ኣብ ሳጹን ፖስታ ዝተቐመጠ ደብዳቤ
ዓንቀጽ

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ሰነዳትካ ናብ IND ምርካብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:27 ቅ.ቀ.

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ፣ ናይ ህድማ ታሪኽካ ንምርግጋጽ ሰነዳት ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ተረክብ። ኣየኖት ሰነዳት ከተረክብ ከምዘለካን ብኸመይ ከም እትሰዶምን ኣንብብ።

እዚኦም ሰነዳት ተረክብ

ነቲ ናይ ምህዳም ታሪኽካ ብመርትዖታት ከተረጋግጽ ምኽኣል

ንኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እዋን እቲ መስርሕ ዑቕባ፣ ንመንነትካን ናይ ህድማ ታሪኽካን ዘረጋግጹ ሰነዳት ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ኣክብ። እዚኦም ከም ፓስፖርትኻ ወይ ካልኦት ናይ መንነት ሰነዳትካ ዝኣመሰሉ እዮም። 

እንተኾነ ግን ንኣብነት ናይ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ኣባልነት ካርድታት፣ ናይ ቤተ-ክርስቲያንካ ሰነዳት ወይ ኣብ ልዕሌኻ ዘጋጠመ ዓመጽ ዝገልጽ መርትዖታት (ጥርዓናት ፖሊስ፣ ውሳኔታት ቤት-ፍርዲ) እውን ኣብ ግምት ኣእቱው። ወይ ድማ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ (ፖለቲካዊ) ኣኼባ ተረኺብካ ምንባርካ ዘረጋግጽ መርትዖ። ንኩነታት ናይቲ ኣባሉ ዝኾንካ ጉጅለ ውሑዳን ብዝምልከት ዝትንትን ኣብ ጋዜጣ ዝወጸ መልእኽቲ እውን ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካ እዚ እዞም ሰነዳት ፎቶታት ወይ ኤሌክትሮኒካዊ ሰነዳት እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

IND ነቶም ሰነዳት ሓቅነቶም ምእንቲ ክምርምሩዎም ንኸተረክቦም ክሓቱኻ እዮም። መቦቆላዊ ማለት ኦርጅናል ሰነዳት ምስ ዝህልወካ፣ IND ነቶም መበቆላዊ ሰነዳት ክትሰደሎም ይሓቱኻ። እዚኦም ዘይብልካ እንተድኣ ኮይንካ ድማ ቅዳሕ ወይ ስእሊ ናይቶም ሰነዳት ከተረክብ ትኽእል ኢኻ። ናይ ሰነዳት ቅዳሓት ብግቡእ ክምርመሩ ኣይክእሉን እዮም። IND ንመበቆላዊ ሰነዳት እዩ ብዝበለጸ ክምርምሮም ዝኽእል፣ ንኣብነት ነቲ ዓይነት ወረቐት፣ ሜላ ሕትመት፣ ዓይነት ቀለምን ማሕተምን። IND ከም ማይክሮስኮፕ ዝኣመሰሉ ነዚ ዝኾኑ ፍሉያት ማሽናት ኣለዎ።

ናይቶም እትልእኮም ሰነዳት ቅዳሕ ግበር

ቅድሚ መበቆላዊ ማለት ኦርጅናል ሰነዳትካ ናብ IND ምልኣኽካ፣ ናይ ሰነዳትካ ቅዳሕ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። በዚ መንገዲ ድማ መበቆላዊ ሰነዳትካ ንመርመራ ምስ IND ኣብ ዝህልውሉ እዋን፣ ኣብቶም መበቆላዊ ሰነዳት ዝርከብ ሓበሬታ ምሳኻ ይህልወካ።

ኣገደስቲ ሰነዳት ንIND ምርካብ ቚሩብ ወጥሪ ዝፈጥር ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ብመሰረት IND፣ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ብግቡእ ንኽምስራሕ ምእንቲ ነዞም ሰነዳት ከተረክብ ኣድላዪ እዩ። ብሓቂ ሰነድ ከተረክብ ኣይትደልይን ወይ ኣይትደፍርን ዲኻ? ስለዚ እንታይ እንተገበርካ ከምዝሓይሽ ምስ ጠበቓኻ ተመያየጥ።

ሰነዳትካ ናብ IND ንኸተረክብ ዘኽእሉኻ ሰለስተ ኣገባባት ኣለዉ

ሰነዳትካ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከተረክብ ትኽእል ኢኻ፡

  1. ኣብ እዋን ምዝገባ ኣብ

    ፖሊስ
    ፣ ሓደ ሰራሕተኛ ሰነዳትካ ክሓተካ እዩ። እቲ ሰራሕተኛ ሽዕኡ መንነትካ ዘረጋግጹ፣ ወይ ከም ፓስፖርትኻ ዝኣመሰሉ ሃገራዊ ዶባት ክትሰግር ዘኽእሉኻ ሰነዳት ጥራይ እዩ ዝሓተካ። ኣብ እዋን እቲ ዝርርብ ድማ ሰነዳትካ ነቲ ሰራሕተኛ ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። ሰነዳትካ ከም ዘረከብካ ድማ ብቐጥታ ብወረቐት መርትዖ ክትቕበል ኢኻ። 

  2. ኣብ እዋን ናይ ምዝገባ ቃለ-መሕትት ንመንነትካ ዝምልከቱ ወይ ከም ፓስፖርት ዝኣመሰሉ ሃገራዊ ዶባት ክትሰግር ዘኽእሉኻ ሰነዳት ከተረክብ ትኽእል ኢኻ። ሰነዳትካ ከም ዘረከብካ ድማ ብቐጥታ ብወረቐት መርትዖ ክትቕበል ኢኻ።

  3. ቅድሚ ምስ IND እትገብሮ ካልኣይ ቃለ-መሕትት እውን ሰነዳት ናብ IND ክትሰድድ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ድማ ብምዝጉብ ፖስታ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ጠበቓኻ እውን ነዚ ክገብረልካ ይኽእል እዩ።

ሰነዳትካ ናብ IND ለኣኮም

ነቶም ሰነዳት ብፖስታ ናብ IND ክትልእኮም ትኽእል ኢኻ። ጠበቓኻ ድማ ብዛዕባ እዚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትልእኮ ኣለካ፡ 

T.a.v IND Scanstraat, Postbus 18, 9560 AA Ter Apel. 

ነዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ሓበሬታኻ ድማ ምስ ሰነዳትካ ለኣኮም፡ 

  • ስምካ

  • ናትካ

    V-nummer 

  • ምስቲ እትሰዶ ሰነድ፣ ሓጺር መብርሂ ብቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ ወይ ጀርመን

  • ብመንገዲ

    ቃለ-ማሕላ ዝፈጸመ ተርጓሚ
    ዝተገብረ ናይ ቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ ወይ ጀርመን ትርጉም ናይቲ ሰነድ

  • ተፈሊጡ እንተድኣ ኮይኑ፣ ዕለት ናይቲ ምስ IND ዝግበር 2ይ ቃለ-መሕትት

ነቶም ሰነዳት ብመንገዲ ምዝጉብ ፖስታ ናብ IND ትልእኮም። እዚ ማለት እቶም ሰነዳት ምስ በጽሖም ካብ IND መልእኽቲ ትቕበል ማለት እዩ። ጠበቓኻ እውን ነቶም ሰነዳት ክሰደልካ ይኽእል እዩ። ናይ መልኣኺ ወጻኢታት ድማ ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ።

ሰነዳት ኣብ እተረክበሉ እዋን ነዚ ከተቕልበሉ ኣለካ

ብሓጺሩ ሰነዳትካ ከተረክብ እንከለኻ ከተቕልበሎም ዘለካ ሰለስተ ነገራት ኣለዉ፡ 

  • ናይ መበቆላዊ ሰነዳትካ ቅዳሕ ወይ ስእሊ ግበር፣ ነዚ ድማ ኣብ ውሑስ ኣቐምጦ።

  • ሰነዳትካ ከተረክብ እንከለኻ ኩሉ ግዜ ናይ ወረቐት መረጋገጺ ቅብሊት ሕተት። ነዚ ድማ ኣብ ውሑስ ኣቐምጦ። 

  • ሰነዳት ብፖስታ እንተድኣ ኮይንካ ትልእኾም፣ ነዚ ብመንገዲ ምዝጉብ ፖስታ ግበሮ። ዋላ እኳ ገንዘብ ዝሓትት እንተኾነ። ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብዚ ዓንቀጽ ዝተገልጸ ድማ ምስኡ ዝርዝር ሓበሬታኻ ከም እትልእኽ ኣረጋግጽ።

IND ድሕሪ መርመራ ሰነዳትካ ክመልሰልካ እዩ

IND ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ውሳኔ ምስ ወስዱ ነቶም ሰነዳት ክመልሱልካ እዮም። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ምስ ተቐበልካ ወይ ድማ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ተነጺጉ ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ እንተድኣ ትግደድ ኮይንካ ሰነዳትካ ክምለሰልካ እዩ። ወይ ድማ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንምስሓብ ሕቶ ድሕሪ ምቕራቡ ይምለሰልካ። እቲ ውሳኔ ኣወንታዊ ምስ ዝኸውን ሰነዳትካ ካብ ሰደቓ ናይ IND እንደገና ክትቅበሎ ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ክትወስድ ኣብ እትኸደሉ እዋን እውን ይምለሰልካ እዩ። ኣሉታዊ ውሳኔ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ድማ

ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM)
ወይ
ኣገልግሎት ምምላስን ምውጻእን (DT&V)
ሰነዳትካ ክመልሰልካ እዩ።

IND ንሰነዳትካ እንተድኣ ዘይመለሰልካ ወይ ምስ ዘጥፍኦ እዚ ክትገብር ትኽእል

IND ንሰነዳትካ እንተድኣ ዘይመለሰልካ ወይ ምስ ዘጥፍኦ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ወግዓዊ ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብመንገዲ ናይ ኔዘርላንድ ቅጥዒ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ጥራይ እዩ ዝከኣል። ጠበቓኻ ወይ ኣብ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ናብ IND ጥርዓን ንኸተቕርብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ሰነዳትካ ምስ ዘይምለሰልካ ናብ ቤት-ፍርዲ ክትከይድ እውን ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ካብ ጠበቓኻ ምኽሪ ሕተት።  

ቅዳሓትን መረጋገጺ ቅብሊትን ናይ ሰነዳትካ ክትሕዝ ኣገዳሲ እዩ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ኩሉ ግዜ ሰነዳትካ እንታይ ከም ዝመስሉ ከተርእይን፣ ከምኡ እውን ከም ዘረከብካዮም ከተረጋግጽን ትኽእል። IND ንሰነዳትካ ምስ ዘጥፍኦም እዚ ንመስርሕ ዑቕባኻ ክጸልዎ የብሉን። እቲ መስርሕ ድማ ከምቲ ልሙድ ይቕጽል።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር