ምምሕዳር ከተማ ክትቅይር እንተድኣ ደሊኻ ክትፈልጦ ዘለካ
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ምምሕዳር ከተማ ክትቅይር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ እዚ ዝከኣል ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብ ኩነትካ እዩ ዝምርኮስ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይከኣልን እዩ፣ ኣብ ገሊኡ ኩነታት ግን ምምሕዳር ከተማ ክትቅይር ትኽእል ኢኻ።
ምምሕዳር ከተማ ንምቕያር ዝምልከት ሕግታት ኣብ ኩነትካ እዩ ዝምርኮስ
ብኸመይ ምምሕዳር ከተማ ክትቅይር ከም እትኽእል ኣብ ኩነትካ እዩ ዝምርኮስ። ንነፍስወከፍ ኩነት ዘለዉ ተኽእሎታት ኣብዚ ታሕቲ ክትረክብ ኢኻ፡
1. ገና ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ትነብር ዘለኻን፣ ገና ምስ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ዘይተጋጠምካን ኢኻ
መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብካ፣
ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ምምሕዳር ከተማ ክትነብር እትደልየሉ ምኽንያት፣ ኣብኡ ጥራይ ዝርከብ ትምህርቲ ስለ እትከታተል እዩ።
ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ምምሕዳር ከተማ እንተወሓደ ን6 ኣዋርሕ ስራሕ ኣለካ፣ ኣብ ሰሙን ድማ እንተወሓደ 20 ሰዓታት ትሰርሕ ኢኻ።
ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ምምሕዳር ከተማ ብዝርከብ ፍሉይ ሓኪም ጥራይ ክወሃብ ዝኽእል ሕክምናዊ ክንክን የድልየካ እዩ።
ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ቀጥታዊ ስድራ-ቤት (ወለዲ፣ ሓው፣ ሓፍቲ) ኣለካ፣ ከምኡ እውን ኣብ ቀረባኦም ክትነብር ትደልይ ኢኻ።
COA ነዚኦም ምኽንያታት ኣብ ግምት ዘእትዎም ብጽሑፍ መርትዖ ከተርእይ ምስ እትኽእል ጥራይ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሰሙን እንተወሓደ 20 ሰዓታት ከም እትሰርሕ ዝገልጽ ናይ ስራሕ ውዕል። ወይ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ጥራይ ዝርከብ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምዘድልየካ ዝገልጽ ካብ ሓኪም ዝተጻሕፈ ደብዳቤ።
2. ገና ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ትነብር ዘለኻን፣ ድሮ ምስ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ዝተጋጠምካን ኢኻ፣ ኩነትካ ግን ተቀይሩ እዩ
ገዛ ትጽበየሉ ኣብ ዘለኻ እዋን ኩነታትካ ተቐይሩ ድዩ? ንኣብነት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ስለዝመጽኡ ሕጂ ዝዓበየ ገዛ የድልየካ ድዩ? ወይ ኣብ ሞንግኡ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ምምሕዳር ከተማ ስራሕ ረኺብካ ዲኻ?
ኩነትካ ብሰንኪ ምቕያሩ ሕጂ ን1 ካብቶም ኣብ ኩነት 1 ዝተገልጹ ቅድመ-ኩነታት ተማልእ እንተድኣ ኮይንካ፣ ምምሕዳር ከተማ ንኽትቅይር ክትፍትን ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ COA ርክብ ግበር።
3. ድሮ ኣብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ተቐቢልካ ኣለኻ፣ እንተኾነ ግን ክትግዕዝ ደሊኻ
ድሮ መንበሪ ፍቓድን ገዛን ዘለካ ምስ እትኸውን ናብ ካልእ ምምሕዳር ከተማ ምግዓዝ ይከኣል እዩ። ስለዚ ባዕልኻ ካልእ ዝካረይ ወይ ዝጭየጥ ገዛ ክትደልይ ኣለካ። COA ኣብዚ ኣይሕግዘካን እዩ።
ዝያዳ ሕሱር ዝኾነ ማሕበራዊ ክራይ ገዛ፣ ኣብ ብሕታዊ ጽላት ዝካረይ ክራይ ገዛ፣ ወይ ዝሽየጥ ገዛ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ካልእ ሰብ ገዛ ክትለዋወጥ እውን ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ ባዕልኻ ገዛ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ ብመንጽር ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ብዝሒ ሰብ ዘሎ ኣባይቲ ኣዝዩ ውሑድ ስለዝኾነ እዩ። እካ ደኣ ኣብ ገሊአን ምምሕዳር ከተማታት ማሕበራዊ ክራይ ገዛ ንምርካብ ዘሎ ናይ ምጽባይ ግዜ ልዕሊ 13 ዓመት እዩ። ስለዚ ካልእ ገዛ ቅድሚ ምርካብካ፣ ነቲ ካብ ምምሕዳር ከተማ ዝተቐበልካዮ ገዛ ዝምልከት ውዕል ክራይ ፈጺምካ ኣይትሰርዞ።