ክልተ ሰባት ኣብ ጀርዲን ኣሕምልቲ እናሰርሑ
ዓንቀጽ

ብ W-document ወለንታዊ ስራሕ ምስራሕ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:25 ቅ.ቀ.

ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከትካን፣ ናይ 1 ዓመት W-document ዘለካን ምስ እትኸውን ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ቅድመ-ኩነታት ወለንታዊ ስራሕን፣ ወለንታዊ ስራሕ ኣበይ ክትሰርሕን ብኸመይ ክትረክብን ከም እትኽእልን ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።

ወለንታዊ ስራሕ ደሞዝ ዘይብሉ ስራሕ እዩ

ወለንታዊ ስራሕ፣ ንኻልኦት ወይ ንሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ብዘይ ክፍሊት እትሰርሖ ስራሕ እዩ። ደስ ዝብለካ እንተድኣ ኮይኑ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ክትረክብ ምስ እትደልይ። ብመንገዲ ወለንታዊ ስራሕ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትለማመድን ምስ ኔዘርላንዳውያን ክትራኸብን እውን ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ወለንታዊ ስራሕካ ኣበል ትረክብ ኢኻ

ወለንታዊ ስራሕ እንተድኣ ትሰርሕ ኮይንካ ሓደ ሓደ ግዜ ኣበል ትረክብ ኢኻ። ንኣብነት ንናይ መጎዓዝያ ወጻኢታት ወይ ንእትገብሮም ካልኦት ወጻኢታት ንምኽሓስ። እዚ ኣበል ነቲ ካብ COA እትረኽቦ ናይ መነባብሮን መግብን ገንዘብ ኣይጸልዎን እዩ። እቲ ኣበል ኣታዊ ኣይኮነን።

ካብ 1 ጥሪ 2024 ጀሚሩ፣ እንተበዝሐ ኣብ ወርሒ € 210,- ወይ ኣብ ዓመት € 2.100,- ናይ ወለንታዊ ስራሕካ ኣበል ክትረክብ ይፍቀደልካ እዩ። ብዘይካ ገንዘብ ካልእ ኣበል እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ናይ ህያብ ቅብሊት ወይ ብነጻ ስልጠና ወይ ዓውደ-መጽናዕቲ ምክትታል።

ናይ ወለንተኛ መግለጺ የድልየካ እዩ

ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሓሉ እትደልይ ውድብ ረኺብካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እዚ ውድብ ካብ

Uitvoeringsinstituut Werknemersverzekeringen (UWV)
ናይ ወለንተኛ መግለጺ ክሓትት ኣለዎ። ናይ ወለንተኛ መግለጺ ማለት እቲ ወለንታዊ ስራሕካ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ከምዘይኮነ ዝገልጽ ደብዳቤ እዩ።

እቲ ውድብ ናይቲ መመልከቲ መረጋገጺ ምስ ረኸበ ድማ ወለንታዊ ስራሕካ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። UWV ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታትን ብዛዕባ እቲ መመልከቲ ውሳኔ ክህብ እዩ። ንውሳኔ ናይ UWV ክትጽበይ ኣየድልየካን እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ምስክር ወረቐት ጽቡቕ ጠባይ (VOG) የድልየካ እዩ

ሓደ ሓደ ግዜ ንስራሕ ወይ ወለንታዊ ስራሕ

ምስክር ወረቐት ጽቡቕ ጠባይ (VOG)
የድልየካ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ትካል እዩ ነዚ VOG ንኽትረክብ ዘመልክተልካ። VOG ንምምልካት ድማ
BSN
ኣየድልየካን እዩ።

ኣብዚኦም ቦታታት ወለንታዊ ስራሕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ብዙሕ ቦታታት ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ኮማዊ ማእከል፣ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ። ዘለዉኻ ኣማራጺታት ብዝምልከት ኣብ

ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ወይ ኣብ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ናብ 'Meedoenbalie' ማለት ሰደቓ-ተሳትፎ ክትከይድ እውን ትኽእል ኢኻ። እዚ COA ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከባ ናይ ወለንተኛታት ውድባት ብምትሕብባር (ወለንታዊ) ስራሕ ዘቕርበሉ ሰደቓ እዩ። 40 ናይ COA መዕቆቢ ቦታታት 'Meedoenbalie' ኣለዎም። መዕቆቢኻ እውን ከምዚ ዓይነት ሰደቓ ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንሰራሕተኛ ናይ COA ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መዕቆቢ እውን ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ናይ COA መዕቆቢ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ህንጻታት ወይ ጀርዲን ኣብ ምጽራይን ኣብ ምክንኻንን ብምሕጋዝ። ወይ ኣብ ምትርጓም ብምሕጋዝ። ነዚ ስራሕ ኣብ ሰሙን እንተበዝሐ ን25 ሰዓታት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ዝለዓለ ገደብ ክፍሊት €14 ኣብ ሰሙን ድማ ትረክብ። ነዚ ብዝምልከት ካብ ሰደቓ ሓበሬታ ናይ COA ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?