ምንጪ፡ Gorodenkoff
ዓንቀጽ

መመልከቲ ግብሪ ንኸተቕርብ እዚኦም ሰነዳት የድልዩኻ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:26 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ መመልከቲ ግብሪኻ ንኸተቕርብ ዝተወሰኑ ሰነዳት የድልዩኻ እዮም፣ ከም ዓመታዊ ጸብጻባት፣ ሓፈሻዊ ዝርዝር ኣበላትን መግሊጺታት ባንክን ዝኣመሰሉ። ኣየኖት ሰነዳት ኣገደስቲ ምዃኖምን ነዞም ሰነዳት ብኸመይ ከም እትረኽቦምን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

እዚኦም ሰነዳት የድልዩኻ

መመልከቲ ግብሪኻ ንምቕራብ ዝተፈላለዩ ሰነዳት የድልዩኻ እዮም። ኣብዚ ታሕቲ ዝርዝር ናይቶም ክትእክቦም ዘለካ ኣገደስቲ ሰነዳት ይርከብ። ምናልባት ኩሎም እቶም ሰነዳት ዘየድልዩኻ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ናይ ገዛእ-ርእስኻ ገዛ ዘይብልካ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ንልዕሊ 1 ዓመት ዝጸናሕካ ምስ እትኸውን፡

  • ዓመታዊ ጸብጻብ፡ እዚ ካብ ኣስራሒኻ ወይ ገንዘባዊ ደገፍ ካብ ዝህበካ ተቕዋም ዝመጽእ ኣገዳሲ ሰነድ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክንደይ ኣታዊ ከም ዝረኸብካን ድሮ ክንደይ ግብሪ ከም ዝተኸፍለን ዘርእይ እዩ። እዚ ሰነድ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወርሒ ጥሪ ወይ ለካቲት ኢኻ እትረኽቦ።

  • ጸብጻባት ክፍሊት ደሞዝ፡ ጸብጻባት ክፍሊት ደሞዝ ኣብ ኢድካ ክህልወካ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚኦም ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ናይ እትረኽቦ ኣታዊ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ዝህቡ እዮም።

  • ዓመታዊ መግለጺ ካብ ባንክኻ፡ እዚ ክንደይ ውህሉል ገንዘብ ከም ዘለካን ክንደይ ወለድ ከም ዝረኸብካን ዘርእይ እዩ።

  • ሓፈሻዊ መግለጺ ትሕጃ ዕድጊ ቤት፡ ብትሕጃ ዝተዓደገ ማለት ሞርትጌጅ ዘለዎ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ገዛ እንተሃልዩካ፣ ካብ ባንክኻ ሓፈሻዊ መግለጺ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ድማ ክንደይ ወለድ ከም ዝኸፈልካን ክንደይ ዕዳ ከም ዝመለስካን ዘርእይ እዩ።

  • ሓፈሻዊ ጸብጻብ ኣበላት፡ ከም ናይ ክራይ ኣበልን ናይ ጥዕና ኣበልን ዝኣመሰሉ ኣበላት ትቕበል ምስ እትኸውን፣ ናይዚ ሓፈሻዊ ጸብጻብ እውን ክትክረብ ኢኻ። ነዚ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ኣብ 'Mijn Toeslagen' ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

  • ወጻኢታት መጓዓዝያ፡ ንስራሕ ንኣብነት ብህዝባዊ መጓዓዝያ ብዙሕ እጎዓዝ እንተድኣ ኮይንካ፣ ሓደ ሓደ ግዜ መመልከቲ ግብሪ ኣብ እተቕርበሉ እዋን ነቲ ወጻኢታት ክትቕንሶ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ካርድ ቅዳሓትን ትኬታትን ዝኣመሰሉ ኩሎም ናይ መጓዓዝያ ሰነዳት ኣብ ጽቡቕ ኣቐምጦም።

  • ቅጥዒ-M፡ ኣብ ኔዘርላንድ ካብ 1 ዓመት ዝውሕድ ምስ እትጸንሕ ቅጥዒ-M ክትመልእ ኣለካ። ካብ ቅጥዒ-M ዝመጽእ ተመላሲ ገንዘብ ከም ኣታዊ ዝቑጸር እንተኾነ ንምሕታት ምስ ምምሕዳር ከተማ ርክብ ግበር። ከምኡ ምስ ዝኸውን፣ ምምሕዳር ከተማ ነዚ መጠን ገንዘብ ካብቲ እትረኽቦ ማሕበራዊ ደገፍ ክቖርጾ ይኽእል እዩ።

  • ካልኦት ሰነዳት፡ ፡ ወጻኢታት ናይ ክንክን ጥዕና፣ ንግብረ ሰናይ ዝግበር ወፈያታት ወይ ወጻኢታት ናይ መውዓሊ ሕጻናት ኣብ ግምት ኣእቱው። ሓደ ሓደ ግዜ ነዚኦም ወጻኢታት ካብ ግብሪኻ ክትቕንሶም ትኽእል ኢኻ።

መመልከቲ ግብሪ ብትኽክልን ምሉእ ብምሉእን ንምቕራብ ነዞም ሰነዳት ኣክብ።

መመልከቲ ግብሪኻ ብትኽክል ንምምላእ ሰነዳት ኣገደስቲ እዮም።

ቅኑዕ ሰነዳት ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንኹሉ እቲ ሓበሬታታት ብትኽክል ከም እትመልኦ የረጋግጽ። በዓል መዚ ግብሪ ሕቶታት ምስ ዝህልዎም እውን ነዞም ሰነዳት ከም መርትዖ ክትጥቀመሎም ትኽእል ኢኻ። ጌጋ ንኸይትገብር ድማ ይሕግዘካ። ቅኑዕ ሰነዳት እንተዘይሃልዩካ ኣብ መመልከቲ ግብሪኻ ጌጋታት ናይ ምፍጻም ተኽእሎኻ ዝለዓለ እዩ። መመልከቲ ግብሪኻ ብትኽክል እንተዘይመሊእካ ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ።

ዘድልዩኻ ሰነዳት ኣክብ
  • ብዙሓት ሰነዳት ብኣውቶማቲክ ብፖስታ ወይ ብ-ኢመይል ክመጹኻ እዮም። ነዚኦም ብግቡእ ከም እትዕቅቦም ኣረጋግጽ።

  • ብናትካ

    DigiD
    ናብ 'Mijn Belastingdienst' እተው። ኣብዚ ከም ዓመታዊ ጸብጻብ ዝኣመሰለ ብዙሕ ሓበሬታ ብዲጂታል ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓፈሻዊ ጸብጻብ ናይ ኣበላትካ ንምርካብ ድማ ናብ 'Mijn Toeslagen' እተው።

  • ሰነድ እንተድኣ ጎዲሉካ፣ ነዚ ንምሕታት ምስ ኣስራሒኻ፣ ባንክኻ ወይ ካልኦት ተቕዋማት ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

'Mijn Belastingdienst'
ሓበሬታታት ንምሕታት፣ መመልከቲ ግብሪ ንምቕራብ ወይ ካልኦት ናይ ግብሪ ጉዳያት ንኸተዋድድ ናብ 'Mijn Belastingdienst' ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ።
'Mijn toeslagen'
ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ በዓል-መዚ ግብሪ ኣብ 'Mijn toeslagen' ኣበላት ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኩነትካን ኣታዊኻን ዝህሉው ለውጢ ብዝምልከት እውን ኣብቲ መርበብ-ሓበሬታ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ DigiD የድልየካ።
ሰነዳትካ ንምውዳብ ዝሕግዙ ምኽርታት
  • ኩሎም ሰነዳትካ ኣብ ኣካላዊ ማህደር ወይ ዲጂታላዊ ማህደር ኣብ ኮምፒተርካ ኣቐምጦም።

  • ናትካ

    ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)
    ፣ ከምኡ እውን ናይ DigiD መእተዊ ሓበሬታታትካ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ኣብ ሊስታ ጸሓፎም።

  • ሰነዳትካ ኣብ ግዚኡ ምእካብ ጀምር። እዚ ናይ መወዳእታ እዋን ካብ ዝህሉው ጸቕጥን ታህዋኽን ይከላኸል።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?