ቆልዑት ኣብ ጫካ ይጻወቱ።
ምንጪ፡ Anton Vierietin
ዜና

ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ ክጅምር ቀሪቡ ኣሎ፣ ኣብያተ-ትምህርቲ ን1 ሰሙን ዕጹዋት እየን

ዝተሓትመሉ ኣብ: 16/10/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ ክጅምር ቀሪቡ ኣሎ። ሽዕኡ ኣብያተ-ትምህርቲ ን1 ሰሙን ዕጹዋት እየን። ኣብ ኔዘርላንድ ድማ ብዙሓት ሰባት ንኽዛነዩን ደስ ዝብሉ ነገራት ንኽገብሩን፣ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ይውስዱ። ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ ብዝምልከት ኹሉ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ ኣብ ኩሉ ቦታ ኣብ ሓደ ግዜ ኣይኮነን

ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ ኣብ ኩሉ ቦታ ኣብ ሓደ ግዜ ኣይኮነን ዝካየድ። ኔዘርላንድ ኣብ 3 ዞባታት እያ እትኽፈል፡ ሰሜን፣ ማእከልን ደቡብን።

ዞባታት ማእከልን ደቡብን፣ ካብ ዞባ ሰሜን ኣብ ዝተፈልየ ሰሙን ዕረፍቲ ኣለወን። እዚ ኣብ ጽርግያታትን ኣብ መስሕባት በጻሕቲን ብዙሕ ጻዕቂ ከምዘየጋጥም የረጋግጽ። እዚ ድማ ዝግበር ናይ ምዝንጋዕ መገሻታት ቀሊል ከም ዝኸውን ይገብር። እቶም ናይ ዕረፍቲ ሳምንታት ከምዚ ዝስዕብ እዮም፡

  • ዞባታት ማእከልን ደቡብን፡ ካብ 19 ጥቅምቲ ክሳብ 27 ጥቅምቲ 2024።

  • ዞባ ሰሜን፡ ካብ 26 ጥቅምቲ ክሳብ 3 ሕዳር 2024።

ቆልዑት ካብ ትምህርቲ ነጻ እዮም

ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ፣ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝዕጸዋሉ ሰሙን እዩ። ብዙሓት ወለዲ እውን ኣብዚ ሰሙን እዚ ዕረፍቲ ይወስዱ እዮም። ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ ግን ብኣውቶማቲክ ነጻ ኣይኮንካን። ዕረፍቲ ንምርካብ ባዕልኻ ከተመልክት ኣለካ። ናብ ቤት-ትምህርቲ ትኸይድን ዘይትሰርሕን እንተድኣ ኮይንካ ግን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ ብኣውቶማቲክ ነጻ ኢኻ።

ቤት-ትምህርቲ ንደቅኻ መውዓሊ ሕጻናት ኣየዋድድን እዩ። ደቅኻ ነጻ እንተድኣ ኮይኖም፣ ንስኻ ወይ መጻምድትኻ ግን ትሰርሑ እንተድኣ ኮይንኩም፣ ባዕልኹም መውዓሊ ሕጻናት ከተዋድዱ ኣለኩም። ንኣብነት ኣብ ኔዘርላንድ ሕጻናት፣ ናብ መውዓሊ ሕጻናት ወይ መውዓሊ ድሕረ-ትምህርቲ (BSO) ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ገንዘብ ይሓትት እዩ፣ እንተኾነ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ንመውዓሊ ሕጻናት ንምኽፋል ካብ መንግስቲ ሓገዝ ትረክብ ኢኻ።

ኣብ እዋን ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ እዚ ክትገብር ትኽእል

ኣብ ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ ክትገብሮም እትኽእል ብዙሓት ንጥፈታት ኣለዉ። ኣብዚ ታሕቲ ብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ኣብ እዋን እዚ ዕረፍቲ ዝገብርዎም ብርክት ዝበሉ ነገራት ክትረክብ ኢኻ፡

  • ኣብ ጫካ ወይ መናፈሲ ቦታ ናይ ቀውዒ እግሪ ጒዕዞ ክትገብር ትኽእል። ኣብ ገዛኻ ኢደ-ጥበብ ክትሰርሓሎም እትኽእል ብዙሓት ዝረገፉ ኣቚጽልቲ ድማ ኣብ ባይታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

  • ኣብዚ ቀውዒ እዚ ብነጻ ናብ ቤተ-መዘክር ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ኣብያተ-መዘክር፣ ናይ ኢደ-ጥበብ ዓውደ-መጽናዕቲን ናይ ዳህሳስ ዑደትን ዝኣመሰሉ ንሕጻናት ዝኾኑ ፍሉያት ንጥፈታት የቕርቡ እዮም። ብዛዕባ እቲ ተግባር ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብን፣ ብነጻ ትኬት ንምእዛዝን 'ነጻ ትኬታት ቤተ-መዘክር ንስደተኛታት'

    ኣብ ዝብል መርበብ-ሓበሬታ ተወከስ።

  • ኣብ እዋን ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ደስ ዝብሉ ናይ ቆልዑት ፊልምታት ኣብ ሲነማ ይረኣዩ እዮም። ናይ ፊልም ትኬት ንቆልዑት ዝያዳ ሕሱር እዩ። ምስ ስድራ-ቤት ብሕሱር ዋጋ ናብ ሲነማ ክትከይድ ምእንቲ ክትክእል እውን ናይ ስድራ-ቤት ትኬት ኣሎ።

  • ብዙሓት ኣብያተ-መጻሕፍቲ ንቆልዑት ዝኾኑ ንጥፈታት ብነጻ የዳልዉ እዮም። ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ከም ዘቕርብ ንምርኣይ ድማ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ De Bibliotheek

    ተወከስ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር