ክልተ መንእሰያት ኣዋልድ ኣብ ሶፋ ናይ ሓንቲ ንግዚኡ ተአንግደን ኔዘርላንዳዊት ሰበይቲ ተዛንየን
ምንጪ፡ TakeCareBNB, Lotte de Graaf Photography
ዓንቀጽ

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ ንግዚኡ ምስ እትፈልጦም ሰባት ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 15/10/2024 1:14 ድ.ቀ.

ኣብ መዕቆቢ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ኣዝዩ ሒደት ቦታ እዩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ንግዚኡ ምስ ቤተሰብ ወይ ፈተውቲ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። ንኽትቕንይ ምኻድ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ምስ ቤተሰብን ኣዕሩኽቲን ምቕናይ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ኣብ መዕቆቢ ናይ

ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ዲኻ ትነብር፣
ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)
ድማ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ን3 ኣዋርሕ ምስ እትፈልጦም ሰባት ንግዚኡ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። COA ነዚ 'ደንቢ ግዝያዊ ምቕናይ' ኢሉ ይጽውዖ። ንምቕናይ ኣብ እትኸደሉ እዋን ደጊም ኣብ COA ዓራት ኣይክህልወካን እዩ። ሰሙናዊ ብተሌፎን ናብ COAን
ክፍሊ ፖሊስ ወጻእተኛታት፣ ምልላይ መንነትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን (AVIM)
ምሕባር ክትቅጽል ግን ኣለካ። ነዚ ንምግባር ናብቲ መዕቆቢ ቦታ ክትከይድ ኣየድልየካን እዩ

ንምቕናይ ምኻድ ኣብ ልዕሊ መስርሕ ዑቕባኻ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን። ንነዊሕ ግዜ ክትጽበይ ኣየድልየካን እዩ፣ ኣብ ዝርዝር መጸበዪ እውን ኣይክትኣቱን ኢኻ። እቲ ደንቢ ግዚያዊ ምቕናይ ኣብ መዕቆቢ ቦታ ንዝህሉ ጻዕቂ ሰብ ንምንካይ ጥራይ ዝዓለመ እዩ።

ንምቕናይ ክትክእል ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት እዚኦም እዮም

ምስ ቤተሰብ ወይ ኣዕሩኽ ንግዚኡ ክትቕንይ እንተደሊኻ ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

  • ኣብ

    መስርሕ ዱብሊን
    እትርከብ ኣይኮንካን፣ ከምኡ እውን ካብ
    ውሕስቲ መበቆል ሃገር
    ኣይኮንካን መጺእካ።

  • ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እዩ።  

  • ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN) ኣለካ። 

  • ቆልዑት ዘለዉኻ ምስ እትኸውን፣ እቲ እትቕንየሉ ኣድራሻ ኣብ ጥቓ እቲ ደቅኻ ዝመሃርሉ ቤት-ትምህርቲ ክኸውን ኣለዎ። ብኸምዚ መንገዲ ደቅኻ ቤት-ትምህርቲ ከይቐየሩ ምምሃር ክቕጽሉ ይኽእሉ።  

  • እቲ እትቕንየሉ ቦታ ኣብ ዝርከበሉ ምምሕዳር ከተማ ወይ ኣብ ጥቕኡ ሓኪም ኣለካ። ወይ ድማ ኣብ ሓኪም ናይቶም ዘአንግዱኻ ሰባት ንኽትምዝገብ ተኽእሎ ኣለካ።

  • ጽዑቕ ሕክምናዊ ፍወሳታት ወይ ዝተሓላለኸ ክንክን ጥዕና ዘድልየካ ኣይኮንካን።

BSN ብኸመይ ከም እተመልክት ኣብዚ ኣንብብ

ኣብ እዋን ምቕናይካ እዚኦም መሰላት ኣለዉኻ

ኣብ እዋን ምቕናይካ ገና እዞም ዝስዕቡ መሰላት ኣለዉኻ፡

  • ናይ መነባብሮን መግቢን ኣበል ካብ COA። ዕድሜኻ 21 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝኸውን ንግዚኡ ኣብ ሰሙን ተወሳኺ 75 ኤውሮ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ምስ ብዙሓት ኣባላት ስድራ-ቤት እትቕንይ ምስ እንትኸውን እዚ ገንዘብ ዝወሓደ ክኸውን እዩ። 

  • ካሕሳ ናይ ክንክን ጥዕናኻ። ኣብ እትቕንየሉ እዋን ናይ ገዛእ-ርእስኻ ሕክምናዊ ክንክን ንኸተዋድድ ኣየድልየካን እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ትሕቲ ደንቢ ሕክምናዊ ክንክን ሓተትቲ ዑቕባ (RMA) ኢኻ እትምደብ። ናብ ሓኪምካ ወይ ሆስፒታል ንምኻድ እውን ገንዘብ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ነዚ ንምርካብ ድማ ናብ COA ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ንምቕናይ ክትከይድ እንተድኣ ኮይንካ ነዚ ከዋድድ ኣለካ

ምስ ኣዕሩኽትኻ ወይ ቤተሰብካ ክትቕንይ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ምስ ናይ COA ኮንታክትፐርሶንካ ርክብ ግበር፣ ወይ ናብ ሰደቓ-ሓበሬታ ኪድ። ሰራሕተኛታት ናይ COA ንምቕናይ ክትከይድ ንኽትክእል እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ክገልጹልካ እዮም። COA፣ ንግዚኡ ንምቕናይ ንምኻድ ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንምግምጋም ኣቐዲሙ ምሳኻ ዝርርብ ክገብር እዩ። COA መሰላትካን ግዴታታትካን እውን ክገልጸልካ እዩ። 

COA ንግዚኡ ንኽትቕንይ ክትከይድ ከም እትኽእል ምስ ዝውስን ንስኻን እቶም ዘአንግዱኻ ሰባትን 'ስምምዕ ግዝያዊ መቐነዪ ቦታ' ክትፍርሙ ኢኹም። እቲ ምቕናይ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘአንግዱኻ ሰባት ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ጥቕሚታት ማሕበራዊ ደገፍ ወይ ኣበላት ብዝምልከት። ናይ COA ኮንታክትፐርሶንካ ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት ዝገልጽ ደብዳቤ ክህበካ እዩ። ነዚ ደብዳቤ ድማ ነቶም ዘአንግዱኻ ሰባት ትህቦም። ንሳቶም ድማ ነቲ ደብዳቤ ምስ ኣንበብዎ ክፍርምሉ ኣለዎም። እዚ ኣካል ናይቲ ስምምዕ እዩ። 

እቲ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ተዋድድ፡ 

  • ኣብቲ ንግዚኡ እትቕንየሉ ኣድራሻ ዝርከበሉ ምምሕዳር ከተማ ትምዝገብ። እዚ ምቕናይ ድሕሪ ምጅማርካ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ክግበር ኣለዎ።

  • ናይ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ኣማኻሪ እውን ኣለካ ድዩ? ስለዚ ንናይ VWN ኣማኻሪኻ እውን ንግዚኡ ንምቕናይ ትኸይድ ከምዘለኻ ሓብሮ። 

  • ምስ ሓፈሻዊ ሓኪም ናይቶም ዘአንግዱኻ ሰባት ክትምዝገብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብኡ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ግዚያዊ ምቕናይ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ከተናውሖ ትኽእል ኢኻ

ን3 ኣዋርሕ ድሕሪ ምቕናይካ ገና ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ምስ ኣዕሩኽትኻ ወይ ቤተሰብካ ንነዊሕ እዋን ክትጸንሕ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ምንዋሕ ካብ COA ኢኻ እተመልክት። 

ንስኻ፣ ቤተሰብካ ወይ ኣዕሩኽትኻ ደጊም ኣብቲ ቦታ ክትቕንይ ኣይትደልዪን ዲኹም? ስለዚ ኣብ COA ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ዳግማይ ቦታ ክወሃበካ እዩ። እዚ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርካሉ ቦታ ኣብ ዝተፈልየ ቦታ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ እትቕንየሉ እዋን ሕቶ ዑቕባኻ ምስ ዝንጸግ እውን ናብ መዕቆቢ ናይ COA ክትምለስ ኣለካ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር