ኣብ ደማስቆስ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ዝተሰቕለ ዓቢይ ስእሊ ባሻር ኣል ኣሳድ
ምንጪ፡ Shutterstock / Hanohiki
ዜና

ኔዘርላንድ ገለ ክፋል ሶርያ ውሑስ ምዃኑ ክትእውጅ ትደልይ፣ ብሃውሪ ግን ኣይከኣልን እዩ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 1/11/2024 12:00 ቅ.ቀ.

መንግስቲ ኔዘርላንድ ንውሑዳት ስደተኛታት ዑቕባ ክህብን፣ ብቕልጡፍ ናብ መበቆል ሃገሮም ክመልሶምን ይደልይ እዩ። መንግስቲ፣ ገሊኦም ከባቢታት ሶርያ ውሑሳት ምዃኖም ክእውጅ እውን ይደልይ ኣሎ፣ እዚ ድማ ካብቶም ከባቢታት ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ መወዳእታኡ ንኽምለሱ ምእንቲ እዩ። እዚ ግን ብሃውሪ ዝከኣል ኣይኮነን።

መንግስቲ ኔዘርላንድ ብሶርያውያን ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ክነጽግ ክፍትን ይደልይ

ኔዘርላንድ ንገለ ክፋል ሶርያ ውሑስ ምዃኑ ክትእውጅ ትደልይ ኣላ። እዚ ንምግባር ንሶርያውያን ዝምልከት ፖሊሲ ዑቕባ ክስተኻኸል ኣለዎ። እቲ ሕጂ ዘሎ ፖሊሲ ዑቕባ ኣብ ሶርያ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ዝገልጽ እዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ጎነጽን ማእሰርትን ዝኣመሰለ ኣብ ሶርያ ዝፍጸም ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ሰባት ናብ ሶርያ ምስ ተመልሱ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ኣይግበረሎምን እዩ። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ሕጂ መንግስቲ ኔዘርላንድ ካብ ሶርያ ንዝመጽኡ ሰባት ዝነጽግሉን ዝመልሰሉን ኣገባብ የናድይ ኣሎ።

ሓንቲ ሃገር ሕቶታት ዑቕባ ከምዝንጸጉ ቅድሚ ምግባራ ጽኑዓት ሕግታት ከተማልእ ኣለዋ

መንግስቲ ኔዘርላንድ ካብ ሶርያ ንዝመጽኡ ሰባት ዝምልከት ፖሊሲ ዑቕባ ንምትዕርራይ መርትዖ ከቕርብ የድልዮ እዩ። እዚ መርትዖ ካብ ክኢላታትን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ክመጽእ ኣለዎ። ስለዚ ምናልባት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ወይ ኣብ መጀመርታ ዝመጽእ ዓመት ብዛዕባ ኩነታት ሶርያ ሓድሽ መርመራ ክካየድ እዩ።

ሰብ-ሞያ፣ ሶርያ ገና ውሕስቲ ኣይኮነትን ኢሎም እዮም ዝሓስቡ። ኣብዚ ቀረባ እዋን

ብሕቡራት ሃገራት (UN)
ዝተገብረ መጽናዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ይፍጸም ከምዘሎን፣ ሰባት ይእሰሩ ወይ ይስወሩ ከምዘለዉን እዩ ዘመልክት። ስለዚ እቲ መጽናዕቲ ገለ ክፋል ሶርያ ውሑስ ተባሂሉ ክእወጅ ዝመኽረሉ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

ኔዘርላንድ ሰባት ናብ ሃገሮም ክትመልስ ዝፍቀደላ እንተኾነ ኣብ መወዳእታኡ ዳኛ እዩ ዝውስን

መንግስቲ ኔዘርላንድ፣ ኣንጻር ምኽሪ ሰብ-ሞያ ንሶርያውያን ዝምልከት ፖሊሲ ዑቕባ ንምትዕርራይ ክውስን ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታኡ ግን ደያኑ እዮም ብዛዕባ እዚ ናይ መወዳእታ ብይን ዝህቡ። ውሳኔ ናይ መንግስቲ ምስ ኤውሮጳዊን ኣህጉራዊን ሕግታት ዝሰማማዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ድማ ይምርምሩ። መንግስቲ ኔዘርላንድ ሕጂ እውን ነዞም ሕግታት ከኽብር ኣለዎ።  

ኣብ ነፍስወከፍ ኩነት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ፡

ናይ ዑቕባ መመልከቲ ኣቕሪብካ ኣለኻ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ

ኔዘርላንድ ሰባት ውሕስቲ ናብ እትሓስባ ሃገር ብሃውሪ ክትመልስ ኣይትኽእልን እያ

ኔዘርላንድ ንሓንቲ ሃገር ወይ ዞባ ውሕስቲ እያ ኢላ እንተድኣ ቖጺራታን፣ ዳኛ መንበሪ ፍቓድካ ክሰሓብ ከም ዝኽእል እንተድኣ ወሲኑን፣ ገና ብሃውሪ ክትምለስ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኔዘርላንድ ብዛዕባ እዚ ምስ ሶርያ ስምምዓት ክትገብር ኣለዋ፣ ሶርያ ድማ ሰባት ንኽምለሱ ክትሰማማዕ ኣለዋ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ ኔዘርላንድን ሶርያን ብዛዕባ ምምላስ ዝምልከት ስምምዕ የለን።

ኣብ ሞንጎ ኔዘርላንድን ሶርያን ዘሎ ዝምድና ሕማቕ እዩ። ኔዘርላንድ ኣብ ሶርያ ኤምባሲ የብላን፣ ሶርያ ድማ ከምኡ ኣብ ኔዘርላንድ ኤምባሲ የብላን። ንሓደ ሰብ ብኣስገዳድ ንምምላስ፣ እታ ሃገር ኣብ ኔዘርላንድ ኤምባሲ ክህልዋ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ እዋን ንገለ ክፋል ሶርያ ውሑስ ምዃኑ ንምእዋጅ ብዛዕባ ዘሎ ውጥን ካብዚ ንላዕሊ ጭቡጥ ሓበሬታ የለን። RefugeeHelp ንምዕባለታት ክከታተል እዩ፣ ሓድሽ ሓበሬታ ምስ ተረኽበ ድማ ብቕልጡፍ ክንሕብረካ ኢና።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር