ሓንቲ ሰበይቲ ደብዳቤ ተንብብ።
ምንጪ፡ Shutterstock / Fizkes
ዜና

IND ምናልባት ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ደብዳቤ ክሰደልካ ይኽእል እዩ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 19/7/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣመልኪትካ ኣለኻ ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ገና ውሳኔ ኣይወሰደን ድዩ? ስለዚ ምናልባት ኣብ ቀረባ እዋን ካብ IND ደብዳቤ ክመጽኣካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ደብዳቤ ብዛዕባ ናይ ምጽባይ ግዜን፣ ስዒቡ መመልከቲኻ እንታይ ከም ዝኸውንን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ IND ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣሎ

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝምልከት ዘሎ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣዝዩ ነዊሕ እዩ። ሕጂ

IND
ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኽውስን ብማእከላይ ገምጋም ካብ 20 ክሳብ 24 ኣዋርሕ እዩ ዝወስድ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ IND ምስ ብዝሒ መመልከቲታት ስለዝዛሕተለ እዩ።

IND ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ነዊሕ ​​ናይ ምጽባይ ግዜ ንኽሕብረካ ደብዳቤ ክሰደልካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ደብዳቤ ድማ ብዛዕባ ኩነት መመልከቲኻን እንታይ ክትጽበይ ከም እትኽእልን መብርሂ ክትረክብ ኢኻ። ኣስተውዕል፡ እዚ ደብዳቤ ምቕባል ማለት መመልከቲኻ ድሮ ይምስራሕ ኣሎ ማለት ኣይኮነን።

መመልከቲኻ ተራኡ ምስ በጽሐ ካብ IND ሓድሽ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። IND ገና ተወሳኺ ሓበሬታ ዘድልዮ ምዃኑን ዘይምዃኑን፣ ዝስዕቡ ስጉምትታት ድማ እንታይ ምዃኖም ኣብዚ ደብዳቤ ተጠቒሱ ይርከብ።

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክሳብ ክንድዚ ግዜ ይወስድ

ኣብዚ እዋን እዚ IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኽውስን ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሓበሬታ ብዛዕባ መመልከቲኻ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

መመልከቲኻ ቅድሚ ምምስርሑ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ተወከስ። ኣብኡ IND መመልከቲኻ ንኸመስርሖ ትጽቢት ዝገብረሉ ወርሒ ብዝምልከት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ድማ ኣብቲ መመልከቲኻ ዘቕረብካሉ ዕለት ዝተመርኮሰ እዩ።

IND መዓስ እዩ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲየይ ዝግምግሞ?

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND፣ IND ንዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መዓስ ንኸመስርሖ ክጅምር ትጽቢት ከም ዝገብር ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ንIND ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ምሃብ፣ IND ንመመልከቲኻ ቀልጢፉ ከም ዘመስርሖ ዘረጋግጽ ኣይኮነን

IND ንዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ ምምስራሕ ኣዝዩ ግዜ እንተድኣ ወሲዱ፣ ንIND "ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ" ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ንIND ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ንኽህብ ብወግዒ ትሓትቶ ማለት እዩ። ከም ንቡር ኣሰራርሓ ብድሕሪኡ IND መመልከቲኻ ኣብ ምምስራሕ ብዝቐልጠፈ ክነጥፍ ኣለዎ። እዚ እንተድኣ ዘይተገብረ ምናልባት ናብ ቤት-ፍርዲ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

እንተኾነ ግን ኣብዚ እዋን ንIND ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ምስ እትህቦ IND መመልከቲታት ኣየመስርሕን እዩ። ዋላ ቤት-ፍርዲ ምሳኻ ዝሰማማዕ እውን እንተኾነ። ሕጂ IND መመልከቲታት ብዝቐረብሉ ተራ መስርዕ እዩ ዘመስርሖም። ስለዚ መጀመርታ እቶም ዝነውሐ ግዜ ክጽበዩ ዝጸንሑ መመልከቲታት እዮም ዝግምገሙ። ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ምሃብ ወይ ናብ ቤት-ፍርዲ ምኻድ ነዚ ተራ መስርዕ ኣይቅይሮን እዩ።

ነዊሕ ​​ብምጽባይካ ምናልባት ከም ካሕሳ ገንዘብ ትረክብ ትኽእል ትኸውን ኢኻ፣ እዚ ግን መመልከቲኻ ብቕልጡፍ ከም ዝምስራሕ ዘረጋግጽ ኣይኮነን። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ንIND ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ክትህቦ ትደልይ ዲኻ? መመልከቲኻ ምሉእ ምስ ዝኸውን ጥራይ ከምኡ ግበር። ኣብ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ድማ ምኽሪ ክህበካ ይኽእል እዩ።

IND ውሳኔ ኣብ ምሃብ ኣዝዩ ምስ ዝድንጒይ ከምዚ ክትገብር ትኽእል

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ብዛዕባ መመልከቲኻ ኣብ እዋኑ ውሳኔ ክወስድ ኣለዎ። እዚ እንተድኣ ዘይገበረ፣ IND ሕጂ እውን ገና ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ንኽወስድ ብወግዒ ክትሓት ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ከምኡ ከም እትገብር ኣብዚ ገጽ ኣንብብ።

መመልከቲኻ ምሉእ ምዃኑ ኣረጋግጽ

IND ንመመልከቲኻ ከመስርሖ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን መመልከቲኻ ምሉእ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ምሉእ መመልከቲ ዝያዳ ብዝቐልጠፈ እዩ ዝምስራሕ። እንተዘይኮይኑ IND ተወሰኽቲ ሰነዳት ካባኻ ንኽሓትት ክግደድ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ተወሳኺ ግዜ ክወስድ እዩ። ስለዚ ኩሉ ሰነዳትን ቅጥዕታትን ኣብ ግዚኡ ኣረክብ።

ኣብነት ናይቲ IND ብዛዕባ መመልከቲታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝልእኾ ደብዳቤ፡

ናይ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ኣብነት ደብዳቤ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር