ገዛ እናተጸበኻ እንከለኻ ንግዚኡ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ኣብ መዕቆቢ ኮይንካ ድማ ገዛ ንምርካብ ትጽበይ ኣለኻ ዲኻ? ስለዚ ንግዚኡ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ዑቕባ ፍቓድ ዘለካን ናይ ባዕልኻ ገዛ ንምርካብ ትጽበይ ዘለኻን ምስ እትኸውን፣ ንግዚኡ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ብፈተውቲ፣ ቤተሰብ ወይ እውን ቤቶም ናይ ዑቕባ ፍቓድ መንበሪ ንዘለዎም ሰባት ርሑው ብዝገበሩ ዘይትፈልጦም ሰባት ዝቖመ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ከም ንቡር ኣሰራርሓ እቲ ምቕናይ ን3 ኣዋርሕ ዝጸንሕ እዩ። ድሕሪ እተን 3 ኣዋርሕ ገና ገዛ እንተድኣ ዘይረኸብካን፣ ንስኻን እቲ ዘአንግደካ ስድራ-ቤትን ነቲ ናይ ምቕናይ ግዜ ከተናውሕዎ እንተድኣ ደሊኹምን ግን እቲ ናይ ምቕናይ ግዜ ክናዋሕ ይኽእል እዩ።
ምቕናይ ኣብ ልዕሊ እቲ ገዛ ንምርካብ እትጽበዮ ግዜ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ናይ
እቲ ደንቢ ግዝያዊ ምቕናይ ኣብቲ ገዛ ንምርካብ እትጽበዮ ግዜ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን። ምምሕዳር ከተማ ሕጂ እውን ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ንዓኻ ዝኸውን ገዛ ምህላዉ ከረጋግጽ ኣለዎ።
ንምቕናይ ዝምልከቱ ቅድመ-ኩነታት እዚኦም እዮም
ንደንቢ ግዝያዊ ምቕናይ ንምጥቃም ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡
ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እዩ።
ኣለካ።ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)እቲ እትቕንየሉ ግዝያዊ መቐነዪ ኣድራሻ ኣብ ዝርከበሉ ምምሕዳር ከተማ ንኽትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።
ምስ COA ዝርርብ ገይርካ ዝነበርካን፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ንኽትቕበል ትጽበይ ዘለኻን ኢኻ።
ጽዑቕ ሕክምናዊ ፍወሳታት ኣየድልየካን እዩ።
ኣብቲ እትቕንየሉ ምምሕዳር ከተማ ሓፈሻዊ ሓኪም ረኺብካ ኣለኻ፣ ወይ ድማ ምስ ሓፈሻዊ ሓኪም ናይቲ ዘአንግድካ ስድራ-ቤት ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።
ቋንቋ እንግሊዝ ወይ ቁሩብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትዛረብ ኢኻ።
ቆልዑት ንግዚኡ ንምቕናይ ምሳኻ ዝኸዱ ምስ ዝኾኑ፣ ግዴታዊ ትምህርቶም ኣብ ሓደጋ ክወድቕ የብሉን። ስለዚ እቲ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ኣብ ከባቢ ቤት-ትምህርቶም ክኸውን ኣለዎ።
ኣብ ኔዘርላንድ ጉዳይካ ንምስላጥ ውልቃዊ ቁጽሪ (BSN) ብኸምዚ ኢኻ እትረክብ
ኣብ እዋን ምቕናይካ እዚኦም መሰላት ኣለዉኻ
ኣብ እዋን ምቕናይካ ናይ COA መሳለጥያታት ክትረክብ መሰል ኣለካ። ኣብቲ መዕቆቢ ዓራት ናይ ምርካብ መሰልካ ጥራይ እዩ ኣብቲ ናይ ምቕናይ ግዜ ደው ዝብል። እዚ ማለት ድማ እዚ ዝስዕብ ማለት እዩ፡
ካብ COA ናይ መነባብሮ ኣበልን ናይ መግቢ ኣበልን ትረክብ።
ኣብ ሰሙን €75 ተወሳኺ ኣበል ትረክብ (ዕድሜኻ 21 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝኸውን)። ብዙሓት ሰባት ንዘለዉዋ ስድራ፣ እቲ ንምቕናይ ምሳኻ ዝኸይድ 2ይ ኣባል ስድራ €25 ይረክብ። እቶም ካልኦት ኣባላት ስድራ ድማ ኣብ ሰሙን €12.50 ዝረኽቡ ኮይኖም፣ እቲ ንመላእ ስድራ ዝወሃብ ዝለዓለ ገደብ €125 እዩ።
ናይ ሕክምናዊ ክንክንካ ካሕሳ ካብ COA ምቕባል ክትቕጽል ኢኻ። ኣብ ትሕቲ
ኢኻ እትምደብ። ብተወሳኺ ናብ ሓኪምካ ወይ ሆስፒታል ንምኻድ ናይ መጎዓዝያ ካሕሳ ንምርካብ መሰል ኣለካ። ነዚ ካብ COA ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።ደንቢ ሕክምናዊ ክንክን ንሓተትቲ ዑቕባ (RMA)
ንምቕናይ ንምኻድ ነዚ ከተዋድድ ኣለካ
ምስ ኣዕሩኽትኻ፣ ቤተሰብካ ወይ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ንግዚኡ ክትቕንይ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ COA ምስ ዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ ርክብ ግበር ወይ ናብ ሰደቓ- ሓበሬታ ኪድ። COA እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ክገልጸልካን፣ ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንምግምጋምን ዝርርብ ከካይድ እዩ።
ምስ ዘይትፈልጦ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ንግዚኡ ክትቕንይ እንተድኣ ኮይንካ፣ Stichting Takecarebnb ምስ ሓደ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ከጋጥመካ እዩ። ብድሕሪኡ መጀመርታ ንሓደ ቀዳመ-ሰንበት ንፈተነ ኣብኡ ክትሓድር ኢኻ። እንተፈቲኻዮ ድማ ብሓቂ ኣብኡ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ እዋን ምቕናይካ ምስ Takecarebnb ርክብ ምግባር እውን ክትቕጽል ኢኻ። ኣብ መወዳእታኡ ምስቲ ዘአንግደካ ስድራ-ቤት ኣይፈተኻዮን ዲኻ? ስለዚ Takecarebnb ምናልባት ካልእ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክረኽበልካ ይኽእል ይኸውን እዩ።
ንስኻን ዘአንግደካ ስድራ-ቤትን ውዕል ትፍርሙ
ምስቶም ዘአንግዱኻ ሰባት ብሓባር ናይ ግዝያዊ ምቕናይ ውዕል ትፍርም። ብዛዕባ እዚ ምቕናይካ ኣብቶም ዘአንግዱኻ ሰባት ክህልዎ ዝኽእል ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት ዝገልጽ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ምቕናይካ ንዓኣቶም ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ኣብ መጠን ናይቲ ዝረኽብዎ ጥቕሚ ማሕበራዊ ደገፍ ወይ ኣበል ናይቶም ዘአንግዱኻ ስድራ-ቤት።
ውዕል ድሕሪ ምፍራምካ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ኣብ ምምሕዳር ከተማ ናይቲ ንግዚኡ እንቕንየሉ ኣድራሻ ክትምዝገብ ኣለካ። ኣብ
ነቲ ምቕናይ ከተናውሕዎ ትኽእሉ ኢኹም
ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ገና ናይ ባዕልኻ ገዛ ኣይረኸብካን ዲኻ? ስለዚ ምስቶም ዘአንግዱኻ ስድራ-ቤት ንነዊሕ እዋን ክትጸንሕ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንCOA ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ከምኡ ክትገብሩ ኣይትደልዩን ዲኹም? ስለዚ ኣብ COA ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ዳግማይ ቦታ ክወሃበካ እዩ። እዚ ምናልባት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርካሉ ቦታ ኣብ ዝተፈልየ ቦታ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ እዋን ምቕናይካ ካብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ተዋሂቡካ ድዩ? ስለዚ እቲ ደንቢ ግዝያዊ ምቕናይ ደው ይብል።