ካቢነ ሚኒስተራት ኔዘርላንድ ብዓርቢ 7 ሓምለ 2023 ድሕሪ ንፖሊሲ ፍልሰት ዝምልከት ምይይጥ ፈሩሱ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት መሰል ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብዚ ኣገዳሲ ኣርእስቲ እዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን
እቲ ካቢነ ሚኒስተራት ሕጂ "ዝሰናበት" እዩ። እዚ ማለት ድማ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣይውሰዱን እዮም ማለት እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ እዚ ኣብዚ እዋን ኣብ ኔዘርላንድ ዘሎ ህሉው ኣገባብ ኣሰራርሓ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሓጺር ግዜ ውሑድ ወይ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ኣይክህልዎን እዩ።
ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ብ2 ምኽንያታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ነዚ ድማ
ሰልፊ VVD እዚ ክቕየር ደልዩ ነይሩ፣ እንተኾነ ግን እዚ ኣይተዓወተን። VVD ኣብ መንጎ መሰላት ናይ ስደተኛታት ፍልልይ ንኽግበር ሓሳብ ኣቕሪቡ። ብኸምኡ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ውሑዳት ንክኾኑ ተስፋ ገይሮም ነይሮም።
ብመሰረት እማመ ናይ VVD፣ ብምኽንያት ባይታ-B መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ነፍስወከፍ ዓመት ክሕደስ ዝነበሮ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ ነይሩዎም። ከምኡ እውን ባይታ-B ዘለዎም ስደተኛታት ንኣባላት ስድራ-ቤቶም ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኸመልክትሎም እውን ዝያዳ ኣጸጋሚ ምኾነ ነይሩ።
እዚ ድሮ ንኣዋርሕ ዝኣክል ምይይጥ ተገይሩሉ እዩ። ብፍላይ ልፍንቲ-ሰልፊታት ክርስትያናዊ ሕብረትን D66ን ብዛዕባ እዚ ኣይተሰማምዑን። ስለዚ ድማ እዩ ሕጂ ካቢነ ሚኒስተራት ፈሪሱ ዘሎ።
ዝሰናበት ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ብዙሕ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ብዛዕባ ዘለዎም ዛዕባታት ከሳልጥ ኣይክእልን እዩ። ሓድሽ ልፍንቲ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ ብዛዕባ ፖሊሲ ዑቕባ ናይ ኔዘርላንድ ብዝምልከት ዳግማይ ንኽመያየጥ ድማ ተኽእሎ እሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ማርክ ሩተ ናይ VVD፣ ዳግም ኣብ ምርጫ ክወዳደር ከምዘይደልይ ኣፍሊጡ ኣሎ።