ማሕበራዊ ክራይ-ኣባይቲ
ምንጪ፡ Shutterstock / I Wei Huang
ዜና

ክራይ ገዛኻ ብሰንኪ ዓመታዊ ዝግበር ወሰኽ ክራይ ምናልባት ክውስኽ ይኽእል እዩ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 19/6/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ኣካረይቲ እንደገና ዋጋ ክራይ ክውስኽሉ ዝፍቀደሎም ግዜ ዳርጋ ቀሪቡ ኣሎ። ስለዚ ድማ ክራይ ገዛኻ እውን ካብ 1 ሓምለ 2024 ጀሚሩ ምናልባት ዝውስኽ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ወሰኽ ክራይ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ ብዛዕብኡ ገለ ክትገብሮ እትኽእል እንተሎን ኣብዚ ኣንብብ።

ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ፣

ኮርፖረሽናት ኣባይትን
ካልኦት ኣካረይቲን ነፍስወከፍ ዓመት ናይ ዘካርይዎም ኣባይቲ ዋጋ ክውስኽሉ ይፍቀደሎም እዩ።

ነዚ ብዝምልከት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣካራዪኻ ደብዳቤ ትቕበል ኢኻ። ኣካረይቲ ማሕበራዊ ኣባይቲ ብዛዕባ እዚ እንተወሓደ ቅድሚ 2 ኣዋርሕ ብደብዳቤ ከፍልጡ ኣለዎም። ኣካረይቲ

ናይ ብሕቲ ጽላት ኣባይቲ
ብጽሑፍ ከዘኻኽሩኻ ኣይግደዱን እዮም፣ እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ከምኡ ይገብሩ እዮም።

ኣካራዪኻ ነቲ ናይ ወሰኽ ዝለዓለ-ገደብ ዝምልከት ሕግታት ከኽብር ኣለዎ

ሓደ ኣካራዪ ነቲ ክራይ ገዛ ከም ዝደለዮ ኣዝዩ ልዑል ክገብሮ ኣይፍቀደሉን እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝተገብሩ ሕጋዊ ስምምዓት ድማ ኣለዉ። ሓደ ኣካራዪ ከከም ዓይነት ገዛን ዋጋ ክራይን፣ ነቲ ዝፍቀድ ናይ ወሰኽ ዝለዓለ-ገደብ ኣብ ግምት ከእቱው ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ ኣባይቲ፣ ኣብ ውልቃዊ ጽላት ካብ ዝካረዩ ኣባይቲ ዝተፈልየ ሕግታት ተፈጻምነት ኣለዎ። ብተወሳኺ ምሉእ ገዛ ክትካረይ እንከለኻ፣ ካብቲ ሓንቲ ክፍሊ ጥራይ ክትካረይ እንከለኻ ተፈጻምነት ዘለዎ ሕግታት ዝተፈልየ እዩ።

ሃገራዊ መንግስቲ፡ ኣብ 2024 ዝለዓለ-ገደብ ወሰኽ ክራይ ክንደይ እዩ?
ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ንነፍስ​​ወከፍ ዓይነት ዝካረይ ቤት ዝፍቀድ ዝለዓለ-ገደብ ወሰኽ ክራይ ክንደይ ምዃኑ ክትርእይ ትኽእል ኢኻ።
ኣካራዪ ናይ ገዛኻ ክሓቶ ዝኽእል ዝለዓለ-ገደብ ዋጋ ክራይ ኣሎ

ንገዛኻ ክትከፍሎ ዘለካ ዝለዓለ-ገደብ ዋጋ ክራይ ብሕጊ ተቐሚጡ ኣሎ። እዚ ዝለዓለ-ገደብ ዋጋ ክራይ ክንደይ ምዃኑ ድማ በዚ ናይ

ኮሚሽን ክራይ
መቖጻጸሪ ክራይ "Huurprijscheck" ክትቅምሮ ትኽእል ኢኻ።

 እቲ መቖጻጸሪ ክራይ "Huurprijscheck"፣ ከም ስፍሓት መሬትን ኩነት ጽገናን ንዝኣመሰሉ መለለይታትን መሳለጥያታትን ናይ ገዛኻ ብመሰረት ነጥብታት ይግምግም። እዞም ነጥብታት ድማ እቲ ዋጋ ክራይ ክሳብ ክንደይ ልዑል ክኸውን ከም ዝኽእል ይውስኑ።

ምቚጽጻር ክራይ "Huurprijscheck" ግበር
ናይ ኮሚሽን ክራይ መቖጻጸሪ ክራይ "Huurprijscheck" ተጠቂምካ ዝለዓለ-ገደብ ዋጋ ክራይ ገዛኻ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።
ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ 

ኣካራዪ ንሕግታት ወሰኽ ክራይ ምስ ዘየኽብር ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ኣንጻር እቲ ወሰኽ ብኸመይ ተቓውሞ ከተቕርብ ከም እትኽእል መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ብዛዕባ ወሰኽ ክራይካ ዝገልጽ ደብዳቤ ተጠቒሱ ይርከብ።

ብመሰረት ሕጊ፣ ብዝኾነ ናይ ቀደም ክራይ ገዛኻ ምኽፋል ክትቅጽል ኣለካ። እንተዘይኮይኑ ከም ተኻራያይ ዘለካ መሰል ትስእን ስለዝኾንካ። ክራይ ምስ ዘይትኸፍል፣ እቲ ኣካራዪ ዝኸፍአ ከጋጥም ዝኽእል ውዕልካ ንምስራዝ መስርሕ ክጅምር ይኽእል እዩ።   ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ብኸመይ ተቓውሞ ከም እተቕርብ ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ፡

ብደብዳቤ ተቓውሞ ምቕራብ
ብዘይ ደብዳቤ ተቓውሞ ምቕራብ
ካብ ኮሚሽን ክራይ ብነጻ ደገፍ ርኸብ
ምስቲ ዓመታዊ ወሰኽ ክራይ ዘይተሰማማዕ ምስ እትኸውን ኮሚሽን ክራይ ብነጻ ምኽሪ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?