ኣብኡ ዑቕባ እንተድኣ ኣመልኪትካ ኣብ ተር ኣፐል እኹል መዕቆቢ ቦታ የለን
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ንኹሎም ኣብ ተር ኣፐል ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ከአንግድ ዘይክእል ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ መዕቆቢ ስለዝመልአ እዩ። ይኹን እምበር ገና ኣብ ተር ኣፐል ዑቕባ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፣ እንተኾነ ግን መደቀሲን መዕቆቢን ቦታ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ርጉጽ ኣይኮነን።
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ናይ መዕቆቢ ጸገማት ካብ ዝረኣዩ ድሮ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ፣ ኣብ ቁሸት ተር ኣፐል ክትምዝገብ ኣለካ። ኣብኡ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣብ
ኣብ ዝሓለፉ ለይቲታት ኣብ ተር ኣፐል ዝርከብ መዕቆቢ መሊኡ ወይ ዳርጋ ምሉእ ነይሩ
ብመሰረት ሕጊ ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ሓደ እዋን ካብ 2,000 ዝበዝሑ ሰባት ክቕመጡ ኣይክእሉን እዮም። ከምዚ ኮይኑ እናሃልወ ግን ብዙሓት ሰባት ኣብኡ ደቂሶም ነይሮም። ንኣብነት ካብ 16 ናብ 17 መስከረም 2024 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ 2,302 ሰባት ኣብኡ ደቂሶም ነይሮም።
ካልኦት ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከባ ምምሕዳራት ከተማ፣ ነቶም ኣብ ስሩዕ መዕቆቢ ቦታታት ክሓድሩ ዘይክእሉ ሰባት መደቀሲ ቦታታት ኣቕሪበን። ኣብ ዝመጽእ ለይትታት እውን ካብ ተር ኣፐል ወጻኢ እኹል መዕቆቢ ክዳሎ ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ገና ንጹር ኣይኮነን።
ተር ኣፐል እንተድኣ መሊኡ ምናልባት ካልእ መዕቆቢ ቦታ ክትረክብ ኢኻ
ሎሚ መዓልቲ ዲኻ ናብ ተር ኣፐል መጺእካ፣ ከምኡ እውን ኣብኡ ንዓኻ ዝኸውን መዕቆቢ ቦታ የለን ድዩ? ስለዚ COA፣ ከምኡ እውን ሓደ ሓደ ግዜ ቀይሕ መስቀል ምናልባት ናብ ካልእ መዕቆቢ ከም እትውሰድ ከረጋግጹ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ
ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ IND ምምዝጋብካ ኣረጋግጽ
ኣብ IND ከይተመዝገብካ ናይ ዑቕባ መጽለሊ ክትረክብ መሰል የብልካን፣ ከምኡ እውን መስርሕ ዑቕባኻ ብወግዒ ኣይጅምርን እዩ። ዋላ መጽለሊ እንተዘይረኸብካ እውን ተመዝጊብካ ክትህሉው ኣገዳሲ እዩ።
እዚ መልእኽቲ ሓድሽ ሓበሬታ ምስ ዝህሉው እዋናዊ ንምግባሩ ክመሓየሽ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ RefugeeHelp ተኸታተል።