
ጽምብል ሓርነት ኣብ መዓልቲ ሓርነት

5 ግንቦት ኣብ ኔዘርላንድ መዓልቲ ሓርነት እዩ። ኣብዚ ዕለት እዚ ኔዘርላንድ፣ 2ይ ኲናት ዓለም ኣብ 1945 ኣብ ኔዘርላንድ ዘብቅዓሉ ዕለት ትጽምብል። ሰባት ድማ ሓርነት ከም ተራ ንቡር ነገር ዝረኣይ ዘይምዃኑ ይዝክሩ። ኔዘርላንዳውያን ንመዓልቲ ሓርነት ብኸመይ ከም ዝጽምበሉ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ንምንታይ መዓልቲ ሓርነት ኣብ 5 ግንቦት ይካየድ?
ኔዘርላንድ ኣብ እዋን 2ይ ኲናት ዓለም ን5 ዓመታት ብጀርመን ተጎቢጣ ነይራ። እዚ እዋን እዚ ኣብ ታሪኽ ኔዘርላንድ ኣዝዩ ጽንኩርን ዘሕዝንን እዋን እዩ ነይሩ። ልዕሊ 100,000 ኣይሁድ ተኣሲሮን ተቐቲሎምን። እዚ ንኽልኦት ውሑዳን ጉጅለታት እውን ኣጋጢምዎም እዩ።
ሳላ ሓገዝ መሓዙት ሃገራት ጎበጥቲ ጀርመናውያን ብዕለት 5 ግንቦት 1945 ንኔዘርላንድ ሓራ ዘውጽአ ስምምዕ ከቲሞም። እዚ ድማ ጎበጣ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኔዘርላንድ ከም ዘብቅዕ ገበረ። ካብቲ እዋን ጀሚራ ኸኣ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ ዕለት 5 ግንቦት መዓልቲ ሓርነት ተብዕል።
ኣብ ዕለት 5 ግንቦት ብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ባንዴራ ኔዘርላንድ ይሰቕሉ። ባንዴራ ኔዘርላንድ ምልክት ሓርነትን ናጽነትን ናይ ኔዘርላንድ እያ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ህሞታት እውን ባንዴራ ዝስቐል።
ኣብ እዋን መግቢ ሓርነት ብሓባር ምብላዕ
ብዛዕባ ናጽነትን ዲሞክራስን ንምስትንታን ዝሕግዙ ኣስተምህሮታት፣ ምርኢታትን ትምህርታዊ ንጥፈታትን እውን ኣለዉ። ኣብ መዓልቲ ሓርነት፣ መግቢ ሓርነት ይኽሸን እዩ። ሰባት ተኣኪቦም ንኽበልዑን ብዛዕባ ሓርነት፣ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ንምዝራብን ድማ ኣብ መኣዲ ይእከቡ።
መግቢ ሓርነት ኣብ ከም በዓል ኮማዊ ማእከላትን ኣብያተ-ትምህርትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ዝኾነ ሰብ ክሳተፍ ይኽእል እዩ። ንስኻ ባዕልኻ እውን መግቢ ሓርነት ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ።
'ሃገራዊ ሽማግለ 4ን 5ን ግንቦት'
ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ናብ ፈስቲቫላት ሓርነት ክትከይድ ትኽእል
ሙዚቃ፣ ሳዕስዒትን ካልኦት ባህላዊ ንጥፈታትን ዘለዎም ፈስቲቫላት ሓርነት ምግባር ኣብ ኔዘርላንድ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝጸንሐ ኣምር እዩ። ዓመታዊ ድማ ኣብ ዕለት 5 ግንቦት፡ ኣብ ነፍስወከፍ ኣውራጃ፣ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣምስተርዳምን፣ ኣብታ ንጉስ ዝነብረላ ከተማ ደን ሃኽን 14 ፈስቲቫላት ሓርነት ይውደቡ።
ዓመታዊ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ምርኢት ዘቕርቡ ኔዘርላንዳውያን ሙዚቐኛታት "ኣምባሳደራት ሓርነት" ኣለዉ። ኣብ 2025 እዚኣቶም፡ Antoon፣ RONDÉ፣ S10 ከምኡ እውን Zoë Tauran ክኾኑ እዮም። ኣብ ዕለት 5 ግንቦት 2025 ኣምባሳደራት ሓርነት ኮይኖም ኣብ ፈስቲቫላት ሓርነት ምርኢት ንኸቕርቡ ኣብ ምሉእ ኔዘርላንድ ክበሩ እዮም። ምስ በጻሕቲ ፈስቲቫላት ብሓባር ድማ ንትርጉም ናጽነት የስተንትኑ።
ናብ ፈስቲቫላት ሓርነት ምእታው ብነጻ እዩ። ኣብዞም ፈስቲቫላት ንመግብን መስተን መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ባንክ ካርድ ጥራይ ኢኻ ክትከፍል እትኽእል። ናብ ቀጽሪ ናብቲ ፈስቲቫል ናይ ባዕልኻ መግብን መስተን ሒዝካ ንኽትመጽእ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይፍቀደልካን እዩ።
ፈስቲቫላት ሓርነት ኣብዚ ክትረኽቦም ኢኻ
ኣብ መላእ ኔዘርላንድ ፈስቲቫላት ሓርነት ይካየዱ እዮም። እቲ ዝዓበየ ኣብዘን ኣብ ታሕቲ ዝርከባ 14 ከተማታት ክትረኽቦ ኢኻ፡
Noord-Holland
Cultuurpark Westergasfabriek
ሰዓት 12:00 - 23:00
ብነጻ
Museumplein
12፡00 - 22፡30
Haarlemmerhout
ሰዓት 12፡00 - 0፡00
ብነጻ
Zuid-Holland
Malieveld
ሰዓት 12፡00 - 23፡00
ብነጻ
Het Park (Euromast)
ሰዓት 12፡30 - 23፡00
ብነጻ
Utrecht
Park Transwijk
ሰዓት 12፡30 ክሳብ 23፡00
ብነጻ
Groningen
De Drafbaan
ሰዓት 12፡00 - 23፡00
ብነጻ
Flevoland
ውሽጢ ከተማ Almere
ሰዓት 13፡00 - 23፡00
ብነጻ
Zeeland
ውሽጢ ከተማ Vlissingen
ሰዓት 13:00 - 0፡00
ብነጻ
Noord-Brabant
Pettelaarse Schans
ሰዓት 12:00 - 23:00
ብነጻ
Gelderland
ውሽጢ ከተማ Wageningen
ሰዓት 12፡00 - 0፡00
ብነጻ
Overijssel
Park de Wezenlanden
ሰዓት 11፡00 - 23፡30
ብነጻ
Limburg
ውሽጢ ከተማ Roermond
ሰዓት 12፡00 - 0፡00
ብነጻ
Drenthe
ቀጽሪ ፈስቲቫል Baggelhuizen
ሰዓት 11፡30 - 0፡00
ብነጻ
Friesland
ውሽጢ ከተማ Leeuwarden
ሰዓት 13:00 - 23:00
ብነጻ