ካብ ሕጂ ጀሚርካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብመደብ 'ዜናታት NOS ብቐሊል ቋንቋ' ብዝበለጸ ተማሃር
ቋንቋ ኔዘርላንድ እናተመሃርካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዘለዉ ዜናታት ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ካብ መስከረም 2024 ጀሚርካ ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ስራሕ መዓልቲ 'NOS Journaal in Makkelijke Taal' ማለት ዜናታት ብቐሊል ቋንቋ ዝበሃል መደብ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።
'ዜናታት ብቐሊል ቋንቋ' ብፍላይ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክመሃሩ ንዝደልዩ በጽሒታት ዝዓለመ እዩ
ብዘይካ እቲ መዓልታዊ ኣብ ቴሌቪዥን ኔዘርላንድ ክትርእዮ እትኽእል ስሩዕ ዜናታት፣ ሕጂ ብቐሊል ቋንቋ እውን ዜናታት ኣለዉ። እዚ '
ኣብዚ መደብ ዜና፣ ኣንበብቲ ዜና ብዛዕባ 3 ኣገደስቲ ፍጻመታት ኔዘርላንድን ካልእ ክፋል ዓለምን ይዛረቡ። ኣንባቢ ዜና፣ ካብቲ ኣብ ስሩዕ ዜናታት ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ቃላት ንላዕሊ ዝቐለለ ቃላት ይጥቀም፣ ከምኡ እውን ንነገራት ብዝያዳ ህድኣትን ብንጹር ኣገባብን ይገልጾም።
'ዜናታት NOS ብቐሊል ቋንቋ' ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ሰዓት 17፡00 ኣብ
NPO Start፡ ዜናታት NOS ብቐሊል ቋንቋ
Jeugdjournaal እውን ብቐሊል ቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝቐርብ
ኣብ ኔዘርላንድ ንቆልዑትን መንእሰያትን ዝዓለመ ፍሉይ መደብ ዜና እውን ኣሎ። ደቅኻ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝበለጸ ክመሃሩ፣ ወይ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ዘለዉ ዜናታት ዝያዳ ክፈልጡ ይደልዩ ድዮም? ወይ ድማ ንስኻ ባዕልኻ ነቲ
ስለዚ 'NOS Jeugdjournaal' ማለት ዜናታት መንእሰያት ተኸታተል። እዚ መደብ ዜና፣ ነቶም ዜናታት መንእሰያት ብዝርድእዎ ኣገባብ እናገለጸ እዩ ዘቕርብ። እንተኾነ ግን 'Jeugdjournaal' ካብቲ ኣብ 'Journaal in Makkelijke Taal' ዝበሃል መደብ ንላዕሊ ብዝያዳ ቕልጣፈ ዝቐርብን፣ ዝያዳ ዛዕባታት ዝዝተየሉን እዩ።