
ኣብ ዶብ ጀርመንን ኔዘርላንድን ግዝያዊ ቚጽጽር ዶብ
ፖሊስ ጀርመን ካብ 16 መስከረም ጀሚሩ ዶብ ክሰግሩ ናይ ዝደልዩ ሰባት ፓስፖርት ይቖጻጸር ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብ ጀርመን ክጓዓዙ፣ ወይ ብጀርመን ኣቢሎም ናብ ኔዘርላንድ ክጓዓዙ ዝደልዩ ስደተኛታት ሳዕቤናት ኣለዎ። እዚ ኩነታት ከመይ ከም ዘሎ ኣብዚ ኣንብብ።
ጀርመን ሰባት ብዘይ ቪዛ ናብ ጀርመን ከይኣትዉ ክትከላኸል ትደልይ
ካብ ሰኑይ 16 መስከረም 2024 ጀሚሩ፣ ፖሊስ ጀርመን ዶብ ክሰግሩ ናይ ዝደልዩ ሰባት ፓስፖርት ቚጽጽር ይገብር ኣሎ። መንግስቲ ጀርመን ነዚ ዝገብር ዘሎ፣ ብዘይ ሕጋዊ ቪዛ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሰባት ብዝሖም ከምዝውሕድ ንምርግጋጽ እዩ። እዚ ናይ ዶብ ቚጽጽር ን6 ኣዋርሕ ክጸንሕ እዩ።
ከም ንቡር ኣሰራርሓ ምቁጽጻር ዶብ ክህሉው ኣይነበሮን፣ ምኽንያቱ ኔዘርላንድን ጀርመንን ኣብ ከባቢ ሸንገን ዝርከባ ሃገራት ስለዝኾና። ከባቢ ሸንገን ማለት ብዘይ ቚጽጽር ፓስፖርት ክትጓዓዘለን እትኽእል ጉጅለ ሃገራት ኤውሮጳ እዩ። ሓንቲ ሃገር ንግዚኡ ምቁጽጻር ዶባት ከተተኣታቱው ትኽእል እያ፣ እንተኾነ ግን ብብቚዕ ምኽንያትን ንሓጺር ግዜን ጥራይ እዩ ዝከኣል።
ዶብ ጀርመን-ኔዘርላንድ ንምስጋር ቅኑዕ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት የድልየካ
ኣብ ዝቕጽሉ 6 ኣዋርሕ ዶብ ኔዘርላንድን ጀርመንን ክትሰግር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ መገሻኻ ተወሳኺ ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ኣእቱው። ቅኑዓት ወረቃቕቲ ምስ ዘይህልወካ ክትቕየድ እውን ትኽእል ኢኻ።
ከም ዩክሬናዊ ስደተኛ ናብ ኔዘርላንድ ንምእታው ቅኑዓት ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ምሳኻ ክትሕዝ ኣለካ
ካብ ዩክሬን ዲኻ ዲኻ መጺእካ፣ ከምኡ እውን ዶብ ጀርመንን ኔዘርላንድን ክትሰግር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ቅኑዓት ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ምሓዝካ ኣረጋግጽ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ፓስፖርትኻ ማለት እዩ።
ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ሒዝካ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ክትጓዓዝ ዲኻ፣ ሓደ ወላዲ ወይ ሞግዚት ድማ ምሳኻ ኣይጓዓዝን ድዩ? ስለዚ ካብቲ ምሳኻ ዘይጓዓዝ ወላዲ ወይ ሞግዚት ፍቓድ ክትረክብ የድልየካ እዩ። ብዛዕባ እዚ ንውላድካ ከተዋድደሉ እትኽእል ቅጥዒ ካብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ከተውርድ ትኽእል ኢኻ።
ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ሒዝካ ናብ ወጻኢ ሃገር ንምጒዓዝ ዝኸውን ቅጥዒ
ካብ ካልእ ሃገር ዝሃድምካ ምስ እትኸውን፣ ኣብ ጀርመን ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይ ንፖሊስ ዶብ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።
ብጀርመን ኣቢልካ ናብ ኔዘርላንድ ክትጓዓዝ ዲኻ፣ ዑቕባ ክትሓትት ድማ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ናብ ኔዘርላንድ ንምእታው ቪዛ ወይ መንበሪ ፍቓድ የድልየካ እዩ። ኣብ ዶብ ጀርመን ቚጽጽር ምስ ዝግበረልካን፣ ናብ ኔዘርላንድ ክትኣቱው ከም ዝፍቀደልካ ዘርእይ መርትዖ ምስ ዘይህልወካን፣ ካብኡ ሓሊፍካ ጒዕዞኻ ክትቕጽል ኣይትኽእልን ኢኻ።
ኣብ ጀርመን ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይ ንፖሊስ ዶብ ጀርመን ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ፖሊስ ዶብ፣ ጀርመን ንመመልከቲ ዑቕባኻ ከተመስርሖ ዘለዋ ምዃናን ዘይምዃናን ክምርምር እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ካልእ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር እያ ንመመልከቲኻ ከተመስርሖ ዘለዋ። ንኣብነት ዑቕባ ንምርካብ ድሮ ኣብኡ ተመዝጊብካ ዘለኻ ምስ እትኸውን። ከምኡ ምስ ዝኸውን፣ ብመሰረት