ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ምምልካት
ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ክሰርሑ ይፍቀደሎም እዩ። እዚ ማለት ድማ ስራሕካ እንተስኢንካ፣ ምናልባት ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ (WW-uitkering) እትረክብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ፣ ኣብ መንጎ እቲ ዝሓለፈን ሓድሽን ስራሕካ ዘሎ እዋን ንእትስእኖ ኣታዊ ንምኽሓስ ዝወሃብ ግዝያዊ ገንዘባዊ ደገፍ እዩ። ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ንምርካብ ብርክት ዝበሉ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ። ንኣብነት፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ብተኸታታሊ ዝሰራሕካ ክትከውን ኣለካ።
ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ቅድመ-ኩነታት እዚኦም እዮም
ነዚኦም ቅድመ-ኩነታት ምስ እተማልእ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ክትረክብ ትኽእል፡
ኣብ ኔዘርላንድ ክትህሉው ዝፍቀደልካ ኢኻ። መስርሕ ዑቕባኻ ይቕጽል ክሳብ ዝሃለወ እዚ ይፍቀደልካ እዩ
ሽቕለት ኣልቦ ቅድሚ ምዃንካ ኣብ ዘለዋ 36 ሳምንታት፣ ን26 ተኸታተልቲ ሳምንታት ሰሪሕካ ኢኻ
ብደሞዝ ተቖጺርካ ኢኻ ሰሪሕካ
ኣብ ኔዘርላንድ ኢኻ ትነብር
ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሰሙን እንተወሓደ 10 ሰዓታት ሰሪሕካ ኢኻ
ኣብ ሰሙን 5 ሰዓታት ወይ ልዕሊኡ ስራሕ ዝሰኣንካን፣ ደጊም ናይዚ እውን ዝኾነ ደሞዝ ዘይትረክብን ኢኻ
ብሰንኪ ናይ ባዕልኻ ጥፍኣት ሽቕለት ኣልቦ ዝኾንካ ኣይኮንካን፤ ስለዚ ባዕልኻ ስራሕካ ኣይለቐቕካን
ብቐጥታ ካልእ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ምድላይ ክትጅምር እትኽእል ኢኻ
ገንዘባዊ ደገፍ ኣብ እትቕበለሉ እዋን ዘመልከትካዮ ዑቕባ እንተድኣ ተነጺጉ፣ እቲ ገንዘባዊ ደገፍ እውን ደው ይብል። ምኽንያቱ ሽዕኡ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ምህላው መሰል የብልካን።
መብዛሕትኡ ግዜ ን3 ኣዋርሕ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ክትረክብ መሰል ኣለካ
ንኹሎም ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ቅድመ-ኩነታት ተማልእ እንተድኣ ኮይንካ፣ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ን3 ኣዋርሕ ደገፍ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ኔዘርላንድ ን4 ዓመታት ዝሰራሕካ ምስ እትኸውን ጥራይ ኢኻ ምናልባት ዝነውሐ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ክትረክብ እትኽእል።
ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ብኸምዚ ኢኻ እተመልክት
ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ካብ
ኢኻ እተመልክት። እዚ ኣብ ኔዘርላንድ ገንዘባዊ ደገፍ ዝህብ ተቕዋም እዩ።ፈጻሚ ተቕዋም መድሕን ሰራሕተኛታት (UWV)ብኢንተርነት ናብ ናይ UWV ፕሮፋይልካ ብመንገዲ ናትካ
ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።DigiDቅድሚ ሕጂ ከምኡ እንተዘይገይርካ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኻን ቁጽሪ ተሌፎንካን ኣብ ናይ UWV ፕሮፋይልካ ኣቐምጥ።
ቅድሚ 1 ሰሙን ካብታ ሽቕለት ኣልቦ እትኾነላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚርካ ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ክሳብ 1 ሰሙን ድሕሪ እታ ናይ መወዳእታ ናይ ስራሕ መዓልትኻ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እንተድኣ ነዚ ድሒርካ ገይርካዮን ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል ምስ ዝህልወካን፣ ኣብ ምጅማር ናይቲ ደገፍ ትሑት መጠን ገንዘብ ክትረክብ ኢኻ።
መጠን ናይ እትረኽቦ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ኣብ ደሞዝካ እዩ ዝምርኮስ
ድሕሪ ምምልካትካ፣ UWV ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ክትረክብ መሰል ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንኽሕብረካ ደብዳቤ ክሰደልካ እዩ። ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ እትቕበል ምስ እትኸውን፣ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ እትረኽቦ መጠን ገንዘብ እውን ኣብቲ ደብዳቤ ተጠቒሱ ይርከብ። ንኽንደይ ኣዋርሕ ደገፍ ክትረክብ ምዃንካ እውን።
ክንደይ ዝኣክል ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ትረክብ ኣብ ደሞዝካ እዩ ዝምርኮስ። ኣብተን ቀዳሞት 2 ኣዋርሕ 75% ናይ ወርሓዊ ደሞዝካ እዩ፣ ድሕሪኡ ድማ 70%። ኣብ ርእሲ እቲ እትረኽቦ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ክህልወካ ዝኽእል ኣታዊ እውን ኣብ ግምት ይኣቱው እዩ።
ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ትቕበል ምስ እትኸውን ንመዕቆቢ ኣበርክቶ ክትከፍል ኣለካ
ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ዲኻ ትነብር? ከምኡ እውን ካብ ደሞዝ ወይ ገንዘባዊ ደገፍ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ኣታዊ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ኣታዊ ናብ COA ክትሕብር ኣለካ። ብድሕሪኡ ንወጻኢታት መዕቆቢ ዝኸውን ኣበርክቶ ክትከፍል ኣለካ። ካብ ኣታዊኻ 25 ሚእታዊት ንባዕልኻ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ፣ ክሳብ ዝለዓለ-ገደብ € 264 ኣብ ወርሒ። ካብቲ ንመዕቆቢ ክትከፍሎ ዘለካ መጠን ገንዘብ ንላዕሊ ትረክብ ዲኻ? ስለዚ እቲ ዝተረፈ ኣታዊ እውን ንባዕልኻ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምስ እትሓትት ናይ መነባብሮን መግቢን ኣበል
ገንዘባዊ ደገፍ ኣብ እተመልክተሉ እዋን ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
ኣብ