መካኒክን መሳርሕቱን ናብ ካሜራ እናጠመቱ ፍሽኽ ይብሉ
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk / Goedele Monnens
ዜና

ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ዓመት ልዕሊ 24 ሳምንታት ክትሰርሕ ይፍቀደልካ እዩ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 29/11/2023 12:00 ቅ.ቀ.

ካብ ሕጂ ንደሓር ብ W-document፣ ኣብ ዓመት ልዕሊ 24 ሳምንታት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኔዘርላንድ ተወሲኑ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዓመት 24 ሳምንታት ጥራይ ክትሰርሕ እዩ ዝፍቀደልካ ነይሩ። ሕጂ ዳኛ ነዚ ሕጊ ሰሪዝዎ ኣሎ።

ሓደ ሰብኣይን ኣስራሒኡን ዕዉት ክሲ ኣቕሪቦም

ገና ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓዱ ንምርካብ ዝጽበይ ዘሎ ሰብኣይ ድሕሪ 24 ሳምንታት ስርሑ ክቕጽል ደልዩ። ኣስራሒኡ እውን ነዚ እዩ ዝደልይ ነይሩ። እንተኾነ ግን

Uitvoeringsinstituut Werknemersverzekeringen (UWV)
ነቲ ኣስራሒ ሓድሽ
ናይ ስራሕ ፍቓድ (TWV)
ንምሃብ ነጺግዎ። 

UWV ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ “ናይ 24 ሳምንታት ጠለብ” እዩ። እዚ ሕጊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሉ ሰብ ኣብ ዓመት ልዕሊ 24 ሳምንታት ክሰርሕ ከምዘይክእል ዝገልጽ ሕጊ እዩ።

ዳኛ እቲ ጠለብ ንስደተኛታት ዘይሕግዝ ምዃኑ ወሲኑ

ኣብ ኣርንሄም [Arnhem] ዝርከብ ዳኛ ኣቐዲሙ እዚ ናይ 24 ሳምንታት ጠለብ ስደተኛታት ንኸይሰርሑ ዝዓግት ምዃኑ ወሲኑ ነይሩ። UWV ምስዚ ኣይተሰማምዐን፣ ላዕለዋይ ይግባይ ድማ ኣቕሪቡ ነይሩ። ሕጂ እቲ ዝለዓለ ቤት-ፍርዲ ነቲ ዝቐረበ ላዕለዋይ ይግባይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ብይን፣ እቲ ጠለብ ምስ ሕግታት ኤውሮጳ ዝጻረር ምዃኑን፣ ስለዚ ድማ ኣብ ዓመት ልዕሊ 24 ሳምንታት ክትሰርሕ ከም ዝፍቀደልካን ወሲኑ ኣሎ።

እቶም ሓደስቲ ሕግታት ብቐጥታ ተግባራዊ ይኾኑ

እቲ ዳኛ ዝሃቦ ውሳኔ ብቐጥታ ተግባራዊ ዝኸውን እዩ። እዚ ማለት፣ እዚ ውሳኔ ሕጂ ንነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ዝጸንሐን፣ W-document ዘለዎን ሰብ ተፈጻምነት ኣለዎ ማለት እዩ።  ሕጂ UWV ናይ ስራሕ ፍቓድ ንምርካብ ንዝቐርቡ መመልከቲታት፣ ነቲ ናይ 24 ሳምንታት ጠለብ ከይተጠቕመ ክግምግሞም ኣለዎ። 

እዚ ማለት፣ እቲ ክሲ ዘቕረበ ሰብኣይ ልዕሊ 24 ሳምንታት ክሰርሕ ይፍቀደሉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ዝጸንሐን፣ W-document ዘለዎን ሰብ እውን ልክዕ ከምኡ ዝያዳ ክሰርሕ ይፍቀደሉ ማለት እዩ።

ኣስራሕቲ እውን በቲ ዳኛ ዝሃቦ ውሳኔ ሕጉሳት እዮም

ብመሰረት ውድብ

RefugeeConnect
ኣስራሕቲ በዚ ናይ ቤት-ፍርዲ ውሳኔ ሕጉሳት እዮም። እቲ ውድብ ኣብ ጋዜጣ Volkskrant
ስደተኛታት ሕጂ ኣብ ዓመት ልዕሊ 24 ሳምንታት ክሰርሑ ስለዝፍቀደሎም፣ ኣስራሕቲ ንስደተኛታት ስራሕ ንኽቖጽሩ ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጹ። 

ምስራሕ

ኣብዚ ገጽ ዑቕባ ዝሓተትካን ናይ 1 ዓመት W-document ዘለካን ምስ እትኸውን ንስራሕ ብዝምልከት ክትፈልጦ ዘለካ ክትረክብ ኢኻ።

ንኽትሰርሕ እውን ውልቃዊ ቁጽሪ (BSN) የድልየካ

ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትሰርሕ

ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)
የድልየካ። በዚ ውልቃዊ ቁጽሪ ናይ ኔዘርላንድ ናይ ባንክ ሕሳብ ክትከፍት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ ድማ እዚ ክህልወካ ኣለዎ። BSN ንምምልካት ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ክህሉው ይኽእል እዩ። ድሮ ስራሕ ዘለካ፣ ግን ድማ ክሳብ ሕጂ BSN ዘይብልካ ዲኻ? ስለዚ ቀዳምነት ንምርካብ
ንማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ጉዳይካ ንምስላጥ ውልቃዊ ቁጽሪ (BSN) ብኸምዚ ኢኻ እትረክብ

ኣብዚ ገጽ ብኸመይ ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN) ከም እትረክብ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ጉዳይካ ንምስላጥ ውልቃዊ ቁጽሪ (BSN) ብኸምዚ ኢኻ እትረክብ

ኣብዚ ገጽ ብኸመይ ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN) ከም እትረክብ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር