ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ትሕቲ ቅልጽሞም ወረቃቕቲ ሒዞም ብሓባር ደው ኢሎም
ዓንቀጽ

W-document ምስ ዝህልወካ ንምስራሕ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:25 ቅ.ቀ.

ዘመልከትካዮ ዑቕባ ን6 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ኣብ ኔዘርላንድ ይምስራሕ ኣሎ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ትሕቲ እዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ፡

  • ብቚዕ

    W-document
    ዘለካ ምስ እትኸውን።

  • ዘመልከትካዮ ዑቕባ ን6 ኣዋርሕ ኣብ ምምስራሕ ዝርከብ ምስ ዝኸውን፤ ካብቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ (

    ቅጥዒ M35-H
    ) ኣብ ተር ኣፐል ዝፈረምካሉ እዋን ጀሚርካ ትቖጽር።

  • ኣስራሒኻ ንዓኻ ንኽቖጽረካ ናይ ስራሕ ፍቓድ (twv) ዘለዎ እዩ።

  • ብሕጋዊ መንገዲ ኢኻ ኣብ ኔዘርላንድ እትነብር።

  • ብመሰረት

    ደንቢ ቀረባት ንሓተትቲ ዑቕባን ካልኦት ምድባት ወጻእተኛታትን (Rva)
    መዕቆቢ ናይ ምርካብ መሰል ዘለካ ኢኻ።

  • እቲ እትሰርሖ ስራሕ ኣብ ትሕቲ 'ቅድመ-ኩነታት ዕዳጋ-ዕዮ' ዝስራሕ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ልክዕ ሓደ ዓይነት ስራሕ ንዝሰርሑ ካልኦት ሰባት ዝምልከትዎም ቅድመ-ኩነታት ንዓኻ ይምልከቱኻ ማለት እዩ። ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ትሰርሕ፣ ክንደይ ገንዘብ ትረክብን ክንደይ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ናይ ምርካብ መሰል ዝህልወካ ምዃኑን ብዝምልከት ምስቲ ምስ ካልኦት ስምምዕ ዝተገብረሉ ዝሳነይ ክኸውን ኣለዎ።

  • ትሕቲ ዕድመ ምስ እትኸውን ብመትከል ልክዕ ከምቶም ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ክሰርሑ ዝፍቀደሎም ካልኦት ትሕቲ ዕድመ ኔዘርላንዳውያን ክትሰርሕ ይፍቀደካ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ናይ

    ሽቕለት-ሕጻናት
    እገዳ ኣሎ።

ኣስራሒኻ ንዓኻ ናይ ስራሕ ፍቓድ (TWV) ከመልክተልካ ኣለዎ

ናይ ስራሕ ፍቓድ -TWV- ብዝምልከት ኣስራሒኻ ብነጻ ናብ

Uitvoeringsinstituut Werknemersverzekeringen (UWV)
የመልክት። እዚ ባዕልኻ ክትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። UWV ድማ ኣብ ውሽጢ 5 ሳምንታት ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ መመልከቲ ክውስን እዩ። ኣስራሒኻ TWV ምስረኸበ ድማ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ኣስራሒ ብዘይ ናይ ስራሕ ፍቓድ (TWV) ክትሰርሕ እንተፈቒዱካ፣ እዚ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ። ስለዚ ድማ ንኣስራሒኻ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክወሃቦ ይኽእል እዩ። ንዓኻ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክወሃበካ ኣይክእልን እዩ። እቲ ናትካ TWV ግዜኡ ወዲቚ ድዩ? ስለዚ ኣስራሒኻ ሓድሽ TWV ከመልክት ኣለዎ።

ኣብ መብዛሕትኡ ኩነታት BSN የድልየካ

ብተግባር ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ንኽትክእል

ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)
የድልየካ እዩ። ድሕሪኡ ኣስራሒኻ ብቐሊሉ ውዕል ከዳልወልካን ደሞዝ ናብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ከእትወልካን ይኽእል። ናይ ባንክ ሕሳብ ንምኽፋት እውን BSN የድልየካ እዩ።

ኣብ

መሰረታዊ መዝገብ ሰባት (BRP)
ድሕሪ ምምዝጋብካ BSN ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ክትምዝገበሎም እትኽእል 5 ቦታታት ኣለዉ። ንኽትምዝገብ ድማ ዕድመ ክትቕበል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ጉዳይካ ንምስላጥ ውልቃዊ ቁጽሪ (BSN) ብኸምዚ ኢኻ እትረክብ

ኣብዚ ገጽ ብኸመይ ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN) ከም እትረክብ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ገሊኦም ኣጋጣሚታት ግን ሓደ ኣስራሒ ብዘይ BSN ውዕል ክገብር ይደልይ እዩ። ገና BSN ዘይብልካ ምስ እትኸውን ድማ ኣስራሒኻ ደሞዝካ ናብ ናይ COA Yoursafe ኣካውንትኻ ክኸፍለካ ይኽእል። እንተኾነ ግን ኣብ Yoursafe ኣካውንትኻ ክንደይ ገንዘብን ካብ መንን ክትቕበል ከም እትኽእል ኣብ ዓይነት ዘለካ YourSafe ኣካውንት እዩ ዝምርኮስ። BSN የብልካን ድዩ፣ ግን ድማ Yoursafe ኣካውንት ኣለካ ድዩ? ስለዚ ሰራሕተኛ ናይ COA ንኽሕግዘካ ሕተት። ኣስተውዕል፡ ዋላ እኳ BSN ጽኑዕ ረቛሒ እንተዘይኮነ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ BSN ክትሰርሕ ኣይከኣልን እዩ። ብተግባር ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ እንተደሊኻ ዳርጋ ኩሉ ግዜ BSN የድልየካ እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ምስክር ወረቐት ጽቡቕ ጠባይ (VOG) የድልየካ እዩ

ሓደ ሓደ ግዜ ንስራሕ ወይ ወለንታዊ ስራሕ

ምስክር ወረቐት ጽቡቕ ጠባይ (VOG)
የድልየካ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ትካል እዩ ነዚ VOG ንኽትረክብ ዘመልክተልካ። VOG ንምምልካት ድማ
BSN
ኣየድልየካን እዩ።

ስራሕ ምስ ዝህልወካ ንመዕቆቢ ኣበርክቶ ክትከፍል ኣለካ

ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ዲኻ ትነብር ዘለኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ኣታዊኻ ናብ COA ክትሕብር ኣለካ። ስለዚ ድማ ንወጻኢታት ናይቲ መዕቆቢ ዝኸውን ኣበርክቶ ክትከፍል ኣለካ። ካብ ኣታዊኻ 25 ሚእታዊት ንባዕልኻ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ፣ እንተበዝሐ ክሳብ € 264 ኣብ ወርሒ።

ካብቲ ንመዕቆቢ ክትከፍሎ ዘለካ መጠን ገንዘብ ንላዕሊ ትረክብ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እቲ ዝተረፈ ኣታዊ እውን ንባዕልኻ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር