ተጠንቀቕ! ናይ ሓሶት ጠበቓታት ብዋትስኣፕ ወይ ብፌስቡክ ገንዘብ ክወስዱልካ ይፍትኑ እዮም
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)፣ ገበነኛታት ዑቕባ ንዝሓቱ ሰባት ብኢንተርነት ከታልሉ ይፍትኑ ከምዘለዉ የጠንቅቕ። እቶም ኣታለልቲ ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ ኮይኖም፣ ብመንገዲ ፌስቡክ ወይ ዋትስኣፕ ከም ጠበቓ መሲሎም እዮም ዝቐርቡኻ። ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ክሕግዙኻ ምዃኖም ቃል ይኣትዉልካ፣ እንተኾነ ግን ብዛዕባ እዚ ገንዘብ ይሓቱኻ። ገንዘብ ኣይትስደድ።
ሓቂ ዘይኮኑ ዛንታታት ይነግሩ
እቶም ኣታለልቲ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ክሕግዙኻ ከም ዝኽእሉ ይዛረቡ። ብቕልጡፍ መልሲ ንኽትረክብ፣ ነዊሕ ንኸይትጽበይ፣ ወይ ድማ መንበሪ ፍቓድ ንኽትረክብ ምእንቲ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ናብ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ሕቶ ከነቕርበልካ ኢና ይብሉ። እዚ ሓቂ ኣይኮነን። ኣይትእመኖ፣ ብርግጽ ድማ ዝኾነ ገንዘብ ኣይትኽፈል።
IND መዓስ ተራኻ ከም ዝበጽሕን ፍቓድ ከም እትረክብን ይውስን
መስርሕ ዑቕባኻ መዓስ ከም ዝጅምርን እዚ ክንደይ ግዜ ክወስድ ምዃኑን ዝውስን
መልእኽቲ ሓቀኛ ድዩ ናይ ሓሶት ጠበቓኻ ክነግረካ ይኽእል እዩ
ዝመጸካ መልእኽቲ ብሓቂ ካብ ናይ ዑቕባ ጠበቓኻ ምዃኑን ዘይምዃኑን ተጠራጢርካ ዲኻ? ስለዚ ምስ ቤት-ጽሕፈት ናይ ጠበቓኻ ርክብ ግበር። ወይ ድማ ሓደ ሰራሕተኛ ናይ
ምትላል እንተድኣ ኣጋጢሙካ ናብ ፖሊስ ኪድ
ብፌስቡክ፣ ዋትስኣፕ ወይ ብኻልእ መስመር ማሕበራዊ ሚድያ ዝረኸበካ ሰብ ኣሎ ድዩ? ገንዘብ ከፊልካ ዲኻ፣ ብድሕሪኡ ድማ እቲ ሰብ ከይመለሰልካ ጠፊኡ ድዩ? ስለዚ ምናልባት ምትላል ኣጋጢሙካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከተቕርብ ኣገዳሲ እዩ። ሽዕኡ ፖሊስ ክሕግዙኻን፣ ነቲ ኣታላሊ ክረኽብዎን ክፍትኑ ይኽእሉ። ምስ ፖሊስ ቆጸራ ንምሓዝ ድማ ሰራሕተኛ ናይ VWN ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።