ሓንቲ ሰበይቲ ውዕል ተንብብ
ምንጪ፡ Karolina Grabowska
ዓንቀጽ

IND ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ኣብ ምውሳን ኣዝዩ እንተድኣ ደንጒዩ ከምዚ ክትገብር ትኽእል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 29/1/2025 9:24 ቅ.ቀ.

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ብዛዕባ መመልከቲኻ ኣብ እዋኑ ውሳኔ ክወስድ ኣለዎ። እዚ እንተድኣ ዘይገበረ፣ IND ሕጂ እውን ገና ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ንኽወስድ ብወግዒ ክትሓት ትኽእል ኢኻ። እዚ "ምሃብ ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ" ይበሃል።

ሕጂ IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽውስን 15 ኣዋርሕ ግዜ ኣለዎ

IND ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባ ንኽውስን ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ ከምዘለዎ ኣብ ሕጊ ተጠቒሱ ይርከብ። ይኹን እምበር IND ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከምኡ ንምግባር ኣይሰለጦን። IND ከመስርሖም ካብ ዝኽእል ንላዕሊ መመልከቲታት ኣለዉ። ከም ውጽኢቱ ድማ መስርሕ ዑቕባ ክሳብ ዝጅምር ቀጻሊ ነዊሕ ግዜ ይወስድ ኣሎ። እቲ ናይ ምጽባይ ግዜታት ድማ ቀጻሊ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ምስ IND 1ይ ቃለ-መሕትት ክሳብ እትገብር ብማእከላይ ገምጋም 5 ሳምንታት ይወስድ። ከምኡ እውን እቲ መስርሕ ዑቕባ ዝጅመረሉ 2ይ ቃለ-መሕትት ልዕሊ 60 ሳምንታት ይወስድ።

IND ኣድላዪ ክሳብ ዝኾነ ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባ ንምውሳን 9 ኣዋርሕ ተወሳኺ ግዜ ከም ዝተዋህቦ መንግስቲ ኔዘርላንድ ኣብ መወዳእታ 2023 ወሲኑ ኣሎ። IND ሕጂ በዚ ምኽንያት 15 ኣዋርሕ ኣለዎ። ከምኡ እውን ኣብ ፍሉይ ኩነታት IND ነዚ ገደብ-ግዜ እዚ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ብ3 ኣዋርሕ ከናውሖ እውን ይኽእል እዩ።

ብዝኾነ IND ውሳኔ ንኽህብ ብወግዒ ሕተቶ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ንመመልከቲኻ ኣብ ምውሳን ደንጒዩ ድዩ? ስለዚ ንIND ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብምግባር IND ነቲ ኣብ ውሽጢ 15 ኣዋርሕ ውሳኔ ንኽህብ ዝጠልብ ስምምዕ ከምዘየኽበረ ብወግዒ ተፍልጦ ኣለኻ ማለት እዩ።

ንIND ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ምሃብ ተመራጺ ድዩ ኣይኮነን፣ ከምኡ እውን እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ኣብ VluchtelingenWerk ምስ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ተመያየጥ። ኣብዚ ታሕቲ ኣብ ዝርከብ መተሓላለፊ ሊንክ ንዘሎ ቅጥዒ ተጠቒምካ ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትልእኾ ትኽእል ኢኻ፡

Immigratie- en Naturalisatiedienst Postbus 14 9560 AA TER APEL

ነቲ ናትካ ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ድሕሪ ምቕባሉ፣ IND ብዛዕባ መመልከቲኻ ውሳኔ ንኽወስድ 2 ሳምንታት ኣለዎ።

ቅጥዒ፡ ንIND ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ምሃብ

IND ሕጂ እውን ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ክህብ ንኽትሓቶ ነዚ ቅጥዒ ተጠቐም።

መመልከቲኻ ምሉእ ክኸውን ኣለዎ

መመልከቲኻ ምሉእ ኣይነበረን ድዩ? ስለዚ IND ንመመልከቲኻ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣብቲ ንIND ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ እትህበሉ እዋን መመልከቲኻ ምሉእ ምንባሩ ኣረጋግጽ።

IND ሕጂ እውን ገና ውሳኔ ዘይሃበ እንተድኣ ኮይኑ ከምዚ ክትገብር ትኽእል

IND ንናትካ ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ድሕሪ ምቕባሉ ገና ውሳኔ ኣይሃበን ድዩ? ስለዚ IND መቕጻዕቲ ንክኸፍለካ ግዴታ ኣለዎ። ከምኡ እውን ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ምባል

ነቲ መስርሕ ንምጅማር ናብ ቤት-ፍርዲ ናይ ይግባይ ምልክታ ከተቕርብ ኣለካ። ናይ ይግባይ ምልክታ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳራዊ ሕጊ ኣንጻር መንግስቲ መስርሕ እትጅምረሉ ሰነድ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ዳኛ ንስኻ ናብ ቤት-ፍርዲ ምኻድ ከየድለየካ እዩ ዝውስን

መብዛሕትኡ ግዜ ዳኛ ንኸምዚኦም ዓይነት ጉዳያት ዝውስን ሰነዳት ብምርኣይ ጥራይ እዩ። እቲ ቤት-ፍርዲ IND ንኹሉ ሰነዳት ናይቲ ጉዳይ ንኽሰዱን፣ ከምኡ እውን ንምንታይ ገና ውሳኔ ከምዘይወሰዱ መብርሂ ንኽህቡን ይሓቶም። ንሳኻ ናብ ቤት-ፍርዲ ክትከይድ ድማ ኣየድልየካን እዩ።

ናብ ቤት-ፍርዲ ክትከይድ ዘለካ ምስ እትኸውን ግን ብዛዕባ እዚ ካብ ቤት-ፍርዲ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ።

ቤት-ፍርዲ ንስኻ ቅኑዕ ምህላውካ ምስ ዝውስን ከምዚ ይኸውን

ቤት-ፍርዲ ንስኻ ቅኑዕ ምህላውካ ምስ ዝውስን፣ IND ብዛዕባ መመልከቲኻ ብቕልጡፍ ውሳኔ ክህብ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ንኽገብር ቤት-ፍርዲ ንIND 2 ሳምንታት ይህቦ። IND ኣብዚ ገደብ-ግዜ እንተድኣ ዘይወሰነ፣ ብመሰረት እቲ ቤት-ፍርዲ ዝሰርዖ ገደብ-ግዜ ንነፍስወከፍ ዝደንጎየሉ መዓልቲ ተወሳኺ መቕጻዕቲ ንክኸፍል ቤት-ፍርዲ ኣብ ልዕሊ IND ክብይን ይኽእል እዩ።

መጋባእያ እንተድኣ ዘይተኻይዱ፣ ቤት-ፍርዲ እቲ ናይ ይግባይ ምልክታ ድሕሪ ምቕባሉ ኣብ ውሽጢ 8 ሳምንታት ውሳኔ ይህብ። መጋባእያ እንተሃልዩ ግን፣ ቤት-ፍርዲ ድሕሪ እቲ መጋባእያ ኣብ ውሽጢ 6 ሳምንታት ውሳኔ ይህብ። ቤት-ፍርዲ ተወሳኺ ግዜ ዘድልዮ እንተድኣ ኮይኑ ብዛዕባ እዚ ክሕብረካ እዩ። እቲ ውሳኔ ድማ ናብ ኣድራሻኻ ክለኣኸልካ እዩ።

ሕጋዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ቅድሚ ንIND ውሳኔ ንኽወስድ ከተገድዶ ምውሳንካ ንጠበቓ ሕጋዊ ምኽሪ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ኣወንታዊ ውጽኢት ናይ ምርካብ ዕድል ከምዝውስኽ ይገብር። ብተወሳኺ ንዘለካ ሕቶታት ብዝምልከት ናብ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር