ኣብ መዕቆቢ ቦታ ኣንስቲ ምስ ቆልዑት ኣብ ደገ
ዓንቀጽ

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዘለዉኻ መሰላትን ግዴታታትን እዚኦም እዮም

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 10/12/2024 3:24 ድ.ቀ.

ኣብ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መዕቆቢ ቦታ ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ኢኻ ትነብር። ነፍስወከፍ መዕቆቢ ቦታን መሳለጥያታቱን ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ መዕቆቢ መሰላት፣ ግዴታታትን ሕግታት ገዛን ኣለዉኻ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

እዚኦም ኣብ መዕቆቢ ዘለዉኻ መሰላት እዮም

ኣብ ነፍስወከፍ መዕቆቢ ናይ

COA
፣ ናይዚ ዝስዕብ መሰል ኣለካ፡

  • መደቀሲ ዓራት

  • መግቢ፣ ወይ ባዕልኻ መግቢ ንኽትገዝእ ገንዘብ

  • ንኽዳውንትን ፍርያት ክንክንን ዝኸውን ገንዘብ

  • ሕክምናዊ ክንክንን ካሕሳ ወጻኢታት ሕክምናን

  • ሓገዝን ምርሒትን

  • ካሕሳ ፍሉይ ወጻኢታት፣ ወጻኢታት መጓዓዝያ ዝኣመሰለ

  • ትምህርቲ ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት

  • ብዛዕባ መናብርትኻ፣ እቲ መቐበሊ ወይ ሰራሕተኛታት ናይ COA ጥርዓን ምቕራብ

እዚኦም ኣብ መዕቆቢ ዝርከቡ መሳለጥያታትን ንጥፈታትን እዮም

  • መግቢ ኣብ መዕቆቢ፡ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ መብዛሕትኡ ግዜ ባዕልኻ ኣይትኽሽንን ኢኻ። COA እዩ መግቢ ዝህበካ። ኣብ ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት (AZC) ግን መብዛሕትኡ ግዜ ባዕልኻ ኢኻ ትኽሽን፣ ንመግዝኢ መግቢ ዝኸውን ገንዘብ ድማ ትቕበል።

  • ሕጽቦ ኣብ መዕቆቢ፡ ነፍስወከፍ መዕቆቢ ቦታ ክዳውንትኻ እትሓጽበሉን እተንቅጸሉን ናይ ሕጽቦ ክፍሊ ኣለዎ። እቲ ናይ ሕጽቦ ክፍሊ ኣብ ዝተወሰኑ ግዜታት እዩ ዝኽፈት፣ እዚ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ መዕቆቢ ይፈላለይ እዩ።

  • ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ ወለንታዊ ስራሕ ኣብ መዕቆቢ፡ ኣብ ገሊኦም መዕቆቢ ቦታታት ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትከታተል ወይ ወለንታዊ ስራሕ ትሰርሕ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ቆልዑት ኣብ ስፖርት፣ ጸወታታት፣ ስነ-ጥበብን ሙዚቃን ይሳተፉ። ነፍስወከፍ መዕቆቢ ሓደ ዓይነት ንጥፈታት ኣየቕርብን እዩ። ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ሒደት ንጥፈታት እዮም ዘለዉ።

እዚኦም ኣብ መዕቆቢ ዘለዉኻ ግዴታታት እዮም

ኣብ መዕቆቢ ኣብ እትጸንሓሉ እዋን ነዚ ዝስዕብ ክትገብር ኣለካ፡

  • ናይ ኔዘርላንድ ሕጊ ተኽብር

  • ሕግታት ገዛ ናይ መዕቆቢ ተኽብር (ነዚኦም ስዒብካ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብቦም ኢኻ)

  • ሰራሕተኛታት ናይ COA ቚጽጽር ንኽገብሩ ናብ ክፍልኻ ንኽኣትዉ ትፈቅድ

  • ኣብ ሰሙን እንተወሓደ 1 ግዜ ናብ COA ትሕብር (COA ነዚ ኣብ ኣየናይ ቦታን ሰዓትን ክትገብሮ ከም ዘለካ ክነግረካ እዩ። እዚ ናይ ምሕባር ግዴታ ይበሃል)

  • መምርሒታት ናይ COA ሰራሕተኛታት ትኽተል

  • ዝተለቃሕካዮም ኣቑሑት ኣብ እትለቀሉ ግዜ ብዘይ ጉድኣት ትመልስ። ዝጎደሉ ወይ ዝተሰብሩ ኣቑሑት ምስ ዝህልዉ፣ COA ካብ ሰሙናዊ ኣበልካ ገንዘብ ክቖርጽ ይኽእል እዩ

  • ኣብ ፋይናንሳዊ ኩነታትካ ዝህሉው ለውጢ ናብ COA ትሕብር

መግለጺ ክትፍርም ኣለካ

ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ክትቅመጥ ቅድሚ ምጅማርካ፣ ናይ መሰላትን ግዴታታትን መግለጺ ትፍርም። በዚ ድማ ንሕግታት ናይቲ መዕቆቢ ከም እተኽብር ቃል ትኣቱው።

MyCOA

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ COA ብዛዕባ መቐበሊ ቦታኻ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ኣብ መዕቆቢ ከተኽብሮም ዘለካ ሕግታት ገዛ ኣለዉ

COA ንነፍስወከፍ መዕቆቢ ሕግታት ገዛ ኣለዎ። ሕግታት ገዛ፣ ደስ ዝብልን ውሑስን ናይ መነባብሮ ሃዋህው ከም ዝህሉው የረጋግጹ። ብዛዕባ ናብራ፣ (ናይ ባርዕ) ድሕነትን፣ ሓላፍነትካ ኣየኖት ምዃኖምን ዝምልከቱ ድማ እዮም።

ንሕግታት ገዛ ወይ ግዴታታትካ ኣይተኽብርን ዲኻ? ስለዚ COA ነዚ ዝስዕብ ክገብር ይኽእል፡

  • ውሑድ ሰሙናዊ ኣበል ክህበካ ይኽእል

  • ዝያዳ ጽኑዕ ሕግታት ናብ ዘለዎ መዕቆቢ ከሰጋግረካ ይኽእል (ከቢድ ጥሕሰት እንተጋጢሙ)

  • ናይ ኔዘርላንድ ሕጊ እንተድኣ ጥሒስካ፣ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከቕርብ ይኽእል

ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ ክትክተሎም ዘለካ ናይ COA ሕግታት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

እዚኦም ብዛዕባ ብሓባር ምንባርን ውሕስነት ኣብ መዕቆቢን ዝምልከቱ ሕግታት ገዛ እዮም

እዚኦም ብዛዕባ ኣብ መዕቆቢ ምንባር ዝምልከቱ ሕግታት ገዛ እዮም

እዚኦም ብዛዕባ ድሕነት ባርዕ ኣብ መዕቆቢ ዝምልከቱ ሕግታት ገዛ እዮም

እዚኦም ብዛዕባ ተሓታትነት ኣብ መዕቆቢ ዝምልከቱ ሕግታት ገዛ እዮም


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር