ኣብ ኔዘርላንድ ሰባት ኣብ ጸሓይ መዓልቲ ኣብ ጥቓን ከባቢን ቀላይ፣ ጸሓይ ይጽለዉ፣ ይጻወቱን ይሕንብሱን።
ምንጪ፡ Shutterstock / HollandFoto
ዜና
ኣብ ተፈጥሮ ክትሕንብስ እንተድኣ ኮይንካ ክትፈልጦ ዘለካ
ዝተሓትመሉ ኣብ: 15/7/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ጽቡቕ ኩነታት ኣየር ስለዘሎ ሰባት ንኽዝሕሉ ናብ ምሕንባስ ክኸዱ ደስ ይብሎም። ንስኻ እውን ክትሕንብስ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ማይ ምሕንባስ ዘስዕቦ ሓደጋታት ብግቡእ ኣስተብህለሎም።

ምሕንባስ እትኽእል እንተድኣ ኮይንካ ጥራይ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ማይ ሓንብስ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ክረምቲ ክትሕንብሰሎም እትኽእል ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣለዉ። ንስኻ እውን ክትሕንብስ ትደልይ ዲኻ? ምሕንባስ እትኽእል እንተድኣ ኮይንካ ጥራይ ከምኡ ግበር።

ብተወሳኺ ጽሬት ማይን ድሕነትን ብዝምልከት ቚጽጽር ዝግበረሎም መሓንበሲ ቦታታት ምረጽ። ገሊኦም ማያት ጽሩያት ኣይኮኑን ወይ ንኽትሕንብሰሎም ኣዝዮም ሓደገኛታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ባሕሪ ምስ እትሕንብስ ካብ ዝተሰንጠቚ ማዕበላትን ሓያላት ማዕበላትን ተጠንቀቕ

ኣብ ባሕሪ ዝተሰንጠቚ ማዕበላት ኣለዉ። ዝተሰንጠቐ ማዕበል ኣብ ባሕሪ ዝፍጠር ሓያል ማዕበል እዩ፣ እዚ ድማ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ። 

ኣንጻር ማዕበል ናይቲ ዝተሰንተጠቐ ማዕበል ክትሕንብስ ኣይትፈትን። እዚ ዳርጋ ዘይከኣል እዩ፣ ከምኡ እውን በቃ ሓይልኻ ጸንቂቕካ ክትደክም ኢኻ። ክሳብ እቲ ማዕበል ዝደኸመ ኮይኑ ዝስምዓካ ድማ ንጐድኒ ገጽካ ሓንብስ፣ ማዕረ ማዕረ እቲ ገምገም ባሕሪ።  

ዝተሰንጠቚ ማዕበላት ንኸተለልዮም ኣጸጋሚ እዩ። ኮይኑ ግን ንውሑዳት ነገራት ከተስተውዕለሎም ትኽእል ኢኻ፡ ንኣብነት፡

  • ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ናይ ባሕሪ ዝረኣዩ ብዙሕ ብራኸ ዘይብሎም ማዕበላት ኣለዉ

  •  ኣብ ሓደ ቦታ ናይቲ ባሕሪ ኣብ ሞንጕኡ ዓሚቝ ዘይኮነ ክፋል ዘለዎ ዓሚቝ ማይ ዘሎ ይመስል

ኣብ ባሕሪ ትሕተ-ማዕበል ወይ ልዕለ-ማዕበል እውን ኣሎ። እቶም ሓደጋታት ድማ እዚኦም እዮም፡

  • ትሕተ-ማዕበል ካብ ገማግም ባሕሪ ቀልጢፉ ናብቲ ቀንዲ ቃልዕ ባሕሪ ገጹ ክስሕበካ ይኽእል እዩ። ሓንቢስካ ንኽትምለስ ድማ ከቢድ እዩ። ቀልጢፍካ ሓይልኻ ጸንቂቕካ ትደክም። 

  • ልዕለ-ማዕበል ካብ ገማግም ባሕሪ ገፊዑ ክወስደካ እውን ይኽእል እዩ፣ ግን ካብ ትሕተ-ማዕበል ብዝውሕድ ሓይሊ። ልዕለ-ማዕበል ናብ ኣቕሑት ወይ ጀላቡ ገጹ ገፊዑ ክወስደካ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ናይ ምግጫው ሓደጋ ከምዝውስኽ ይገብር።

ኣብዚ እውን ኣንጻር እቲ ማዕበል ክትሕንብስ ኣይትፈትን። ጎድኒ ጎድኒ ገይርካ ድማ ናብ ገምገም ባሕሪ ክትሕንብስ ፈትን።

ኣብ ሩባታትን ካናላትን ካብ ዘለዋ መራኽብ ተጠንቀቕ፣ ካብ ድልድላት ድማ ኣይትዝለል

ኣብ ፈለጋትን መትረባትን ንሓንበስቲ ኣስጋእቲ ዝኾና ዓበይቲ መራኽብ ይጎዓዛ እየን። ዓበይቲ መራኽብ መብዛሕትኡ ግዜ ንዝሕንብሱ ሰባት ንኽርእያኦም ይጽገማ እየን። መራኽብ ሓያላት ማዕበላት እውን ይፈጥራ እየን። እቲ ማይ ይድፋእ ከምኡ እውን ብሓይሊ ይምለስ፣ እዚ ድማ ምስኡ ጎቲቱ ክወስደካ ይኽእል እዩ።

ካብ ድልድል ናብ መትረብ ወይ ፈለግ ምዝላል እውን ሓደገኛ እዩ። ኣብ ደልሃመት ዕምቆት ናይቲ ማይ ንኽትርእርይ ኣጸጋሚ እዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ ታሕቲ ነገራት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።

ኣብዚ ኣብ ተፈጥሮ ብውሕስነት ክትሕንብስ ትኽእል ኢኻ
ኣብ ካርታ ናይ መርበብ-ሓበሬታ www.zwemwater.nl ንኽትሕንብሰሎም ውሑሳት ዝኾኑ ቦታታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ምሕንባስ ንኽትመሃር ናይ ምሕንባስ ትምህርቲ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ማይ ስለዘሎ፣ ኔዘርላንዳውያን ቆልዑት ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ትምህርቲ ምሕንባስ ይረኽቡ እዮም። መብዛሕትኦም ኔዘርላንዳውያን ቆልዑትን በጽሒታትን ናይ ምሕንባስ ምስክር ወረቐት ኣለዎም። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ማይ ሓደጋ ንኸጋጥሞም ዘለዎም ስግኣት ዝወሓደ እዩ።

ትምህርቲ ምሕንባስ ንቆልዑት

ምምሕዳራት ከተማ ንደቅኻ ዝኸውን ትምህርቲ ምሕንባስ ኣብ ምኽፋል ክሕግዛኻ ይኽእላ እየን። ዘለዉ ደንቢታትን ቅድመ-ኩነታትን ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ትምህርቲ ምሕንባስ ንበጽሒታት

ከም በጽሒ ትምህርቲ ምሕንባስ ክትከታተል እውን ትኽእል ኢኻ። ምምሕዳራት ከተማ ትምህርቲ ምሕንባስ ኣብ ምኽፋል ክሕግዛኻ ይኽእላ እየን። ዘለዉ ደንቢታትን ቅድመ-ኩነታትን ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ከባቢኻ ትምህርቲ ምሕንባስ ንምርካብ ኣብ 'Alles over zwemles' ተወከስ
ኣብ ከባቢኻ ትምህርቲ ምሕንባስ ኣበይ ከም ዝወሃብ ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ''Alles over zwemles' ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ መርበብ-ሓበሬታ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ጥራይ እዩ ክርከብ ዝከኣል፣ እንተኾነ ግን ኣብቲ ናይ መድለዪ ሽራጥ ስም ናይቲ እትነብረሉ ቦታ ብምምላእ ኣየናይ መሐንበሲ ኣብ ከባቢኻ ከም ዝርከብ ክትልፈጥ ትኽእል ኢኻ።
ብርጌድ ህይወት ኣድሕን ኔዘርላንድ ንድሕነት እዩ ኣብ ማያት ዝርከብ

ብርጌድ ህይወት ኣድሕን ኔዘርላንድ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ንውሕስነት ማይን ምሃብ ሓገዝን ዝሰርሕ ውድብ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገምገም ባሕሪ እውን ኩሉ ጽቡቕ ይኸይድ ምህላዉን ዘይምህላዉን ዝከታተሉ ሰራሕተኛታትን ወለንተኛታትን ብርጌድ ህይወት ኣድሕን ኔዘርላንድ ትርእይ ኢኻ።

ብርጌድ ህይወት ኣድሕን ኣብ ተፈጥሮ ምሕንባስ ዘስዕቦ ሓደጋታት ዝገልጽ ፖስተር ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ሕብሪታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ናይ እትርእዮም ባንዴራታት ዝምልከት መብርሂ ዝሓዘ እውን እዩ።

ብውሑስ ኣብ ባሕሪ ምሕንባስ
ኣብ ኔዘርላንድ ክትሕንብስ እንከለኻ እንታይ ከም እተቕልበሉ ኣብዚ ገጽ ክትርእይ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?