ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደርን ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራትን።
ምንጪ፡ Rijksoverheid / Valerie Kuypers
ዜና

ዝጸንዑ ውጥናት ዑቕባ ዘለዎ ሓድሽ መንግስቲ ኔዘርላንድ ሕጂ ብወግዒ ጀሚሩ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 2/7/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ኔዘርላንድ ካብ ሕጂ ጀሚራ ብወግዒ ሓድሽ መንግስቲ መስሪታ ኣላ። እዚ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ መንጎ የማናውያን ሰልፊታት ብዝካየድ ምትሕብባር ዝቖመ ኮይኑ፣ ንሕሉፍ የማናዊ PVV ከም ዝዓበየ ሰልፊ ዝሓቖፈ እዩ። ዑቕባ ክሓቱ ንዝደልዩ ሰባት ዝምልከቱ ጽኑዓት ሕግታት ክህሉው ድማ ይደልዩ።

ሓድሽ መንግስቲ ኔዘርላንድ ካብ ሰሉስ 2 ሓምለ 2024 ብወግዒ ክጅምር እዩ። እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዲክ ስኾፍ -Dick Schoof- ይበሃል። ኣቀዲሙ ዋና ጸሓፊ ሚኒስትሪ ፍትሕን ጸጥታን ነይሩ። ቅድሚኡ ድማ ኣብ

ሓፈሻዊ ስለያን ኣገልግሎት ጸጥታን (AIVD)
ሓላፊ ጸረ-ሽበራን ጸጥታን ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ኣቀዲሙ እውን ዳይረክተር
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ነይሩ እዩ።

ዲክ ስኾፍ ኣባል ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣይኮነን። እዚ ፍሉይ እዩ። ናይ ኔዘርላንድ ቀዳማይ ሚኒስተራት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንግስቲ ኣባላት ናይቲ ዝዓበየ ሰልፊ እዮም።

መጀመርታ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሓጽየ ካልእ እዩ ነይሩ። ሮናልድ ፕላስተርክ -Ronald Plasterk- ድማ ይበሃል። ቅድሚ ሕጂ ሚኒስተር ጸጋማዊ ሰልፊ ዕዮ (PvdA) እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ብሰንኪ ናይ ምትላል ክሲ ኣብ ልዕሊኡ መርመራ ይካየድ ብምህላዉ ባዕሉ ኣንሳሒቡ።

4 ሰልፊታት ብሓባር ከመሓድሩ እዮም

ድሕሪ ናይ ከባቢ 7 ኣዋርሕ ምይይጥ እዞም ሰልፊታት ሓድሽ መንግስቲ መስሪቶም፡ 

  • ሰልፊ ንናጽነት (PVV) ሓያል ሃገራውነት ዘለዎ ናይ ኔዘርላንድ ፖለቲካዊ ሰልፊ እዩ። PVV ኣንጻር እስልምናን ስደተኛታትን ብዘለዎም መርገጺታት ዝፍለጡ እዮም። 

  • ህዝባዊ ሰልፊ ንናጽነትን ዲሞክራስን (VVD) የማናዊ ሊበራላዊ ሰልፊ እዩ። VVD ብመንገዲ ማርክ ሩተ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ንከባቢ 14 ዓመታት ብተኸታታሊ ኣመሓዲሩ። 

  • ሓድሽ ማሕበራዊ ውዕል (NSC) ኣብ ኔዘርላንድ ምሕደራ ንምምሕያሽ ዝደልይን፣ ንማሕበራዊ ድሕነት ኣገዳስነት ዝህብን ሓድሽ የማናዊ ሰልፊ እዩ። 

  • ምንቅስቓስ ሓረስቶት ዜጋታት (BBB) ኣብ ሓረስቶት ዘተኮረ ዓቃባዊ ሰልፊ እዩ። መንግስቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ካብ መጠን ንላዕሊ ወፍሪ ይገብር ኣሎ ኢሎም ድማ ይኣምኑ።

ብሓባር ካብ 150 መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 88 ኣለዎም። እዚ ማለት ብሓባር ካብ ካልኦት ሰልፊታት ንላዕሊ መናብር ኣለዎም ማለት እዩ። እዚ ድማ ሓደ መንግስቲ ንዘውጽኦ ውጥናት ንኸተግብር ምእንቲ ክኽእል ኣድላዪ እዩ። ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብኣብዝሓ መናብር ጥራይ ኢኻ ሓደስቲ ሕግታትን ስርዓታትን ከተጽድቕ እትኽእል።

ኣብ ዙርያ ሚኒስተር ዑቕባ ክትዕ ተፈጢሩ ነይሩ

ነፍስወከፍ ሰልፊ ኣብ መንግስቲ ዘገልግሉ ሚኒስተራት እውን መሪጹ ኣሎ። መራሕቲ ናይ ገዛእቲ ሰልፊታት ንባዕሎም ሚኒስተራት ዘይምዃኖም ፍሉይ ተርእዮ እዩ። ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኖም ድማ ይቕጽሉ ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ መራሕቲ ልፍንቲ ሰልፊታት እዮም ንባዕሎም ሚኒስተራት እውን ዝኾኑ።

መራሒ PVV ኺርት ቪልደርስ -Geert Wilders- መጀመርታ ጊዲ ማርኩሶወር -Gidi Markuszower- ሚኒስተር ዑቕባ ንክኸውን እዩ ደልዩ ነይሩ። ማርኩሶወር ቀደም ከም ወሃቢ ቃል ናይ እስራኤል ሰልፊ ሊኩድ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ AIVD እዚ ንጸጥታ ኔዘርላንድ ሓደገኛ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ሚኒስተር ክኸውን ኣይተፈቕደሉን።

ሕጂ ማርዮላይን ፋበር (PVV) ሚኒስተር ዑቕባ ኮይና ኣላ። ንሳ ከም ሚኒስተር ምምራጻ ነፍስወከፍ ዝሰማማዓሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ድማ ዓሌታዊ ዘረባታት ገይራ ስለዝነበረት እዩ

ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ውጥናት እዚኦም እዮም 

እቲ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ግንቦት 2024 "ተስፋ፣ ትብዓትን ሓበንን" ዝብል ውጥናቱ ኣቕሪቡ። ቪልደርስ፡ እዚ ውጥን "ኣብ ኔዘርላንድ ጸሓይ መሊሳ ከም እትበርቕ ዝገብር እዩ" ይብል። ዓቢይ ክፋል ናይቲ ውጥን ድማ ብዛዕባ ዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከት እዩ። 

እቶም ሰልፊታት ንኣብነት ነዚ ይደልዩ፡ 

  • ቅልውላው ዑቕባ ምእዋጅን ናይ ቅልውላው ዑቕባ ግዝያዊ ሕጊ ምፍጣርን። በዚ ኔዘርላንድ ን2 ዓመት ናይ ዑቕባ መመልከቲ ንኸተመስርሕ ዘይትግደድ ንኽትከውን ከረጋግጹ ይደልዩ።

  • ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ንምስራዝ።

  • ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ዝወሓደ ሕጋዊ ሓገዝ ከም ዝረኽቡ።  

  • ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት እንደገና ፍልልይ ንኽግበር፡

    ባይታ-A
    ከምኡ እውን
    ባይታ-B
    ። እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ዘለዎም መሰላት ፍልልይ ዝፈጥር እዩ። ስለዚ ንኣብነት ብመሰረት ባይታ-B መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኸመልክቱ ዝያዳ ከጸግሞም ይኽእል።

ሕጂ ውጥናት ናይ PVV፣ VVD፣ NSCን BBBን ዝያዳ ይጻፈፉ ኣለዉ። ዝኾነ ክገብርዎ ዝደልዩ ሓድሽ ሕጊ ድማ መጀመርታ ብሰኔትን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ምይይጥ ክግበረሉን ክጸድቕን ኣለዎ።

ዘሎ ሕቶ እቶም ውጥናት ክትግበሩ ዝከኣል ምዃኑን ዘይምዃኑን እዩ

እቶም ውጥናት ኣብ ኔዘርላንድ ብሓቂ እንታይ ትርጉም ክህልዎም ከም ዝኽእል ሕጂ እውን ገና ብዙሕ ዘይንጹርነት ኣሎ። እቲ ዘሎ ሕቶ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ይኽእሉ ድዮም ኣይክእሉን ዝብል እዩ። ኩሎም እዞም ውጥናት ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ፣ ሕጊ ኤውሮጳ ወይ ኣህጉራዊ ውዕላት ፍቚዳት ድዮም ኣይኮኑን ዝብል እውን።

ብመሰረት ጠበቓታት ዑቕባ፣ ብዙሓት ውጥናት ብዝኾነ ምስ ሕጊ ኔዘርላንድ ዝጻረሩ እዮም

። እዚ ማሕበር ጠበቓታት ዑቕባን ሰብ-ሞያ ሕጊን ኔዘርላንድ ን
NOS
ዝተዛረቦ እዩ። ንኣብነት ኔዘርላንድ ድሕሪ ደጊም ንግዚኡ ናይ ዑቕባ መመልከቲታት ንኸተመስርሕ ምእንቲ ከይትግደድ ቅልውላው ዑቕባ ምእዋጅ ምናልባት ብዳኛ ቤት-ፍርዲ ዘይፍቀድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብመሰረት እቶም ጠበቓታት፣ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝያዳ ጽኑዕ ምግባር እውን ብሰንኪ ዘለዉ ሕግታት ዘይከኣል ክኸውን ይኽእል እዩ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር