ወለዲ ምስ ንእሽቶይ ወዶም ብሓባር ይስሕቑ
ዓንቀጽ

ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክትፈልጦ ዘለካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 17/2/2025 3:30 ድ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ ልዑል ዕድል ምስ ዝህልወካ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ድሮ ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ።

መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ

ገና ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ምስ እትኸውን፣ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዘጽድቖ ጥራይ ኢኻ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እትኽእል። ሽዕኡ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትፈልጥ ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ቅድሚ ምጽዳቑ ነዊሕ ግዜ ይወስድ እዩ። ስለዚ ሽዕኡ ክሳብ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ ዝግበር ነዊሕ ክትጽበይ ኣለካ። ስለዚ ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኸተመልክት ክሳብ እትኽእል ነዊሕ ግዜ ክትጽበ ኣለካ።

ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ እንተድኣ ጸዲቑ፣ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ፣ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ናብ IND ከተረክብ ኣለካ።

ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምድላው

ናይ ዑቕባ ፍቓድ ንምርካብ ልዑል ዕድል ካብ ዘለዋ ሃገር ዲኻ መጺእካ? ምናልባት ንእተመልክቶ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ድሮ ቅድመ-ምድላዋት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ነቲ መመልከቲ ዘድልዩኻ ሰነዳት ክትእክብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ሰነዳት ምእካብ ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ። ንኣብነት እቶም ሰነዳት ካብ መበቆል ሃገርካ ክለኣኹ ዘለዎም ምስ ዝኾኑ።

ናይ ዑቕባ ፍቓድ ናይ ምርካብን፣ ስለዚ ድማ ብሰንኩ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኸተመልክትን ልዑል ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣይትፈልጥን ዲኻ? ስለዚ ኣብ VluchtelingenWerk Nederland ምስ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ርክብ ግበር። እቲ ኣማኻሪኻ ብዛዕባ እዚ ክመኽረካ ይኽእል እዩ።

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ዳግም ክትጥርነፍ ትደልይ ዲኻ? ከምኡ እንተኾይኑ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጹ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ይበሃል። ኣብዚ ገጽ እዚ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብኸመይ ከም ዝካየድ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሰነዳትካ ከየተርጎምካ ተጸበይ

ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት እትእክቦም ወግዓዊ ሰነዳት ክትርጎሙ ኣለዎም። ነቶም ሰነዳት ንምትርጓም ድማ ገንዘብ ይሓትት እዩ። ነቲ ትርጉም ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ። ስለዚ ድማ ክሳብ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዝህልወካ፣ ሰነዳት ምትርጎም ምጽባይ ዝበለጸ እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር