ናብ ኔዘርላንድ ዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ወደብ መስርሕ ዑቕባኦም ክጽበይሉ ዘለዎም ናይ Justitieel Complex Schiphol ቅድሚታዊ ትርኢት።
ምንጪ፡ Shutterstock, Stockfoto www.hollandfoto.net
ዓንቀጽ
ኣብ ስኺፖል ኣብ ዝካየድ መስርሕ ዑቕባ ምስ IND 1ይ ቃለ-መሕትት ክትገብር ኢኻ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 15/10/2024 3:20 ድ.ቀ.

እቲ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ዝርከብ ዕጹው መዕቆቢ ቦታ፣ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) እውን ዝሓዘ እዩ። ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባኻ ድማ ምስኦም ቃለ-መሕትታት ትገብር። ኣብቲ 1ይ ቃለ-መሕትት፣ IND ብዛዕባኻን ናብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ዝገበርካዮ በረራን ሕቶታት ይሓተካ። ከምኡ እውን IND ዝርዝር ሓበሬታታትካ ቅኑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይምርምር።

IND ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት ነዚ ይሓትት

ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ሓበሬታታትካ ቅኑዓት ምዃኖምን ዘይምዃኖም ይምርምር። IND ብዛዕባኻ፣ ብዛዕባ ናብ ኔዘላንድ ዝገበርካዮ ምህዳምን፣ ኣቃውማ ስድራ-ቤትካን ዝምልከቱ ሕቶታት ይሓትት። IND ኣብዚ 1ይ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ምኽንያታት ተወሳኺ ሕቶታት ኣይሓትትን እዩ። ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ እዚ ብዝርዝር ንኽትነግር ዕድል ክወሃበካ እዩ።

ኣብቲ ምስ IND ዝግበር ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ

ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ገለልተኛ እዩ፣ ኣብ IND ዝሰርሕ ኣይኮነን፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝውሰድ ውሳኔ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ የብሉን። ኣተርጎምቲ ኣዝዩ ስራሕ ስለ ዝጽዕቆም ካልእ ላህጃ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም ብቀጥታ ንገር። ምኽንያቱ እቲ ኣተርጓሚን ንስኻን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ ብሰንኪ ዘይምኽኣልኩም ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ ስለዝኾነ።

ንምድላው ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ

እዚ 1ይ ቃለ-መሕትት ብዘይ ጠበቓ በይንኻ ኢኻ ምስ IND እትገብሮ። 2ይ ቃለ-መሕትት ክትገብር ቁሩብ ግዜ ምስ ተረፈካ ጥራይ እዩ ጠበቓ ዝምደበልካ።

ኣብቲ ምስ IND እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ከምቲ ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት እትብሎ ክትነግር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ። ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብቕንዕና ንገር። ድሒርካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ፣ IND ኣብዚ ቃለ-መሕትት ድሮ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝነገርካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ።

ኣብ ኩሎም ምስ IND እትገብሮም ኣፋዊ ዝርርባት ምሳኻ መዘኻኸሪ ጽሑፋት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ኣገደስቲ ዕለታት ንምዝካር ናይ ግዜ መስመር ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ። ዕለት ኣይትፈልጦን ዲኻ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ንIND ብቕንዕና ንገር። ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ንታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ከተቕርብ ድማ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ሰነዳት ብኸምዚ ኢኻ ናብ IND እተረክብ
ኣብዚ ገጽ ኣየኖት ሰነዳት ናብ IND ከተረክብ ከም እትኽእል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ከም እተረክቦም ድማ።

ኣብ ዝሓጸረ መስርሕ እትኣቱው ክትከውን ትኽእል ኢኻ

IND ካብ

ውሕስቲ መበቆል ሃገር
ኢኻ መጺእካ ኢሉ ይሓስብ ድዩ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ዘይትረክብ ንኽትከውን ልዑል ዕድል ኣሎ። IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ብዝቐልጠፈ መስርሕ እዩ ከመስርሖ። ምስ IND 1 ቃለ-መሕትት ጥራይ ይህልወካ። ብድሕሪኡ IND ውሳኔ ይህብ። እዚ ድማ ዝቐልጠፈ መስርሕ ዑቕባ ይበሃል። 

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ብዝቐልጠፈ መስርሕ እዩ ዘመስርሖ
IND ካብ ውሑስ መበቆል ሃገር ዝመጻእካ ኢኻ ኢሉ ድዩ ዝሓስብ? ስለዚ እቲ ዝቐልጠፈ መስርሕ ዑቕባ ንዓኻ ይምልከት እዩ። ውሑስ መበቆል ሃገር እንታይ ማለት ምዃኑን፣ እቲ ዝቐልጠፈ መስርሕ እንታይ ከም ዘጠቓልልን ኣብዚ ገጽ ኣንብብ።

IND ኣቀዲምካ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ኣመልኪትካ ነይርካ ኢሉ ድዩ ዝሓስብ? ወይ ናይ ካልእ ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ኢሉ ድዩ ዝሓስብ? ስለዚ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ

መስርሕ ዱብሊን
እዩ ዘመስርሖ። ምስ IND 1 ቃለ-መሕትት ጥራይ ይህልወካ። ብድሕሪኡ ድማ IND ውሳኔ ይህብ። 

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ መስርሕ ዱብሊን እዩ ዘመስርሖ
ብዛዕባ መስርሕ-ዱብሊን ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ኣንብብ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?