ዓንቀጽ
መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን IND ውሳኔ ይህብ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 15/10/2024 3:06 ድ.ቀ.

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን IND ይውስን። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ረኺብካ እንታይ ከም ዝኸውን፣ ወይ ድማ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ትረክብ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትጸንሕ ድማ ይፍቀደልካ

እቲ መስርሕ ዶብ ከም ዘብቕዐን ናብ ኔዘርላንድ ንኽትኣቱው ከም ዝተፈቕደልካን ዝገልጽ ደብዳቤ (ብመንገዲ ጠበቓኻ) ካብ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ትቕበል። እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ድማ ምስ ጠበቓኻ ብምምይያጥ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክጸድቕ እዩ። ብድሕሪኡ (ንግዚኡ) ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። እቲ ውሳኔ ንዓኻ እንታይ ካልእ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ድማ ጠበቓኻ ክገልጸልካ እዩ። 

መጀመርታ ን5 ዓመት ዘገልግል ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትቅበል ኢኻ። ድሕሪ 5 ዓመት ድማ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ወይ ናይ ኔዘርላንድ ዜጋ ክትከውን ትኽእል።

IND ዝያዳ ግዜ ስለ ዘድልዮ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ነዊሕ ግዜ ይወስድ

IND ንመመልከቲኻ ብምቕጻል ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ከመስርሖ እዩ።

ብዛዕባ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣይትረክብን ወይ ብቕጽበት ኣይወሃበካን

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ክነጽጎ ውጥን ከምዘለዎ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ IND ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደብዳቤ 'ዝተሓስበ-ውሳኔ' ይበሃል። ኣብዚ ደብዳቤ ምኽንያታት ናይቲ ምንጻግን፣ እዚ ንዓኻ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን ተጠቒሱ ይርከብ። ነዚ ካብ IND ዝመጸ ደብዳቤ ድማ ምስ ጠበቓኻ ትመያየጠሉ። ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ፣ ጠበቓኻ ነዚ ናይ IND ደብዳቤ መልሲ ንኽህበሉ ናይ 1 መዓልቲ ግዜ ኣለዎ። እዚ ደብዳቤ ድማ 'ርእይቶ' ይበሃል።

IND ብመሰረት እቲ ርእይቶ እቲ 1ይ ውሳኔ ክስተኻኸል ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ። ድሕሪኡ IND ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክወስድ እዩ። እዚ ድማ 'beschikking' ማለት ውሳኔ ይበሃል። IND ሕጂ እውን ነቲ ዘመልክትካዮ ዑቕባ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር IND ድሕሪ እቲ ርእይቶ ነቲ ዘመልክትካዮ ዑቕባ ከጽድቖ እውን ይኽእል እዩ።

ዑቕባኻ ምስ ዝንጸግ ዘለዉኻ ኣማራጺታት እዚኦም እዮም

IND፣ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ መሰል የብልካን ኣብ ዝብል ርእይቶኡ ክጸንዕ ይኽእል። IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከም ዝነጸጎን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ከምዘለካን ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ IND (ብመንገዲ ጠበቓኻ) ክትቕበል ኢኻ። ኣብኡ IND ንምንታይ ከምዚ ከም ዝወሰነን፣ እዚ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን እውን ተገሊጹ ይርከብ። ምስቲ ምንጻግ ዘይትሰማማዕ እንተድኣ ኮይንካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል እውን። ብተወሳኺ ናብ መበቆል ሃገርካ ንምምላስ ኣየኖት ተኽእሎታት ከምዘለዉ እውን ኣብቲ ደብዳቤ ተገሊጹ ይርከብ። 

  1. ኣንጻር IND ይግባይ ምባል ምስ ጠበቓኻ ብምምይያጥ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት፣ ምስ ናይ IND ውሳኔ ዘይትሰማማዕ ምኻንካ ብወግዒ ናብ ዳኛ ትጠርዕ ማለት እዩ። ድሕሪ ጥርዓንካ እቲ ዳኛ IND ንዝመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ ዝወሰነሉ ግዜ ንሕጊ ኔዘርላንድ ብግቡእ ዝተኸተለ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ንውሳኔ ናይ ዳኛ ኣብ ኔዘርላንድ ኮይንካ ክትጽበይ ድማ ይፍቀደልካ እዩ።

    ንውሳኔ ናይ IND ይግባይ ምባል
    ብኸመይ ኣንጻር ውሳኔ ናይ IND ይግባይ ከም እትብል ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

  2. ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ እንተድኣ ነጺግዎ፣ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ፣ ከምኡ እውን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ።

    ብወለንታኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ
    ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ወለንታዊ ምምላስ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

  3. ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ምቕራብ ድሕሪ ምንጻግ ከም ብሓድሽ ዑቕባ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ዝከኣል ግን ሓደስቲ ሓቅታትን ኩነታትን ምስ እተቕርብ ጥራይ እዩ። ንኣብነት ኣብ መበቆል ሃገርካ ገለ ነገር ስለዝተቐየረ። ወይ ኣብ ውልቃዊ ኩነታትካ። ካብ ጠበቓኻ ወይ ኣብ

    VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
    ካብ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ምኽሪ ሕተት።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?