ሽማግለ ሰብኣይ ኣብ ትራም ኮፍ ኢሎም
ምንጪ፡ Shutterstock, BearFotos: Oude man zit in de tram
ዓንቀጽ

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ ኣብ ኔዘርላንድ ጡረታ ክትረክብ መሰል የብልካን

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 28/10/2024 10:02 ቅ.ቀ.

ሓታቲ ዑቕባ ዲኻ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ 67 ዓመት ክትመልእ ዲኻ? ወይ ዕድሜኻ ድሮ 67 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ድዩ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ሰባት ጡረታ ኣብ ዝረኽብሉ ዕድመ ኢኻ እትርከብ። እንተኾነ ግን ዳርጋ ሕጂ ናብ ኔዘርላንድ ስለ ዝመጻእካ ጡረታ ክትረክብ መሰል የብልካን። ናይ መነባብሮ ኣበል ግን ትረክብ ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ጡረታ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ኣብ ኔዘርላንድ ካብ ዝተወሰነ ዕድመ ጀሚርካ ምስራሕ ደው ተብል ኢኻ። ብድሕሪኡ ጡረታ ትወጽእ። እዚ መዓስ ምዃኑ ኣብ ዓመተ ልደትካ እዩ ዝምርኮስ። ሕጂ ግን እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ መበል 67 ዓመት ንደሓር እዩ። ካብ ሽዕኡ ጀሚርካ ድማ ካብ መንግስቲ ወርሓዊ ንመነባብሮኻ ዝኸውን ገንዘብ ትቅበል። እዚ

'AOW-uitkering'
ማለት ናይ ኣረጋውያን ገንዘባዊ ደገፍ ይበሃል። እዚ
ብባንኪ ማሕበራዊ መድሕን (SVB)
እዩ ዝኽፈል።

ንነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ዝተቐመጥካሉ ዓመት ብኣውቶማቲክ ኢኻ ናይ AOW ገንዘባዊ ደገፍ ተዋህልል። ኣብ ኔዘርላንድ ዘይትነብር እንተድኣ ኮይንካ ግን ናይ AOW ጡረታኻ ኣይተዋህልልን ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ርእሲ እቲ ናትካ AOW ብመንገዲ ስራሕ እውን ጡረታ ተዋህልል ኢኻ። ስለዚ ንስኻን ኣስራሒኻን ንጡረታኻ ዝኸውን ገንዘብ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ተበርክቱ። እዚ ድማ ደንቢ ጡረታ ይበሃል። ኣስራሒኻ ነዚ ክገብር ኣይግደድን እዩ። ጡረታ እንተድኣ ዘይሃነጽካ፣ ጡረታ ኣብ እትወጽኣሉ እዋን ናይ AOW መሰል ጥራይ እዩ ዝህልወካ።

ነፍስወከፍ ጡረታ ዝወጽእ ሰብ ማዕረ መጠን ገንዘብ ኣይረክብን እዩ። ምሉእ ህይወትካ ኣብ ኔዘርላንድ ዘይነበርካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ናይ AOW ገንዘባዊ ደገፍ እውን ትረክብ ኢኻ። እንተኾነ ግን እቲ ሽዕኡ እትረኽቦ መጠን ገንዘብ ዝወሓደ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ን50 ዓመታት ዝተቐመጥካ ምስ እትኸውን ጥራይ ኢኻ ምሉእ መጠን ገንዘብ እትረክብ። ብመንገዲ ስራሕካ ክንደይ ጡረታ ክትረክብ ምዃንካ ድማ ኣብቲ ምስ ስራሕካ ዝገበርካዮ ስምምዓትን፣ ገና ትሰርሓሉ ኣብ ዝነበርካ እዋን ዝነበረካ ደረጃ ኣታዊኻን እዩ ዝምርኮስ። ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ መጠን ገንዘብ ጡረታ እዩ ዝረክብ።

እዞም ሕግታት ጡረታ፣ ገና ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዘለኻን ኣብ ኔዘርላንድ ንነዊሕ እዋን ዘይነበርካን ምስ እትኸውን ኣይምልከቱኻን

ዕድሜኻ 67 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ድዩ፣ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ድማ ገና ውሳኔ ትጽበይ ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ስለዘይነበርካ ወይ ስለዘይሰራሕካ ናይ ጡረታ መሰል የብልካን። ናይ መነባብሮ ኣበል ክትረክብ ግን መሰል ኣለካ።

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምስ እትሓትት ናይ መነባብሮን መግቢን ኣበል

ናይ መስርሕ ዑቕባኻ ውሳኔ ገና ትጽበይ ዲኻ ዘለኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ መዕቆቢ ቦታ ዲኻ ትነብር? ስለዚ ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ሰሙናዊ ንመግብን መነባብሮን ዝኸውን ገንዘብ ክትቕበል ኢኻ። ነዚ ገንዘብ ድማ ሰሙናዊ ካብ ሰራሕተኛታት ናይ መዕቆቢኻ ትረኽቦ።

ካብቲ ናይ መነባብሮ ኣበል ንላዕሊ ገንዘብ የድልየካ ድዩ፣ ዕድሜኻ ድማ 67 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ድዩ? ስለዚ   ሓደ ሓደ ግዜ

መመላእታ ቀረብ ኣታዊ ንኣረጋውያን (AIO)
፣ ብመንገዲ
ባንኪ ማሕበራዊ መድሕን (SVB)
ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እዚ ሓደ ዓይነት ገንዘባዊ ደገፍ እዩ።  ናብ ስራሕ ክትከይድ እውን ትኽእል ኢኻ። ዕድሜኻ 67 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ እትኸውንን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ እንተጸኒሕካን ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ይፍቀደልካ እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ካብ ዝጀመርካሉ እዋን ጀሚርካ መብዛሕትኡ ግዜ ንጡረታኻ ተዋህልል

ናይ ሓደ ዓመት

W-document
ኣለካ ድዩ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ድማ ትሰርሕ ዲኻ? ስለዚ ዕድመኻ ብዘየገድስ ብመንገዲ ስራሕካ ምናልባት ጡረታ ከተዋህልል ትኽእል ኢኻ። ዕድሜኻ 67 ዓመት እንተኾንካን፣ ትሰርሕ ምስ እትኸውንን እውን ጡረታ ከተዋህልል ትኽእል ኢኻ። 

ትሕቲ 67 ዓመት ዲኻ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ድማ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ጸኒሕካ ዲኻ? ስለዚ

ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)
ከምኡ እውን 'W-document' ክትረክብ ኢኻ። ስለዚ ካብ ሽዕኡ ጀሚርካ ብኣውቶማቲክ AOW ተዋህልል ኢኻ፣ ምኽንያቱ ካብታ እዋን እቲኣ ጀሚርካ ብወግዒ ኣብ ኔዘርላንድ እትነብር ስለ ዝኾንካ። ንነፍስወከፍ ቅድሚ 67 ዓመት ምምላእካ ኣብ ኔዘርላንድ ዝተቐመጥካሉ ዓመት ድማ ካብ ጠቕላላ መጠን ገንዘብ 2% ተዋህልል።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር