ስደተኛታት ብድሕሪ ሓጹር ትሪኮላታ።
ምንጪ፡ Shutterstock / Ajdin Kamber
ዜና

ናይ ኤውሮጳ ሓደስቲ ሕግታት ዑቕባ ብወግዒ ጸዲቖም

ዝተሓትመሉ ኣብ: 15/5/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ሕብረት ኣውሮጳ (EU)፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ኣውሮጳ ዝመጽኡ ሰባት ሒደት ከምዝኾኑ ንምርግጋጽ ውጥን ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ውጥን ሕጂ ብቤት-ምኽሪ ኤውሮጳ ብደምዳሚ ጸዲቚ ኣሎ።

እቲ ሓድሽ ውጥን ነዚ ዘጠቓልል እዩ

ቤት-ምኽሪ ኤውሮጳ
ብዕለት 14 ግንቦት 2024፣ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ዝሓትቱ ሰባት ሒደት ከምዝኾኑ ዘረጋግጹ ሓደስቲ ሕግታት ኣጽዲቑ።
እዞም ሕግታት ብኸመይ ብልክዕ ከም ዝትግበሩ ገና ንጹር ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ነቶም ኣገደስቲ ውጥናት ኣብዚ ታሕቲ ከተንብቦም ትኽእል ኢኻ፡

ናብ ኤውሮጳ ናይ ዝሃድሙ ሰባት ቅልጡፍ ገምጋም ምግባር

ካብ ውሑሳት ሃገራት ንዝመጽኡ ሰባት ዝተፈለየ መስርሕ

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ሓተትቲ ዑቕባ ንክቅበላን ንከይቅበላን ክመርጻ ይኽእላ እየን

ሕብረት ኤውሮጳ ሓድሽ ስርዓት-ዱብሊን ይደልይ

ሕብረት ኤውሮጳ ንኽሰማማዕ 8 ዓመት ወሲድሉ።

ኩለን ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ውጥን ክሳብ ዝሰማማዓሉ 8 ዓመት ወሲዱለን። ኣብቲ እዋን ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ብዙሕ ምምይጥ ይካየድ ነይሩ። ኣብ ግዳማዊ ዶባት ዝርከባ ዝኣመሰላ ገሊአን ሃገራት ንበይነን ኣብ መከራ ዝተሓድጋ ኮይኑ ተሰሚዕወን። ካልኦት ሃገራት ስደተኛታት ክቕበላ ዘይደልያ ብምንባረን ድማ ተቖጢዐን። ኔዘርላንድ እትርከቦም ካልኦት ሃገራት ድማ እተን ኣብ ዶብ ዝርከባ ሃገራት ስደተኛታት ጒዕዝኦም ንኽቕጽሉ ብምፍቓደን ቚጥዐ ነይሩወን።

እቶም ሓደስቲ ሕግታት ብውሕዱ ክሳብ 2026 ተግባራዊ ኣይክኾኑን እዮም

እቶም ሓደስቲ ሕግታት ገና ብቕጽበት ተግባራዊ ኣይክኾኑን እዮም። ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ሕግታት ኣብ ሃገረን ንምትግባር ናይ 2 ዓመት ግዜ ኣለወን። ኩለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነዞም ሓደስቲ ሕግታት ክኽተላ ኣለወን። እተን ሃገራት ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ነቶም ሕግታት ብሃገር ደረጃ ክትግብረኦም ምስ ዝሰልጠን ድማ እቶም ሕግታት ካብ መፋርቕ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ እዮም።

ሕብረት ኤውሮጳ ገና ምስ ካልኦት ሃገራት እውን ስምምዓት ክገብር ኣለዎ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምስተን ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ዑቕባ ክሓቱ ዝደልዩ ሰባት ዝብገሱለን ሃገራት ስምምዕ ክገብር እውን ይደልይ እዩ። ሕብረት ኤውሮጳ ዑቕባ ንዘይተዋህቦም ሰባት ናብ ሃገሮም ክመልሶም ክኽእል እዩ ዝደልይ። እዚ እንተዘይሰሊጡ፣ ማእከላት መዕቆቢ ቀልጢፎም ኣዝዮም ክመልኡ እዮም።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ግዳማዊ ዶባት ኤውሮጳ ምስ ዝርከባ ሃገራት እውን ስምምዕ ክገብር ይደልይ እዩ።

ሰባት ቅድሚ ናብ ኤውሮጳ ምእታዎም ኣብተን ሃገራት ዑቕባ ክሓቱ ከምዘለዎም ብዝምልከት ድማ ምስተን ሃገራት ክሰማምዕ ይደልይ እዩ። ሕጂ ሰባት መጀመርታ ናብ ኤውሮጳ እዮም ዝመጽኡ፣ ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ድማ ዑቕባ የመልክቱ። ምስ ኣልባንያ፣ ቱኒዝያ፣ ግብጽን ሊባኖስን ኸኣ ድሮ ስምምዓት ተገይሮም ኣለዉ።

መንግስቲ ኔዘርላንድ ደጋፊ እዞም ሕግታት እዩ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ኣይድግፍዎን

ንእሽተይ ኣብዛሓ ዘለዎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኔዘርላንድ ነዞም ሓደስቲ ሕግታት ይድግፍ እዩ። ብዙሓት ውድባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ነዚ ኣይድግፍዎን እዮም። ኣብ ኔዘርላንድ፣ Oxfam Novib፣ Artsen zonder Grenzen፣ VluchtelingenWerk Nederland፣ Pax ከምኡ እውን Stichting Vluchteling ዝርከብዎም ውድባት ኣንጻር እዞም ሕግታት ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ። 

ኔዘርላንድ ኣንጻሩ ንኸተድምጽ ሓቲቶም፣ ንኻልእ ነገራት ሓዊስካ ድማ እዚ ነቲ ናብ ኤውሮጳ ዝወስድ መህደሚ መንገድታት ዝያዳ ሓደገኛ ከምዝኸውን ዝገብር ኮይኑ ረኺቦሞ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?