ሓንቲ ሰበይቲ ውዕል ተንብብ
ምንጪ፡ Karolina Grabowska
ዓንቀጽ

IND ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ኣብ ምውሳን እንተድኣ ደንጒዩ ከምዚ ክትገብር ትኽእል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 18/2/2025 11:38 ድ.ቀ.

IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ ግዚኡ ውሳኔ ክወስድ ኣለዎ። IND ኣብ ግዚኡ እንተድኣ ዘይወሰነ፣ IND ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ንኽወስድ ብወግዒ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። እዚ "ምሃብ ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ" ይበሃል።

ሕጂ IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽውስን 15 ኣዋርሕ ግዜ ኣለዎ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽውስን ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ ኣለዎ። እንተኾነ ግን IND ኣብ ውሽጢ እቲ ገደብ-ግዜ ከምኡ ክገብር ካብ ዘይሰልጦ ገለ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። በዚ ምኽንያት መንግስቲ ኔዘርላንድ ንIND ተወሳኺ 9 ኣዋርሕ ክወሃቦ ወሲኑ ኣሎ። ስለዚ ሕጂ IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽውስን 15 ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል እዩ።  

ኣዝዩ ሳሕቲ IND ነዚ ገደብ-ግዜ 2 ግዜ ብ3 ኣዋርሕ ክናውሖ እውን ይኽእል እዩ። ኣብ ኣየኖት ኩነታት እዚ ከም ዝከኣልን ዘይከኣልን ግን ንጹር ኣይኮነን።

ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ምስ ፈረምካ፣ እቲ ናይ 15 ኣዋርሕ ገደብ-ግዜ ምቚጻር ይጅምር

እቲ ንIND ብወግዒ ዘለዎ 15 ኣዋርሕ ካብታ ኣብ

ክፍሊ ፖሊስ ወጻእተኛታት፣ ምልላይ መንነትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባትን (AVIM)
ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ዝፈረምካሉ መዓልቲ እዩ ዝጅምር። ሽዕኡ ዑቕባ ዘመልከትካሉ ዕለት ዝሓዘ ደብዳቤ ካብኦም ክትቕበል ኢኻ። መብዛሕትአን እተን 15 ኣዋርሕ፣ ምስ IND 2ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር
ኣብ ምጽባይ እየን ዝሓልፋ። እቲ ምስ IND ዝግበር 1ይ ቃለ-መሕትት መብዛሕትኡ ግዜ ዑቕባ ድሕሪ ምምልካትካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ እዩ ዝካየድ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ እቲ ምስ IND ዝግበር 1ይ ቃለ-መሕትትን 2ይ ቃለ-መሕትትን ልዕሊ ዓመት ግዜ ኣሎ። መስርሕ ዑቕባ በቲ ምስ IND ዝግበር 2ይ ቃለ-መሕትት ጥራይ እዩ ብወግዒ ዝጅምር።

ኣዝዩ ምስ ዝድንጒይ IND ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ንክህብ ብወግዒ ሕተቶ

IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ 15 ኣዋርሕ ክውስን ኣይከኣለን ድዩ? ስለዚ ምስ ጠበቓኻ ብሓባር ብምዃን ንIND ‘ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ’ ክትህብዎ ትኽእሉ ኢኹም ከምኡ ምስ ዝግበር፣ IND ነቲ ኣብ ውሽጢ 15 ኣዋርሕ ውሳኔ ንክህብ ዝጠልብ ሕጊ ከምዘየኽበረ ብወግዒ ተፍልጦ ኣለኻ ማለት እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ንክህብ ድማ ትሓትት። 

ነዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ትገብሮ፡  

  1. ጠበቓኻ ብዛዕባ እዚ ንኽድግፈካን፣ ከምኡ እውን >ነቲ ናይ IND ቅጥዒ ንኽመልኣልካን

    ሕተቶ። IND ንዝወሃቦ 'ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ' ዘመስርሖ ብፖስታ ወይ ብፋክስ ምስ ዝቕበሎ ጥራይ እዩ። ነቲ ዝተሓትመን ዝተመልአን ቅጥዒኻ ብምዝጉብ ፖስታ ናብዚ ዝስዕብ ለኣኮ፡  Immigratie- en Naturalisatiedienst   Postbus 14   9560 AA TER APEL  ወይ ናብ ቁጽሪ ፋክስ፡ 088 043 29 51 

2. ኩሎም ዓውድታት ከም ዝተመልኡ ኣረጋግጽ። መመልከቲኻ ምሉእ ኣይኮነን ድዩ? ስለዚ IND ንመመልከቲኻ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። ስለዚ ንIND ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ኣብ እትህበሉ እዋን መመልከቲኻ ምሉእ ምዃኑ ኣረጋግጽ። 

IND ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ እንተድኣ ወሲዱ እዚ ይኸውን  

IND ነቲ ዝሃብካዮ 'ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ' መልሲ እንተድኣ ሂቡን፣ ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ እንተድኣ ወሲኑን፣ ሽዕኡ እቲ መስርሕ ዑቕባ ተዛዚሙ ማለት እዩ። ውሳኔ ተዋሂቡካ ኣሎ። ሕቶ ዑቕባኻ ይጸድቕ ወይ ድማ ይንጸግ። ብዛዕባ ዝስዕቡ ስጉምቲታት ኣብዚ ኣንብብ፡ RefugeeHelp - IND ውሳኔ ይወስድ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ዲኻ ወይስ ኣይፋል?

 

IND ሕጂ እውን ውሳኔ ምስ ዘይህብ ናብ ቤት-ፍርዲ ክትከይድ ትኽእል 

IND ድሕሪ እቲ ዝሃብካዮ ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ፣ ሕጂ እውን ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ኣይሃበን ድዩ? ስለዚ ናብ ቤት-ፍርዲ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ 'ይግባይ' ይበሃል። ብዛዕባ እዚ እውን ካብ ጠበቓኻ ሓገዝ ሕተት። ብኸምዚ ዝስዕብ ይግባይ ትብል፡  

  1. ሕጋዊ መስርሕ ንምጅማር ምስ ጠበቓኻ ብሓባር ብምዃን ናይ ይግባይ ጽሑፍ ናብ ቤት-ፍርዲ ተቕርብ። ናይ ይግባይ ጽሑፍ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሕጋዊ መስርሕ እትጅምረሉ ሰነድ እዩ። 

  2. ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ጠበቓኻ ናብ ቤት-ፍርዲ ክትመጽእ ኣለካ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ከምኡ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ግዜ ዳኛ ንኸምዚኦም ዓይነት ጉዳያት ሰነዳት ብምርኣይ ጥራይ እዩ ዝውስን። እቲ ቤት-ፍርዲ፣ IND ንኹሎም ናይቲ ጉዳይ ሰነዳት ንኽሰድድን፣ ከምኡ እውን ንምንታይ ገና ውሳኔ ከምዘይሃበ ንኽገልጽን ይሓቶ። ስለዚ ናብ ቤት-ፍርዲ ክትከይድ ኣየድልየካን እዩ። ናብ ቤት-ፍርዲ ክትከይድ ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ብዛዕባ እዚ ካብ ቤት-ፍርዲ ደብዳቤ ክመጽኣካ እዩ። 

ዳኛ ናይ ይግባይ ጽሑፍካ ድሕሪ ምቕባሉ ካብ 8 ሳምንታት ኣብ ዘይሓልፍ እዋን ውሳኔ ክህብ እዩ። ዳኛ ተወሳኺ ግዜ እንተድኣ ኣድልይዎ፣ እቲ ዳኛ ብዛዕባ እዚ ክሕብረካ እዩ። እቲ ብይን ድማ ናብ ኣድራሻኻ ክለኣኸልካ እዩ። 

ቤት-ፍርዲ ንስኻ ቅኑዕ ምህላውካ ምስ ዝውስን ከምዚ ይኸውን

ቤት-ፍርዲ ንስኻ ቅኑዕ ምህላውካ ምስ ዝውስን፣ IND ብዛዕባ መመልከቲኻ ብቕልጡፍ ውሳኔ ክህብ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ቤት-ፍርዲ ንIND ነዚ ዝኸውን ተወሳኺ ግዜ ይህቦ እዩ። IND ኣብዚ ገደብ-ግዜ እንተድኣ ዘይወሰነ፣ ዳኛ ኣብ ልዕሊ IND መቕጻዕቲ ክብይን ይኽእል እዩ። ብኸምዚ ድማ IND ቀልጢፉ ውሳኔ ንክህብ ከገድዶ ዳኛ ተስፋ ይገብር።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር