ሓደ መንእሰይ ተማሃራይ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ብድሕሪ ላፕቶፑ ኮፍ ኢሉ ቋንቋ ኔዘርላንድ ይመሃር።
ምንጪ፡ Anna Stills / Shutterstock
ዓንቀጽ

ገና ዘይተዋሃሃድካን ናብ ትምህርቲ ዘይትኸይድን እንተኾንካ ባዕልኻ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምሃር

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 20/2/2025 4:53 ድ.ቀ.

ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ገና መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ክትወሃሃድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ብስልጠና ኣቢልካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ኣይትኽእልን። ይኹን እምበር ድሮ ባዕልኻ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ኣገባባት ክግበር ከም ዝከኣል ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ቋንቋ ኔዘርላንድ ብኢንተርነት ምምሃር 

ኣብ ኢንተርነት ብዙሓት ክትለማመደሎም እትኽእል ነጻ መርበባት-ሓበሬታን ኣፕን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ታሕቲ ድማ ገለ ምኽርታት ክትረክብ ኢኻ፡ 

ኣብ 'Oefenen.nl' ናይ ኢንተርነት ትምህርቲ ቋንቋ ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ክትረክብ ኢኻ። እቲ መርበብ-ሓበሬታ ብብዙሓት ቋንቋታት ንምንባቡ ይከኣል እዩ። ኣብቲ 'Taal' ዝብል ክፋል፣ ንቃላት ቋንቋ ኔዘርላንድ ምድማጽ፣ ምንባብን ምጽሓፍን ክትማሃር ኢኻ። ነቲ ትምህርቲ ንምርኣይ ድማ ኣካውንት ክትፈጥር ኣለካ።  

'Nt2-taalmenu' ቋንቋ ኔዘርላንድ ካብ ደረጃ A1 ጀሚርካ፡ ምስማዕ፣ ምንባብ፣ ምጽሓፍን ምዝራብን ክትለማመደሉ እትኽእል መርበብ-ሓበሬታ እዩ። ብዛዕባ ሰዋስው እውን መብርሂ ክትረክብ ኢኻ። እዚ መርበብ-ሓበሬታ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ እንግሊዝ ጥራይ እዩ። ግን ድማ ብዛዕባ እቲ መርበብ-ሓበሬታ ዘብርሁ ብቋንቋታት ዓረብ

ከምኡ እውን ቱርኪ
ዝተዳለዉ ቪድዮታት እውን ኣለዉ። ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ንምጥቃም ኣካውንት ምፍጣር ኣየድልየካን እዩ። 

  • YouTube 

ኣብ ዩቱብ እውን ቃላት ክትመሃርን ቋንቋ ክትለማመድን ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብዚ ቋንቋ ምልምማድ ዝብል ተኸታታሊ መደብ።

ኣብኡ ብዛዕባ ቋንቋ ኔዘርላንድ ልዕሊ 50 ቪድዮታት ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣየኖት ቃላትን ምሉኣት-ሓሳባትን ዳርጋ ዕለታዊ ከም ዘድልዩኻ ትመሃር። ብዛዕባ ምልላይን ምፍላጥን፣ ሞያታት፣ መግቢ፣ ስራሕ፣ ዝምድናታት፣ ምሕማም፣ ስድራ-ቤትን ዕዳጋን ዝገልጹ ቪድዮታት ኣለዉ። ብዛዕባ ካልኦት ብዙሓት ዛዕባታት እውን ኣለዉ። 

ፋርሲ ወይ ዓረብ ትዛረብ ምስ እትኸውን ቋንቋ ኔዘርላንድ ብኢንተርነት ምምሃር 

ቋንቋ ፋርሲ ወይ ዓረብ ትዛረብ ዲኻ?  

  • ስለዚ ብመንገዲ Karibu ኣፕ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። በዚ ነጻ ኣፕ ኣቢልካ ድማ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ትኽእል። ነቲ ኣፕ ካብ App Store

    ወይ ካብ Google Play
    ከተውርዶ ትኽእል ኢኻ። 

ቋንቋ እንግሊዝ ትዛረብ ምስ እትኸውን ቋንቋ ኔዘርላንድ ብኢንተርነት ምምሃር 

ቋንቋ እንግሊዝ ትዛረብ ዲኻ? ስለዚ ነዞም ብቋንቋ እንግሊዝ ዝርከቡ ኣፕን ናይ ኢንተርነት ኣማራጺታትን ተጠቒምካ እውን ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ፡  

  • Duolingo

    ፡ ብመንገዲ Duolingo ቃላት፣ ምሉኣት-ሓሳባትን ሰዋስውን ክትመሃር ትኽእል። እዚ ኣፕ ብነጻ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣፕ ካብ Google Play ወይ App store ናብ ተሌፎንካ ወይ ታብሌትካ ኣውርዶ።  

  • Memrise

    ፡ እዚ ኣፕ እዚ ብመንገዲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ዝዛረቡ ናይ ሓቂ ሰባት ቪድዮታት ኣቢሉ ቋንቋ ኔዘርላንድ ንኽትመሃር ይሕግዘካ። እዚ ኣፕ እዚ እውን ብነጻ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። 

  • DutchPod101

    ፡ ካልእ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃረሉ እትኽእል ኣገባብ ነዚኦም ፖድካስት ብምስማዕ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ዝግበሩ ዕላላት ወይ ዝርርባት ክትሰምዕ ትኽእል። ነዚ ፖድካስት ብመንገዲ Spotify ክትሰምዖ ትኽእል ኢኻ። 

  • ዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን (RUG) ኣብ ዓመት ብርክት ንዝበሉ ግዜ ይህብ እዩ።

     

ኣብ taalcafé ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምሃር 

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት (azc) ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ዲኻ ትነብር?

ስለዚ ቋንቋ ኔዘርላንድ ንምምሃር እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ከም ዝውድቡ
ንማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። COA ኣብ ሓያሎ ቦታታት ነዚ ዝስዕብ ይውድብ እዩ፡ 

  • Taalcafé፡ ናይ ቋንቋ ካፈታት [Taalcafé] ሰባት ተኣኪቦም ቋንቋ ኔዘርላንድ ዝለማመዱሉ ምትእኽኻባት እዮም። ምስ ሓደ ናይ ቋንቋ ወለንተኛ ብሓባር ብምዃን ድማ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምዝራብ ትመሃር።  

  • መደብ ቅድመ-ምድላው ምውህሃድ፡ ኣብ ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት ትነብር እንተድኣ ኮይንካ፣ ንምውህሃድ ቅድመ-ምድላው ክትገብር ትኽእል ኢኻ። COA ብዛዕባ እዚ ኣኼባታትን ትምህርትን የዳሉው እዩ። እንተድኣ ተሳቲፍካ ድማ ድሮ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምሃር

ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከባ ብዙሓት ኣብያተ-መጻሕፍቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ንምምሃር ብነጻ ዕድላት ይህባ እየን። ቤተ-መጻሕፍቲ በዞም ዝስዕቡ ነገራት ክሕግዘካ ይኽእል፡  

  • መጽሓፍቲ፡ ብፍላይ ቋንቋ ኔዘርላንድ ንምምሃር ዝተዳለዉ መጻሕፍቲ ክትልቃሕ ትኽእል።  

  • ንጥፈታትን ጉጅለታት ቋንቋን፡ ብዙሓት ኣብያተ-መጻሕፍቲ ከም ናይ ቋንቋ ካፈታት ወይ ናይ ልምምድ ጉጅለታት ዝኣመሰሉ ነጻ ንጥፈታት የዳልዋ እየን፣ ኣብኡ ድማ ምስ ካልኦት ብሓባር ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትለማመድ ትኽእል።  

  • ዲጂታላዊ መሳለጥያ፡ ብናይ ቤተ-መጻሕፍቲ ካርድ ገይርካ መብዛሕትኡ ግዜ ነጻ ኤለክትሮኒካዊ-መጻሕፍትን ናይ ኢንተርነት መሳለጥያ ቋንቋን ክትረክብ ትኽእል።  

ብዛዕባ ዘለዉ ተኽእሎታት ኣብ ከባቢኻ ንዝርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ ሕተት።

 

ካብ ኔዘርላንዳዊ ወለንተኛ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምሃር 

ካብ ሓደ ኔዘርላንዳዊ ሰብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ፣ ቋንቋ ብዝምልከት ምስ ዝሕግዘካ ኔዘርላንዳዊ ሰብ ከራኽቡኻ ዝኽእሉ ውድባት እውን ኣለዉ። እዚ ናይ ቋንቋ ብጻይ ወይ ናይ ቋንቋ ወለንተኛ ይበሃል። እዞም ዝስዕቡ ውድባት ቋንቋ ንኽትመሃር ክሕግዘካ ምስ ዝኽእል ኔዘርላንዳዊ ሰብ ከራኽቡኻ ይኽእሉ እዮም፡   

  • Het Begint met Taal፡

    እዚ ውድብ እዚ ኣብ ከባቢኻ ናይ ቋንቋ ብጻይ ማለት ወለንተኛ ንኽትረክብ ይሕግዘካ። 

  • VluchtelingenWerk Nederland
    ናይ ቋንቋ ብጾት ኣለውዎ። ብኸመይ ናይ ቋንቋ ብጻይ ክትረክብ ከም እትኽእል ኣብ  VluchtelingenWerk ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ሕተት። 

  • ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማ ምሳኻ ብነጻ ክለማመዱ ዝደልዩ ናይ ቋንቋ ብጾት ኣለወን። ብኸመይ ምስ ናይ ቋንቋ ብጻይ ርክብ ክትገብር ከም እትኽእልን፣ ናይ ቋንቋ ካፈ ዘሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምምሕዳር ከተማኻ ሕተት።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር