ስራሕ ምስ ዝህልወካን ምስ እትሓምምን ዘለካ መሰላት
ስራሕ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ሓሚምካ ዲኻ? ስለዚ ዝተፈላለዩ መሰላትን ግዴታታትን ኣለካ። ሓደ ሓደ ግዜ ንነዊሕ እዋን ክትሰርሕ ኣይትኽእልን፣ ንኣብነት ብሰንኪ ሓደጋ ወይ ሃልኪ። ስለዚ ሽዕኡ እንደገና ናብ ስራሕ ንኽትምለስ ምስ ሓኪም-ትካል ውጥን ትገብር።
ኣብታ ዝሓመምካላ 1ይቲ መዓልቲ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ብዛዕባ እዚ ንኣስራሒኻ ሓብር። ኣስራሒኻ ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ከም ዝጽበየካ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ውዕልካ ተጠቒሱ ክትረኽቦ ኢኻ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ኣብ ስራሕ ንኽትርከብ ትጽቢት ዝግበረልካ ኣቀዲምካ ንግሆ ናብ ሓላፊኻ ትድውል ማለት እዩ። ምሕማምካ ድሕሪ ምሕባርካ ኣስራሒኻ ነዚ ኣብ ውሽጢ 4 መዓልታት ናብ ሓኪም-ትካል ወይ ኣገልግሎት ጥዕናን ድሕነትን ዕዮ ክሕብር ኣለዎ። ኣገልግሎት ጥዕናን ድሕነትን ዕዮ፣ ሓደ ሰራሕተኛ ምስ ዝሓምም ንኣስራሒ ዝሕግዝ ውድብ እዩ። ምሕማምካ ኣብ እትሕብረሉ እዋን እንታይ ከም ዝኾንካ ክትነግር ግዴታ የብልካን። ኣስራሒኻ እውን ብዛዕባ እዚ ክሓትት ኣይፍቀደሉን እዩ። ኣስራሒኻ መዓስ ዳግማይ ክትሰርሕ ትኽእል ኢልካ ከም እትሓስብን፣ ኣብ እዋን ሕማም ካልእ ዕማም ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ክሓትት ግን ይኽእል እዩ።
እንተድኣ ሓሚምካ ደሞዝ ትቕበል ኢኻ። እዚ ደሞዝ እንተወሓደ 70% ናይ ሓፈሻዊ ደሞዝካ ክኸውን ኣለዎ። ቀዋሚ ወይ ግዝያዊ ውዕል ዘለካ ምዃኑ ፍልልይ የብሉን። ብመሰረት ውዕልካ ንእትሰርሖ ንቡር ሰዓታት እዚ ደሞዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እዞም ሕግታት ኣብ ናይ ስራሕካ ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ (CAO) እውን ተጠቒሶም ይርከቡ።
ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ብመሰረት ጻውዒት ዲኻ እትሰርሕ፣ ከምኡ እውን ሓሚምካ ዲኻ? ስለዚ እቲ ኣስራሒ ብመሰረት ሰሌዳ-ግዜ ወይ ውዕል ክትሰርሖ ንዝነበረካ ሰዓታት 70 ሚእታዊት ናይ ደሞዝካ ይኸፍለካ።
እዚ ደሞዝ ካብቲ ዝተሓተ ገደብ ደሞዝ ዝውሕድ ምስ ዝኸውን፣ እቲ ኣስራሒ ክሳብ ዝተሓተ ገደብ ደሞዝ ዝበጽሕ መመላእታ ክገብረሉ ኣለዎ።
ንነዊሕ እዋን እንተድኣ ሓሚምካ፣ እዚ ደሞዝ እንተበዝሐ ን2 ዓመት ክትቕበል ትኽእል ኢኻ።
ድሕሪ 6 ሳምንታት ገና እንተድኣ ዘይሓሸካ ምስ ሓኪም-ትካል ዝርርብ ክትገብር ኢኻ። እዚ ሓኪም ምኽንያት ሕማምካ ክምርምር እዩ። እቲ ሓኪም ምስኡ እንታይ ከም ዝተዘራረብካ ንኣስራሒኻ ክሕብሮ ኣይፍቀደሉን እዩ። እቲ ሓኪም፣ ናብ ስራሕ ንኽትምለስ እንታይ ከም ዘድልይ ምሳኻ ብሓባር ብምኻን ክርእይ እዩ።
ንስኻን ኣስራሒኻን ጸብጻብ ናይ ሓኪም-ትካል ብፖስታ ወይ ብኢ-መይል ክትቅበሉ ኢኹም። እዚ ጸብጻብ እዚ ዝኾነ ዓይነት ሕክምናዊ ዝርዝር ወይ ምስቲ ሓኪም ዝተዘራረብካዮ ነገር ዝሓዘ ኣይኮነን። የግዳስ መዓስን ብኸመይን ናብ ስራሕ ክትምለስ ከም እትኽእል ምኽሪ ይህብ።
ምስ ሓኪም-ትካልን ኣስራሒኻን ብሓባር ብምዃን እንደገና ስራሕ ንኽትጅምር ውጥን ትገብር። እዚ ድማ ዳግመ-ውህደት ይበሃል። ንስኻን ኣስራሒኻን ነዚ ውጥን ከተኽብርዎ ኣለኩም። መጀመርታ ንፍርቂ መዓልታት፣ ብድሕሪኡ ድማ ንምሉእ ግዜ ንኽትሰርሕ እንተድኣ ተሰማሚዕኩም፣ ኣስራሒኻ ሃንደበት ካብኡ ንላዕሊ ኣብ ስራሕ ክትጸንሕ ኣለካ ክብለካ ኣይክእልን እዩ። ንስኻ እውን ኣብ ሰዓትካ ስራሕ ደው ከተብል ኣለካ፣ ናብ ገዛኻ ድማ ትኸይድ።
ተመሊስካ ነቲ ቀደም ትሰርሖ ዝነበርካ ክትሰርሕ እንተዘይተኻኢሉ፣ ንኣብነት ድሕሪ ሓደጋ፣ ምስ ሓኪም-ትካልን ኣስራሒኻን ገና እንታይ ካልእ ስራሕ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ብዝምልከት ትመያየጥ።