ሓደ ሶርያዊ ወዲ ኣንጻር ስርዓት በሽር ኣል ኣሳድ ኣብ ዘካየዶ ሰላማዊ ሰልፊ ብኢዱ ምልክት ሰላም ይገብር።
ምንጪ፡ Pexels / Ahmed Akacha
ዜና

ኔዘርላንድ ንግዚኡ ካብ ሶርያውያን ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ኣይክትውስንን እያ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 18/12/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ድሕሪ ውድቀት ፕረዚደንት ነበር በሽር ኣል ኣሳድ፣ ኔዘርላንድ ካብ ሶርያውያን ብዛዕባ ዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ንግዚኡ ውሳኔ ኣይክትህብን እያ። እዚ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ወይ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ኣብ ዝቕጽሉ 6 ኣዋርሕ ንዝበዝሑ ካብ ሶርያ ብዝመጹኡ ሰባት ዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ብዝምልከት ዝኾነ ውሳኔ ኣይክህብን እዩ። መንግስቲ ኔዘርላንድ፣ እታ ሃገር ካብ ስርዓት ኣሳድ ንዝሃደሙ ሰባት ገና ውሕስቲ ኣይኮነትን ኢልካ ንምግምጋም ኩነታት ሶርያ ኣዝዩ ዘይርጒጽ ኮይኑ ረኺብዎ ኣሎ።

እዚ ውሳኔ እንተበዝሐ ን6 ኣዋርሕ ክናዋሕ ይኽእል እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ድማ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ብዛዕባ ኣብ ሶርያ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ይምርምር ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ኔዘርላንድ ናይ ከም በዓል ጀርመንን በልጅዩምን ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብነት እያ ተኸቲላ ትርከብ።

ኔዘርላንድ ንግዚኡ ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ውሳኔ ኣይክትህብን እያ፣ ናብ ሶርያ ድማ ኣይክትምለስን ኢኻ

ካብ ሶርያ ዲኻ መጺእካ፣ ውሳኔ ንምርካብ ድማ ካብ 21 ኣዋርሕ ንታሕቲ ዲኻ ክትጽበይ ጸኒሕካ? ስለዚ IND መመልከቲኻ ንግዚኡ ደው ከብሎ እዩ። ዘመልከትካዮ ዑቕባ ድሒሩ (ዳግማይ) ክምርመር እዩ። መስርሕካ ንግዚኡ ደው ክሳብ ዝበለ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።

ብዝኾነ ኔዘርላንድ ብሰንኪ እቲ ዘይንጹር ኩነታት ጸጥታ፣ ንግዚኡ ካብ ሶርያ ንዝመጽኡ ሰባት ኣይክትመልስን እያ። ብተወሳኺ ኔዘርላንድ ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ሶርያ ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና የብላን፣ እዚ ድማ ሰባት ንምምላስ ኣድላዪ እዩ።

ዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣቐዲሙ እንተድኣ ተነጺጉ፣ እንደገና መዕቆቢ ክትረክብን ዑቕባ ከተመልክትን ትኽእል

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣቐዲሙ ነጺግዎ እንተድኣ ነይሩን፣ ደጊም ናይ መዕቆቢ መሰል ዘይብልካ እንተድኣ ነይርካን፣ ሕጂ መዕቆቢ ንምርካብ ዳግማይ ናብ ተር ኣፐል ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ዋላ ኣብዚ እዋን ኣብ መስርሕ ዝርከብ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዘይብልካ ምስ እትኸውን እውን ዳግማይ መዕቆቢ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ኔዘርላንድ ንዝቕጽሉ 6 ኣዋርሕ ካብ ሶርያ ንዝመጽኡ ሰባት ክትመልስ ስለዘይፍቀደላ እዩ።

ብተወሳኺ ብሰንኪ ኣብ ሶርያ ዝተቐየረ ኩነታት ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ከተቕርብ እውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምግባሩ ድማ ንመስርሕካ ጽቡቕ እዩ። ሽዕኡ ቀልጢፍካ ከም ምስራሕ ዝኣመሰሉ መሰላት እውን ኣብ ጥቕሚ ከተውዕሎ ትኽእል።

IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ውሳኔ ክወስድ ዝኽእለሉ ፍሉያት ኩነታት ግን ኣለዉ

ንኻልኦት ሓዊስካ ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት፣ IND ገና ውሳኔ ክወስድ

ተኽእሎ ኣሎ፡  

  • ድሮ ንነዊሕ እዋን ውሳኔ ክትጽበይ እንተድኣ ጸኒሕካ፡ ቅድሚ ልዕሊ 21 ኣዋርሕ ናይ ዑቕባ መመልከቲ እንተድኣ ኣቕሪብካ፣ IND ገና ውሳኔ ክህብ እዩ። ኣብ ዝቕጽሉ 6 ኣዋርሕ ናይ ምጽባይ ግዜኻ 21 ኣዋርሕ እንተኾይኑ እውን እዚ ተፈጻምነት ኣለዎ።

  • ብውልቃዊ ምኽንያት ዑቕባ እንተድኣ ሓቲትካ፡ ብመሰረት IND እዞም ውልቃዊ ምኽንያታት ካብቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት ዝተፈልዩን፣ ኣወንታዊ ውሳኔ ንምርካብ ዘኽእል እኹል ዕቱብነት ዘለዎምን ክኾኑ ኣለዎም። ብሰንኪ ኩነታት ሶርያ፣ IND ኣብ ዝቕጽሉ 6 ኣዋርሕ ነዚ ፍሉይ ኩነት መሰረት ብምግባር ሒደት ውሳኔታት ጥራይ ክውሰድ ትጽቢት ኣለዎ።

  • ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ንሕቶ ዑቕባኻ ተሓታቲት እንተድኣ ኮይና፡ ኔዘርላንድ ብመሰረት

    ደንቢ ዱብሊን
    ናብ ካልእ ናይ መመልከቲኻ ሓላፍነት እትስከም ኤውሮጳዊት ሃገር ክትሰደካ ትኽእል እያ። ዋላ ድሮ ናይ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ሃልዩካን፣ ናብኡ ክትምለስ ትኽእል ትኽእል እንተድኣ ኮይንካን እውን፣ ኔዘርላንድ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ ክትወስድ ትኽእል እያ።

ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል

እዚ ውሳኔ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ከምዘለዎ ብዝምልከት ሕቶታት ኣለካ ድዩ? ስለዚ ኣብ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ምስ ዝርከብ ኣማኻሪኻ፣ ወይ ምስ ጠበቓኻ ርክብ ግበር። ንሳቶም ብምኽርን ደገፍን ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። 

ሕቶን መልሲን ብዛዕባ እቲ ካብ ሶርያውያን ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ንግዚኡ ንዘይምውሳን ዝተወስደ ውሳኔ

ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ ክህልዉኻ ናይ ዝኽእሉ ሕቶታት መልሲታት ኣቕሪብና ኣለና፡

ሕጂ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክሓትት እንተድኣ ደልየ እንታይ ይኸውን?

ዘመልከትክዎ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት እንታይ ይኸውን?

ሕጂ እውን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ወይ ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት ክረክብ ይኽእል ድየ?

IND ድሕሪ ዝገበሮ ምንጻግ ይግባይ ኣቕሪበ እንተድኣ ኮይነ እንታይ ይኸውን?

ንግዚኡ ወይ ንነዊሕ እዋን ናብ ሶርያ ክምለስ ይኽእል ድየ?

1 ወይ ልዕሊኡ ኣባላት ስድራ-ቤት፣ መሓዙት ወይ ኣዕሩኽ ኣብ ሶርያ ጠፊኦም ኣለዉ፣ እንታይ ክገብር ይኽእል?


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር