ቤት-ትምህርቲ ROC ኣብ ቲልቡርኽ
ምንጪ፡ Ron Maijen - WikiMedia
ዜና
ንትምህርቲ MBO ናይ 2024/2025 ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ክትከፍል ዘይትግደድ ክትከውን ትኽእል ኢኻ
ዝተሓትመሉ ኣብ: 22/8/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ትምህርቲ MBO ክትጅምር ዲኻ፣ ወይ ትምህርትኻ ክትቕጽል ዲኻ? ኣብ ትሕቲ መምርሒ ግዝያዊ ሓለዋ (RTB) ትምደብ እንተድኣ ኮይንካ፣ ወይ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዘለኻ ምስ እትኸውን፣ ክፍሊት ትምህርቲ ክትከፍል ዘይትግደድ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ንመምሃሪኻ ክትከፍል ንኸይትግደድ ካብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ጀሚርካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ነዚኦም ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ 

ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ (MBO) ክትጅምር ዲኻ፣ ወይ ትምህርትኻ ክትቕጽል ዲኻ? ስለዚ ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ምስ እተማልእ ክፍሊት ትምህርቲ ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ፡

  1. ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ስለዘይብልካ፣ ንወጻኢታት ትምህርትኻ ዝኸውን ናይ ተማሃሮ ፋይናንሳዊ ድጎማ ወይ ካልእ ዝኾነ ኣበል ናይ ምርካብ መሰል የብልካን።

  2. ነቲ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ንኽትከፍል ዓቕሚ የብልካን፣ ወይ ነዚ ንዓኻ ዝኸፍለልካ ውድብ የለን።

  3. ኣብ ዕለት 1 ነሓሰ ኣብ መጀመርታ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ፣ ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ግን ድማ ትሕቲ 31 ዓመት እዩ።

ብተወሳኺ 1 ካብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ንዓኻ ይምልከተካ እዩ፡

  • W-document
    ወይ
    W2-document
    ኣለካ። ነዚ ኣብ ጎኒ እቲ ኣብ ወረቐት መንነትካ ዘሎ ስእሊ ብፊደል W ወይ W2 ክትሪእዮ ትኽእል ኢኻ።

  • ንገዛእ-ርእስኻ ወይ ንኣባል ስድራ-ቤትካ ሕክምና ዝኸውን ዓይነት

    I-document
    ኣለካ።

  • ንኹሎም ሕጋዊ ተኽእሎታት ጸንቂቕካ መስርሕ ምምላስ ተካይድ ኣለኻ።

  • ንኹሎም ሕጋዊ ተኽእሎታት ጸንቂቕካ ኢኻ፣ ከምኡ እውን ብመሰረት

    ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
    ፣ ንኣብነት ብሰንኪ ሕማም ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣይትኽእልን ኢኻ።

  • ንኹሎም ሕጋዊ ተኽእሎታት ጸንቂቕካን፣ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ስድራ-ቤት ቦታ ትነብርን ኣለኻ።

  • ኣብ ትሕቲ

    መምርሒ ግዝያዊ ሓለዋ (RTB)
    ኢኻ እትምደብ።

ድሕሪ መበል 30 ዓመት ዕድሜኻ እውን ክፍሊት ትምህርቲ ክትከፍል ዘይትግደድ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ኣብ እዋን ትምህርትኻ 30 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እንተድኣ መሊእካ፣ ነቶም ካልኦት ሕግታት ምስ እተማልእ ምናልባት ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ክትከፍል ዘይትግደድ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ካብ መበል 30 ዓመት ልደትካ ጀሚርካ ድማ ክፍሊት ትምህርቲ ንኸይትኸፍል ነፍስወከፍ ዓመት ናብ

DUO
ሕቶ ከተቕርብ ኣለካ።

እዚ ዝከኣል ንትምህርትኻ ብዘይ ምቚራጽ ተመዝጊብካ ምስ እትህሉው ጥራይ እዩ። ስለዚ ንግዚኡ ከተቋርጽን፣ ከም ብሓድሽ ትምህርትኻ ክትጅምርን ኣይትኽእልን ኢኻ። ገና ነቶም ሕግታት ተማልእ ምዃንካ ድማ ነፍስወከፍ ዓመት ንDUO ከተርእዮ ኣለካ።

ናይ ትምህርቲ ክፍሊትካ ንኽምለሰልካ ንምሕታት ናብ DUO ቅጥዒ ክትሰድድ ኣለካ

ካብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ጀሚርካ መመልከቲ ቅጥዒ መሊእካ ናብ

ፈጻሚ ኣገልግሎት ትምህርቲ (DUO)
ክትሰድድ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ቅጥዒ መሊእካ ናብ DUO ድሕሪ ምስዳድካ ድማ ካብ DUO ክፍሊት ትምህርቲ ክትከፍል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ዝገልጽ መልእኽቲ ክትቕበል ኢኻ። እቲ መመልከቲ ከተቕርበሉ እትኽእል ቅጥዒ ድሉው ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ብቐጥታ በዚ ኣብ ታሕቲ ዝርከብ መርበብ-ሓበሬታ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ናይ DUO መመልከቲ ቅጥዒ
ኣብዚ ገጽ እዚ ክፍሊት ትምህርቲ ክትከፍል ንኸይትግደድ ንምምልካት ክትመልኦ ዘለካ ቅጥዒ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ድማ 'buiteninvorderingstelling' ይበሃል።

ካብ DUO ናይ መመልከቲኻ መልሲ ክሳብ ዘይረኸብካ ክፍሊት ትምህርቲ ኣይትኽፈል

ካብ DUO ናይ መመልከቲኻ መልሲ ቅድሚ ምርካብካ ናይ 2024-2025 ዓመተ-ትምህርቲ ክፍሊት ኣይትኽፈል። ድሮ ክፍሊት ትምህርቲ ዝኸፈልካ እንተድኣ ኮይንካ፣ DUO ገንዘብካ ዘይመልሰልካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብ መፋርቕ መስከረም 2024 ክሳብ 31 ሓምለ 2025 ኣብ ብምልኡ እቲ ዓመተ-ትምህርቲ መመልከቲ ከተቕርብ ድማ ትኽእል ኢኻ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?