ስድራ ኣብ ፊት ስኺፖል።
ምንጪ፡ Selma van der Bijl
ዓንቀጽ

ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር እንተድኣ ተመዝጊብካ ኣብ ተር ኣፐል ወይ ኣብ Schiphol ትምዝገብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 2/4/2025 3:19 ቅ.ቀ.

ናብ ኔዘርላንድ ከም ስደተኛ እንተድኣ መጺእካ፣ ኣብ ማእከል ምዝገባ ተርኣፐል ወይ Schiphol ክትምዝገብ ኣለካ። ኣብኡ ድማ ፖሊስ ንውልቃዊ ሓበሬታታትካ ክምርምሩ እዮም።

ድሮ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ዝሓተትካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ፖሊስ ይምርምር

ናብ ኔዘርላንድ ምስ መጻእካ

ፖሊስ
ወይ
ወተሃደራዊ ፖሊስ [marechaussee]
ኣብ ቁሸት ተርኣፐል ወይ ኣብ Schiphol፣ ስምካ ወይ ኣሰር ኣጻብዕትኻ ኣብ
EURODAC
ወይ
EU-VIS
ዘሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምሩ እዮም።

ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ስምካ ወይ ኣሰር ኣጻብዕትኻ ኣብ 1 ካብዞም ስርዓታት ኣሎ፡

- ኣሰር ኣጻብዕትኻ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር ሂብካ እንተድኣ ኣለኻ ኮይንካ፤

- ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ ኣሰር ኣጻብዕትኻ ከትህብ ዝነበረካ እንተድኣ ኮይኑ፤

ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ቪዛ ኣመልኪትካ ወይ ቪዛ ረኺብካ እንተድኣ ነይርካ።

እታ ኣብዞም ስርዓታት ኣብ ጎኒ ስምካ እትርከብ ሃገር፣ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ናይ ምምስራሕ ሓላፍነት ኣለዋ። እዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተገብረ ‘

ደንቢ ዱብሊን
’ ዝበሃል ስምምዕ እዩ።

ምስ ፖሊስ ዝርርብ ክህልወካ እዩ

ኣብ ተርኣፐል ወይ ኣብ Schiphol ምስ

ፖሊስ
ዝርርብ ክህልወካ እዩ። ኣብዚ ዝርርብ ንስኻ መን ምዃንካን ኣባላት ስድራ-ቤትካ መን ምዃኖምን ይሓቱኻ። ኣብዚ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ኣየኖት ሃገራት ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ወይ ከም ዝተዋህቦም እውን ክትሕብር ኣለካ። እቲ ዝርርብ ብዛዕባ መንነትካ ደኣ እምበር፣ ገና ስለምንታይ ከም ዝሃደምካን ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይን ዝምልከት ኣይኮነን።  

ኣሰር ኣጻብዕትኻ ኣብ ካልእ ሃገር እንተድኣ ተመዝጊቡ፣ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ንኽምስራሕ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር