
ኣብ ኤውሮጳዊት ሃገር እንተድኣ ተመዝጊብካ ምስ IND 1 ቃለ-መሕትት ኣለካ
ድሕሪ ምዝገባኻ ኣብ Ter Apel ወይ ኣብ Schiphol ምስ Immigratie- en Naturalisatiedienst (IND) 1 ቃለ መሕትት ክህልወካ እዩ። እዚ ዝርርብ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር ዝነበረካ ናይ ዑቕባ ሕቶ እዩ።
IND ብዛዕባ ኣብ ካልእ ቦታታት ኤውሮጳ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ሕቶታት ይሓተካ
IND ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ክሓትት እዩ፡
ስምካ
ዕለተ ልደትካ
መበቆል ሃገርካ
ኣየኖት ኣባላት ስድራ-ቤት ምሳኻ ተጓዒዞም
እንታይ ቋንቋ ትዛረብ
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይ ዝገበረካ ኣብታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር እንታይ ዘጋጠመካ ነገር ምህላዉ።
ኣብዚ ዝርርብ፣ ንሕቶታት ናይ ሰራሕተኛ IND ዝትርጉመልካ ሓደ ኣተርጓሚ ክህሉው እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ንIND ዝሰርሕ ኣይኮነን፣ ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ድማ ክሕግዘካ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ኣተርጓሚ ብንጹር ክትርድኦ እንተድኣ ዘይክኢልካ፣ ኣብ ምጅማር እቲ ዝርርብ ብዛዕባ እዚ ንገር። ጽቡቕ ገይርካ ክትርድኦ ኣገዳሲ እዩ።
ኔዘርላንድ ዑቕባ ዝሓተትካላ ናይ መጀመርታ ኤውሮጳዊት ሃገር እንተድኣ ኮይና እውን IND መርመራ ከካይድ እዩ
ኔዘርላንድ እታ ቀዳመይቲ ዑቕባ ዝሓተትካላ ሃገር እንተድኣ ኮይና እውን፣ IND ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከተመስርሖ ዘለዋ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምር እዩ። ሽዕኡ እውን ገና
ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኤውሮጳ ስለዝገሸካ፤
ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ስለዘለዉ፤
ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር መንበሪ ፍቓድ ስለዘለዎም፤
ናይ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር (ግዜኡ ዝሓለፎ) ቪዛ ወይ መንበሪ ፍቓድ ስለዘለካ፣ ንኣብነት ናይ ትምህርቲ ቪዛ።
ኔዘርላንድ እታ ቀዳመይቲ ዑቕባ ዝሓተትካላ ሃገር እንተድኣ ኮይናን፣ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝርከብ ሓበሬታ ንዓኻ ዘይምልከት ምስ ዝኸውንን፣ ደንቢ ዱብሊን ኣይምልከተካን እዩ።