ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት ‘Pride’ ክትጽምብል ትኽእል ኢኻ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ዝግበር። ኣብ ኣምስተርዳም ናይ ፕራይድ ሰሙን ቀዳም 27 ሓምለ ብ ‘Pride March’ ክጅምር እዩ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ቀዳም 3 ነሓሰ ድማ ፕራይድ በቲ ህቡብ 'Canal Parade' ይዛዘም።
ምንጪ፡ Shutterstock / 8H
ዜና
ኣብ ኣምስተርዳም 'Queer & Pride' ጸምብል
ዝተሓትመሉ ኣብ: 18/7/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት 'Pride' ክትጽምብል ትኽእል ኢኻ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ዝግበር። ኣብ ኣምስተርዳም ናይ ፕራይድ ሰሙን ቀዳም 27 ሓምለ ብ 'Pride March' ክጅምር እዩ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ቀዳም 3 ነሓሰ ድማ ፕራይድ በቲ ህቡብ 'Canal Parade' ይዛዘም።

መን ብምዃንካ ምሕባን

'Pride' ማለት ሓበን ማለት እዩ።

LHBTQIA+ ሰባት
ህላወኦም ንዘርእዩላ መዓልቲ ወይ ሰሙን ዝውክል ስም እውን እዩ። መን ምዃኖም ከም ዘሐብኖም እውን። ጾታዊ ምርጫኻ እንታይ ምዃኑ ወይ ግዳማዊ ትርኢትካ እንታይ ይመስል ኣገዳስነት የብሉን፡ እዚ እዩ ድማ ኣብ እዋን 'Pride' ዝጽምበል።

'Pride' ከም ተቓውሞ እኳ እንተጀመረ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን ዝያዳ ጽምብል እናኾነ መጺኡ። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ንLHBTQIA+ ሰባት ማዕረ መሰል ከም ዝህልዎም ንምግባር ዝግበር ቃልሲ ገና ኣይተዛዘመን። ብዙሓት LHBTQIA+ ሰባት ክሳብ ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድ ሓዊስካ ኣድልዎን ጎነጽን የጋጥሞም እዩ።

ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ግብረሰዶማዊ ምዃን ገና ዘይሕጋዊ እዩ፣ እዚ ድማ ንብዙሓት ኣብኡ ዝርከቡ LHBTQIA+ ሰባት ኣዝዩ ሓደገኛ ይገብሮ፣ ከምኡ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ክሃድሙ ይፍትኑ። ስለዚ ድማ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ዘይምዕሩይነት ኣብ እዋን 'Pride' ኣቓልቦ ከም ዝረክብ ይግበር።

ኣብ ኣምስተርዳም 'Queer & Pride' ይበሃል

ንማዕረ መሰላት ናብ ዝግበር ቃልሲ ተወሳኺ ኣቓልቦ ንምስሓብ ውድብ 'Queer Amsterdam' ተመስሪቱ። ካብ 2023 ጀሚሩ ድማ 'Queer Amsterdam' ከምኡ እውን 'Stichting Pride Amsterdam' ብሓባር 'Queer & Pride Amsterdam' የዳልዉ ኣለዉ። ካብ 3 ሓምለ ክሳብ 4 ነሓሰ 'Queer Amsterdam' ይካየድ። ካብ 27 ሓምለ ክሳብ 4 ነሓሰ ድማ ናይ 'Pride' ግዜ እውን እዩ።

ኣብ እዋን 'Queer & Pride' ኣብ ኣምስተርዳም ብዙሕ ክትርእዮን ክትገብሮን እትኽእል ነገራት ኣሎ 

ን2 ሳምንታት ናብ ጽምብላት፣ ምርኢታት፣ ትልሂታት፣ ናይ ዘተ ምሸታት፣ ፊልምታትን ዓውደ-መጽናዕትታትን ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ናይ ካልኦት በጻሕቲ ዛንታታት ክትሰምዕን ናይ ባዕልኻ ዛንታ ከተካፍልን ድማ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት፣ ሰላማዊ ሰልፍታትን ሓባራዊ ጒዕዞታትን እውን ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እውን ብርግጽ ምስ ብዙሓት (ካልኦት) LHBTQIA+ ሰባት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ነፍስወከፍ መዓልቲ ሰፊሕ መደብ ኣሎ።

ቀዳም 27 ሓምለ 2ይ ሰሙን፡ 'Pride Amsterdam' ይጅምር። ኣብታ መዓልቲ ብከተማ ኣብ ዝግበር ዓቢይ ሰልፊ ክትጽንበር ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ቮንደልፓርክ -Vondelpark- ትጽምብል፣ ትበልዕን፣ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ትገብርን።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን እቲ 'Pride' ብ 'Canal Parade' ክዛዘም እዩ። እዚ ዓቢይን ሕብራዊን ዝኾነ ናይ ጀላቡ ሰልፊ ዓመታዊ ልዕሊ 300,000 በጻሕቲ ይስሕብ። ካብ ወጻኢ ሃገራት እውን ከይተረፈ ብዙሓት ሰባት ነዚ ክዕዘቡ ይመጽኡ። ኣብ ሰዓትካ ከም እትመጽእ ኣረጋግጽ፣ እንተዘይኮይኑ ቦታ ኣይርከብን እዩ። ኩሉ ሰብ ኣብ ድልድላት ወይ ኣብ ጎኒ መትረባት ኣብ ድሕሪ ነንሓድሕድ ደው ብምባል ድማ ይምልከት። ረጒድ መስርዕ። ከተድንቀን እትኽእል 80 ጀላቡ ብእኡ ይጎዓዛ። ኩሉ ሰብ ድማ ምስ ነንሓድሕድ ይስዕስዕ፣ ይጽምብል፣ ይደርፍን ኣእዳው ንሰላምታ የወዛወዝን። ኣብ ጀላቡ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ወሰናስን እውን።

'Pride' ካብ ተቓውሞ እዩ ተፈጢሩ 

ናይ መጀመርታ 'Gay Pride' ኣብ 1970 ኣብ ኒውዮርክ እዩ ተኻይዱ። እዚ ተቓውሞ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ፖሊስ መወዳእታ ንዘይብሉ ግዜ ብተደጋጋሚ ካብ ዝዘናግዕሉ ባር ክሰጒዎም ምስ ደለዩ፣ ግብረሰዶማውያን ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ትራንስቨስታይትን ተቓውሞ ገይሮም። ድሕሪ ናይ ዓመታት ምግፋዕን ጎነጽን ድማ LHBTQIA+ ሰባት ተቓውሞ ገይሮም ። እቲ ናዕብታትን ተቓውሞታትን ን6 መዓልታት ቀጺሉ። እዚ ድማ ናይቲ LHBTQIA+ ሰባት ማዕረ መሰል ንክረኽቡ ዝግበር ቃልሲ መፈለምታ ነይሩ።

ብዙሓት ከተማታት ኔዘርላንድ 'Pride' ይጽምብላ እየን

ግድን ኣብ ኣምስተርዳም 'Pride' ክትጽምብል ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኔዘርላንድ ናብ 'Pride' ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ Utrecht፣ Nijmegen፣ Groningen፣ Zwolle፣ Alkmaar፣ Leiden፣ Tilburg ከምኡ እውን Maastricht። ኩሎም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝካየዱ ኣይኮኑን። ኣብ ገሊአን ከተማታት ድማ 'Pride' ድሮሓሊፉ እዩ።

ኣብ ኣምስተርዳም በጻሕቲ ኣንጻር ዓሌትነት ደው ዝብልሉ 'Black Pride' እውን ኣሎ። እዚ ተበግሶ ዝጀመረ ብዙሓት ትካላት ንኹሉ ሓቖፍቲ ክኾና ዝደልያ ክነሰን ኣንጻር ዓሌትነት ብንጹር ስለዘይዛረባ እዩ። እዚ ድማ፣ ምንቅስቓስ 'Pride' ሳላ ኣብ 1960ታት ዝነበረ ምንቅስቓስ ጸረ-ዓሌትነትን፣ ጸለምቲ ዝመበቆሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ተቓውሞታት LHBTQIA+ ሳላ ዘበርከትዎ ኣገዳሲ ተራ ዝተጋህደ ኮይኑ እናሃለወ እዩ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?