ምንጪ፡ Cottonbro Studio
ዓንቀጽ

ገዛኻ ኣቑሑት ንኸተዋድደሉ ምናልባት ገንዘብ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 20/10/2024 2:48 ድ.ቀ.

ገዛ ኣቑሑት ንኸተዋድደሉ ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዝሓትት። ስለዚ ድማ 1ይ ገዛኻ ኣቑሑት ንኸተዋድደሉ ምእንቲ ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማ ልቓሕ ይህባ እየን። ብዛዕባ እዚ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ሕሱራት ኣቑሑት ንምርካብ ድማ ምኽርታት ክትረክብ ኢኻ፣ ድኳናት ግብረ-ሰናይን ናይ ኢንተርነት ዕዳጋታትን ዝኣመሰሉ።

ንገዛኻ ክንደይ ከተውጽኣሉ ከም ዘለካ ኣብ ዝተኻረኻዮ ዓይነት ገዛ እዩ ዝምርኮስ

ገዛ ኣብ እትካረየሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ቃልጥ ወይ ዝለበሰ ገዛ ኢኻ ትረክብ። እቲ ፍልልይ እንሆ፡

  • ቃልጥ ገዛ፡ እዚ ኣቑሑት ገዛ፣ ሽፋን ባይታ ወይ ስልማት ዘይብሉ ገዛ እዩ። እቶም መናድቕ መብዛሕትኡ ግዜ ቀለም ዘይተለኽዩ እዮም። ነቲ ገዛ ባዕልኻ ከተወቅቦን፣ ከም በዓል ሶፋታት፣ ጠረጴዛታትን ዓራውቲን ዝኣመሰሉ ኩሎም ነገራት ከተዋድደሉን ኣለካ።

  • ዝለበሰ ገዛ፡ እዚ ገዛ መብዛሕትኡ ግዜ ድሮ ከም ላሚናት ወይ ምንጻፍ ዝኣመሰለ ሽፋን ባይታ ኣለዎ። ኮይኑ ግን ገና ኣቑሑት ገዛን ካልኦት ንብረታትን ባዕልኻ ክትውስኸሉ ኣለካ።

ክንደይ ወጻኢታት ክትገብር ከምዘለካ ክትውጥን ምእንቲ፣ እንታይ ዓይነት ገዛ ከም እትረክብ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ገዛኻ ኣቑሑት ንኸተዋድደሉ ምናልባት ገንዘብ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ

ገዛ ምውዳድ ብዙሕ ገንዘብ ዝሓትት ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ 1ይ ገዛኻ ኣቑሑት ንኸተዋድደሉ ምእንቲ ካብ መብዛሕትአን ምምሕዳራት ከተማ ልቓሕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ናይ ኣቑሑት ገዛ ልቓሕ ይበሃል። እዚ ልቓሕ እዚ፣ ዓበይቲ ኣቑሑት ገዛን ካልኦት ኣገደስቲ ንብረታትን ንኽትገዝእ ይሕግዘካ። ናይ ኣቑሑት ገዛ ልቓሕ መጠን ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ይፈላለይ እዩ።

ናይ ኣቑሑት ገዛ ልቓሕ መብዛሕትኡ ግዜ ልቓሕ እዩ፣ እዚ ማለት ነቲ ዝተለቃሕካዮ ገንዘብ ኣብ መወዳእታኡ ንምምሕዳር ከተማ ክትመልሰሉ ኣለካ ማለት እዩ። ኣብ ገሊአን ምምሕዳራት ከተማ፣ ኣብ ኩነትካ ዝምርኮስ ነቲ ገንዘብ ክትመልስ ዘይትግደደሎም ኣማራጺታት ኣለዉ። እቶም ኣማራጺታት ኣየኖት ምዃኖምን፣ ብኸመይ ከተመልክት ከም እትኽእልን ንምሕታት፣ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ምምሕዳር ከተማኻ ርክብ ግበር።

ኣብ ድኳናት ግብረ-ሰናይ ሕሱራት ካልኣይ-ኢድ ኣቑሑት ገዛ ይሽየጡ

ንገዛኻ ዝኾኑ ዓበይቲ ኣቑሑት ገዛን ካልእ ንብረትን ብውሑድ ገንዘብ ካብ ድኳናት ግብረ-ሰናይ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። እዚኣተን ሰባት ዝለገሱዎም ካልኣይ-ኢድ ንብረት ዝሽየጠለን ድኳናት እየን። ኣብኣተን መብዛሕትኡ ግዜ ሶፋታት፣ ወናብር፣ ጠረጴዛታት፣ ከብሒታትን ስልማት ገዛን ክትረክብ ትኽእል። ዋግኡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ካልኦት ድኳናት ንላዕሊ ኣዝዩ ዝሓሰረ እዩ፣ እዚ ድማ ንገዛኻ ብዙሕ ገንዘብ ከየውጻእካ ኣቑሑት ንኽትገብረሉ ጽቡቕ ኣማራጺ ይገብሮ።

ብተወሳኺ ድኳናት ግብረ-ሰናይ ዘለቕቲ ማለት ንኣከባቢ ጠቐምቲ እየን። ካልኣይ-ኢድ ኣቑሑት ገዛ ብምግዛእ፣ ብኽነት ጥረ-ነገራት ንምንካይ ክትሕግዝ ትኽእል። ብዙሓት ድኳናት ግብረ-ሰናይ፣ ንማሕበራት ግብረ-ሰናይ ይድግፋን፣ ከምኡ እውን ስራሕ ኣብ ምርካብ ንዝጽገሙ ሰባት ስራሕ የቕርባን እየን።

AlleKringloopwinkels.nl
ነቶም ኣብ መላእ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ድኳናት መሸጣ ካልኣይ-ኢድ ንብረት ዘርእይ ካርታ ተመልከት
ብነጻ ዝወሃቡ ኣቑሑት ክትደልይ እውን ትኽእል ኢኻ

ብነጻ ኣቑሑት ክትረኽበሎም እትኽእል ኣማራጺታት እውን ኣለዉ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ 'Marktplaats' ክትርእይ ትኽእል ኢኻ፣ ኣብኡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብነጻ ናይ ዝልግስዎም መወዓውዒታት ይልጥፉ እዮም። ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ናይ ፌስቡክ ጉጅለታት እውን ኣቑሑት ንምርካብ ጠቐምቲ እዮም።

ካልእ ኣማራጺ ድማ ኣብ RefugeeHelp ዝርከብ 'ዝተሓተቱን ዝቐረቡን ኣቚሑት' ዝብል ገጽ እዩ። ኣብዚ ሰባት ናይ ስደተኛ ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ሰባት ዝልግስዎም ኣቑሑት ብነጻ የቕርቡ። ኣብኡ ነቲ ሓድሽ ገዛኻ ገንዘብ ከይከፈልካ ንኸተዋድዶ ምእንቲ ክጥቀመሎም እትኽእል፣ ከም ኣቑሑት ገዛን ዘቤታዊ ነገራትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ንብረታት ክትረክብ ኢኻ።

ዕዳጋ
'ዝተሓተቱን ዝቐረቡን ኣቚሑት' ኣብ ዝብል ገጽ፣ ኣቑሑት ገዛ፣ ዘቤታዊ ነገራትን ካልኦት ንብረታትን ብነጻ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?