር ንኽትክእል ዝተወሰኑ ውዕላት ክትፍጽም ኣለካ። ንኣብነት፡
ናይ ኤሌክትሪክን ጋዝን ውዕል
ናይ ማይ ውዕል
ናይ ተሌቪዥንን ኢንተርነትን ውዕል
ናይ ትሕዝቶ ቤት መድሕን
ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ብዛዕባ እዚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ገዛ ትግዕዝ ከምዘለኻ ንኸተፍልጦም፣