ኣብዚኦም ሞያታት ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ዝለዓለ እዩ
ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ትደልይ ኣለኻ ዲኻ? ኣብ ገሊኦም ሞያታት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብዙሓት ሰባት የድልዩ እዮም። ስለዚ ድማ ብዝቐልጠፈ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለካ። ኣብዚ ዓንቀጽ፣ ብዛዕባ ተስፋ ዘለዎም ሞያታት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ ልዑል ናይ ስራሕ ዕድል ዘለዎም ሞያታት
'W-document' ዘለዎም ሰባት ብብዝሒ ስራሕ ይረኽቡ
ገና ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዲኻ ዘለኻ፣ ግን ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ድሮ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ጸኒሕካ ዲኻ? ስለዚ ንስኻ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ካብ ሕዳር 2023 ጀሚሩ ኣብ ዓመት ልዕሊ 24 ሳምንታት ክትሰርሕ እውን ይፍቀደልካ እዩ። በዚ ድማ ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ንኽትረክብ ዝቀለለ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 3 ዕጽፊ
እዚኦም ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዑል ጠለብ ዘለዎም ጉጅለታት ሞያን ስራሓትን እዮም
ኣብ 2024 ተስፋ ዘለዎም ሞያታት ተወሲኾም ኣለዉ። ኣብ
ኣማኸርቲ መገሻ
መምህራን ብቕዓት ኣካላት
ሰራሕቲ ጫማ
ኣብ
መምህራን ማሕበራዊ ዓውዲታት-ትምህርቲ፣ ከም ማሕበራዊ መጽናዕትን ጂኦግራፊን ዝኣመሰሉ
ጠበቓታት
ክኢላታት ሃይድሮሎጂን ኣማኸርቲ ምሕደራ ማይን
እዚኦም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ጠለብ ዘለዎም ጽላታትን ስራሓትን እዮም
ብመሰረት UWV ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ዝርከቡ ጽላታት ልዑል ጠለብ ሰራሕተኛታት ኣሎ፣ እዚ ማለት ድማ ቀልጢፍካ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለካ ማለት እዩ። ናይ ግድን ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትዛረብ ዘየድየካ ስራሓት እውን ኣለዉ፣ ከም ICT ዝኣመሰሉ። ብመሰረት UWV ኣብዚ ሕጂ እዋንን ንመጻኢን ልዑል ጠለብ ዘለዎም ጽላታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
ክንክን (ንኣብነት፡ ኣለይቲ ሕሙማት)
ትምህርቲ (ንኣብነት፡ መምህር)
ተክኒክ (ንኣብነት፡ መካኒክ)
ICT (ንኣብነት፡ ኣማዕባሊ ሶፍትዌር)
መጓዓዝያን ሎጂስቲክስን (ንኣብነት፡ መራሒ መኪና)
ብዙሓት ካብዞም ስራሓት ድሮ ንነዊሕ እዋን ተስፋ ዘለዎም ኮይኖም ዝቕጽሉ ዘለዉ እዮም። ኣብ ኔዘርላንድ ካብ ስራሕ ዝደልዩ ሰባት ንላዕሊ ስራሕ ኣሎ። እዚ ማለት ብዙሓት ስራሓት ኣለዉ ማለት እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ነዚኦም ተስፋ ዘለዎም ሞያታት ዝኾነ ፍሉይ ስልጠና ኣየድልየካን እዩ
ብዘይ ፍሉይ ስልጠና ክትጅምሮም እትኽእል ስራሓት እውን ኣለዉ። ንኣብነት፡
ተቖጻጻሪ ትራፊክ
ተሓጋጋዚ ክሽነ
ሰራሕተኛ እንግዶት
ሰራሕተኛ ድኳን መሸጣ መድሃኒት
ሰራሕተኛ ርክብ ዓማዊል
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ስራሕካ ነዚ ዝኸውን ስልጠና ወይ መደብ ሌላ-ስራሕ ትረክብ ኢኻ። ወይ ሓደ ሓደ ግዜ ብመንገዲ ስራሕካ ዝተወሰኑ ምስክር ወረቐት ክትረክብ ትኽእል።