ሓደ ሰብኣይ መንቕሒት ሰዓት ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ዓራት ደቂሱ።
ምንጪ፡ Shutterstock / Yuri A.
ዜና

ሰዓትካ ንድሕሪት ምለሳ፣ ብሰንኪ ናይ ሓጋይ ግዜ ድማ 1 ሰዓት ተወሳኺ ድቃስ ኣስተማቕር

ዝተሓትመሉ ኣብ: 21/10/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ናይ ሓጋይ ግዜ ካብ ቀዳም 26 ናብ ሰንበት 27 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ክጅምር እዩ። ሽዕኡ ኣብ ኔዘርላንድ ግዜ 1 ሰዓት ንድሕሪት ክምለስ እዩ። ብሰንኪ እዚ ኣብታ ቀዳመ-ሰንበት ተወሳኺ ክትድቅስ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ናይ ሓጋይ ግዜ ክትፈልጦ ዘለካ ኹሉ ድማ ኣብዚ ዓንቀጽ ክትረኽቦ ኢኻ።

ግዜ ኣብ ዓመት 2 ሳዕ ይቕየር

ካብ 1977 ጀሚርና ኣብ ኔዘርላንድ ልክዕ ከም ኣብ መብዛሕትአን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ናይ ክረምቲ ግዜን ናይ ሓጋይ ግዜን ፍልልይ ኣለና። ነፍስወከፍ ዓመት ድማ ንሰዓት 2 ግዜ ነስተኻኽል፡

  • ናይ ክረምቲ ግዜ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ግዜ 1 ሰዓት ንቕድሚት ይሓልፍ።

  • ናይ ሓጋይ ግዜ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ግዜ 1 ሰዓት ንድሕሪት ይምለስ።

ናይ ክረምቲ ግዜ ወይ ናይ ሓጋይ ግዜ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ባዕልኻ ሰዓት ከተስተኻኽል ኣለካ። ምስ ኢንተርነት ዝተራኸቡ ምስ ዝኾኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስማርትፎንካን ላፕቶፕካን ዝርከብ ግዜ ብኣውቶማቲክ ይቕየር እዩ።

ብሰንኪ ናይ ሓጋይ ግዜ 1 ሰዓት ተወሳኺ ክትድቅስ ትኽእል

ካብ ቀዳም 26 ናብ ሰንበት 27 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ግዜ 1 ሰዓት ንድሕሪት ክምለስ እዩ። ስለዚ 1 ሰዓት ተወሳኺ ክትድቅስ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሰዓት 03፡00 ግዜ ናብ ሰዓት 02፡00 ክምለስ እዩ።

ግዜ ንድሕሪት ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ንግሆ ኣቐዲሙ እዩ ብርሃን ዝኸውን። እዚ ናብ ቤት-ትምህርቲ ዝኸዱ ቆልዑትን ዝሰርሑ ሰባትን ንዝኣመሰሉ ኣንጊሆም ዝትንስኡ ሰባት ጽቡቕ እዩ። እንተኾነ ግን ምሸት እውን ኣቐዲሙ እዩ ዝጽልምት።

ከም ዓይኒ ሓቂ ናይ ሓጋይ ግዜ እዩ እቲ ንቡር ግዜ

ኣብ እዋን ሓጋይ እቲ ንቡር ግዜ ኢና እንጥቀም። ቀደም ኩሉ ግዜ፣ ናይ ሓጋይ ግዜ እዩ ነይሩ። ናይ ክረምቲ ግዜ ጸዓት ንምቑጣብ ዝተማህዘ እዩ። ግዜ ብምቕያር፣ ምሸት ንነዊሕ እዋን ብርሃን ኮይኑ ይጸንሕ። እዚ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ጸዓት ይቑጥብ፣ ምኽንያቱ ኣምፑላት ንነዊሕ እዋን ከተብርህ ስለዘየድልየካ።

ኣብ መጋቢት 2025 እንደገና ናይ ክረምቲ ግዜ ይጅምር

ናይ ሓጋይ ግዜ ካብ ቀዳም 29 ናብ ሰንበት 30 መጋቢት 2025 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ክውዳእ እዩ። ኣብታ ቀዳመ-ሰንበት ናብ ናይ ክረምቲ ግዜ ንምለስ፣ ግዜ ድማ እንደገና 1 ሰዓት ንቕድሚት ነሕልፎ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር