ክልተ ሰባት ኣብ ናይ ተሳትፎ ሰደቓ ሰሌዳ ደው ኢሎም።
ምንጪ፡ Nino van den IJssel / COA
ዓንቀጽ

ብ W-document ወለንታዊ ስራሕ ምድላይ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:25 ቅ.ቀ.

ናይ 1 ዓመት W-document ኣለካ ድዩ፣ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ድማ ትደልይ ዲኻ? ኣበይ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ከም እትኽእልን፣ ብኸመይ ወለንታዊ ስራሕ ከም እትረክብን ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብዚኦም ቦታታት ወለንታዊ ስራሕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ብዙሕ ቦታታት ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ኮማዊ ማእከል፣ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ። ኣብ

ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ወይ ኣብ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ንዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ ብዛዕባ ዘለዉ ኣማራጺታት ክትሓትት ድማ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ሰደቓ ተሳትፎ 'Meedoenbalie' ክትከይድ እውን ትኽእል ኢኻ። እዚ COA ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከባ ናይ ወለንተኛታት ውድባት ብምትሕብባር (ወለንታዊ) ስራሕ ዘቕርበሉ ሰደቓ እዩ። ኣብ 40 ናይ COA መዕቆቢ ቦታታት ድማ ናይ ተሳትፎ ሰደቓ ኣሎ። መዕቆቢ ቦታኻ እውን ከምዚ ዓይነት ሰደቓ ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንሰራሕተኛ ናይ COA ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መዕቆቢ እውን ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ናይ COA መዕቆቢ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ህንጻታት ወይ ጀርዲን ኣብ ምጽራይን ኣብ ምክንኻንን ብምሕጋዝ። ወይ ኣብ ምትርጓም ብምሕጋዝ። ነዚ ስራሕ ኣብ ሰሙን እንተበዝሐ ን25 ሰዓታት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ዝለዓለ ገደብ ክፍሊት € 14 ኣብ ሰሙን ድማ ትረክብ። ነዚ ብዝምልከት ካብ ሰደቓ ሓበሬታ ናይ COA ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

MyCoa

ናይ ወለንተኛታት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ MyCOA ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ኣብ መዕቆቢ ናይ COA፣ ከምኡ እውን ካብቲ መዕቆቢ ወጻኢ ናይ ዘለዉ ካልኦት ውድባት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ክትረክብ ኢኻ።

እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር