ካብ የመን ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ካብ ሕጂ ንደሓር መስርሕ ዑቕባ ዝያዳ ግዜ ክወስድ እዩ
ካብ የመን ዲኻ ሃዲምካ? ስለዚ ካብ ሕጂ ንደሓር ከም ናይ ካልኦት ዜጋታት ሓደ ዓይነት መስርሕ ዑቕባ ኢኻ እትኽተል። ኣቀዲሙ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ካብ የመን ናይ ዝመጽኡ ሰባት ሕቶታት ዑቕባ ብዝቐልጠፈን ብዝተፈለየ ኣገባብን የመስርሕ ነይሩ። ካብ የመን እንተድኣ ኮይንካ መጺእካ፣ IND ሕጂ ንሕቶ ዑቕባኻ ብኸመይ ከም ዝግምግሞ ኣብዚ ኣንብብ።
ሕጂ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታትካ ግን ዝያዳ ክትገልጽ ኣለካ
መጀመርታ IND ካብ የመን ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባኻ ዝቐልጠፈ ውሳኔ ይወስድ ነይሩ። ካብ ሕጂ ንደሓር ንሕቶ ዑቕባኻ ከም ናይ ኩሎም ካልኦት ዜጋታት ማዕረ ቅልጣፈ ብዘለዎ እዮም ዝግምግምዎ።
IND ኣብ መጀመርታ ኣብ የመን ዝፍጸም ዓመጽ ኣዝዩ ሕማቕ ብምንባሩ፣ ኩሉ ካብ የመን ዝመጽአ ሰብ ብኣውቶማቲክ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክረክብ መሰል ኣለዎ ኢሉ ይኣምን ነይሩ። ስለዚ ውልቃዊ ኩነታትካ ክትገልጽ ኣየድልየካን ነይሩ። IND ሕጂ እውን ካብ የመን ዝመጽኡ ሰባት ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከምዝኽእሉ፣ ግን ድማ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ሓደጋ ከምዘየጋጥሞ ይኣምን እዩ። ስለዚ ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታትካ ኣብ የመን ዝያዳ ክትገልጽ ክትግደድ ኢኻ።
IND ካብ የመን ዝመጽኡ ሰባት ዑቕባ ኣብ ዝሓትሉ እዋን ነዚኦም ነገራት ኣቓልቦ ክህቦም እዩ
IND ንሕቶ ዑቕባኻ ኣብ ዝግምግመሉ እዋን ሕጂ እውን ንኩነታት ኲናት የመን ኣቓልቦ ክህቦ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ምናልባት ኣብ ተወሳኺ ብዙሕ ሓደጋ ክትወድቀሉ እትኽእል ውልቃዊ ምኽንያታት እውን ኣቓልቦ ክህብዎም እዮም። ንኣብነት ምናልባት ብሰንኪ እዞም ዝስዕቡ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ ትኽእል፡
ኣካላዊ ስንክልና ስለ ዘለካ
ኣብ የመን ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዘእተወካ ሞያ ስለ ዝነበረካ
ኣዚኻ ንእሽተይ ወይ ኣዚኻ ሽማግለ ስለ ዝኾንካ
ኣባል ኣብ ሓደጋ ናይ ዝርከብ ጉጅለ ስለ ዝኾንካ። ንኣብነት ኣብ የመን ጋዜጠኛ፣ ኣክቲቪስት ወይ ተቓዋሚ መንግስቲ ስለ ዝነበርካ። ወይ ድማ ኣባል ናይ ሓደ ብሄር፣ ሃይማኖታዊ ወይ ካልእ ዉሑዳን ጉጅለ ስለ ዝነበርካ፣ ንኣብነት
ስለ ዝኾንካ።LHBTQIA+
ድሮ ናይ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ፣ እዚ ብቚዕ ኮይኑ ይቕጽል
ካብ የመን ዲኻ ሃዲምካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ድማ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ነዚ ፍቓድ ሒዝካ ክትቕጽል ኢኻ፣ ከምኡ እውን IND ንመመልከቲ ዑቕባኻ ዳግማይ ኣይግምግሞን እዩ።
ሕጂ እውን ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ካብ የመን ምስ ዝመጽኡ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ክትጥርነፍ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ሕጂ እውን ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እቶም ድሮ ብIND ዝምስርሑ ዘለዉ መመልከቲታት እውን እናተመስርሑ ክቕጽሉ እዮም።