መህራን፡ "እምነተይ ኣብ ልበይ እዩ ዝርከብ፡ ብኸመይ እየ ነዚ ብመርትዖ ንIND ዘረጋግጸሎም?"
10 ዓመት ኣብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምቕማጡ፣ ካብ ኢራን ዝመጽአ መህራን ኣብዚ ህይወት ሃኒጹ ይርከብ። ምሉእ ግዜ እዩ ዝሰርሕ፣ ናይ ኔዘርላንድ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኣለዎ፣ ደቁ ኣብዚ እዮም ተወሊዶምን ናብ ቤት-ትምህርቲ ዝኸዱን። ብናጽነት ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር እውን ይኽእል እዩ። "ገና ጎዲሉኒ ዘሎ መንበሪ ፍቓድን ንስድራ-ቤተይ ዝኸውን ገዛን ጥራይ እዩ።"
ኣብ 2015 መህራን ምስ በዓልቲ-ቤቱ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል በጺሖም። ን21 መዓልታት ድማ ኣብ ዕጹው መዕቆቢ ስደተኛታት ጸንሑ። ናብ ደገ ክወጽኡ ኣይፍቀደሎምን ነበረ። "ተጨኒቐ ነይረ፣ ዝሓሸ ህይወት ንኽረክብ ዝነበረኒ ኩሉ ተስፋ ድማ ኣጥፊአ።" ይብል መህራን። "እንተኾነ ግን ሕጂ ኣብዚ 10 ዓመት ገይረ ኣለኹ፣ ብሓገዝ ኣምላኽ ድማ ናይ ባዕለይ ትካል ካብ ዝህልወኒ ድሮ 7 ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ። ሰራሕተኛታት ከይተረፈ ክቖጽር ይደልይ እየ። ህይወት ምህናጽ ቀሊል ኣይነበረን፣ እንተኾነ ግን ዕድል ገይረ።"
"ናብ ኣምላኽ ጸልየ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?"
መህራን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ገለ ነገር ክገብርን ዳግማይ ገዛእ-ርእሱ ዝኽእል ክኸውንን ደለየ። "ስለዚ እየ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ክረክብ ደልየ ዝነበርኩ" ይብል ንሱ። "ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ኔዘርላንድ እውን" እናሰሓቐ ወሰኸ። እንተኾነ ግን ምምሕዳር ከተማ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ፣ ንትምህርቲ ምዝዋር መኪና ዝኸውን ገንዘብ ከለቅሖ ኣይደለየን። ተስፋ ንኸይቆርጽ ስለ ዘንቐደ ድማ ባዕሉ ትምህርቲ ክልሰ-ሓሳብ ክከታተል ጀመረ። "ነዚ ንምግባር እውን ቋንቋ ኔዘርላንድ ክመሃር ነይሩኒ" ይብል መህራን። "ብዩቱብ ኣቢለ ቋንቋ ተማሂረ፣ መዓልታዊ ድማ ይለማመድ ነይረ።" ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተና ወሰደ፣ ከምኡ እውን ሓለፈ። ኣብ መወዳእታኡ ኣወንታዊ ነገር ተረኽበ።
ይኹን እምበር ገና መንበሪ ፍቓድ ስለዘይብሉ፣ ሕጂ እውን ንትምህርቲ ምዝዋር መኪና ዝኸውን ገንዘብ ክልቓሕ ኣይተፈቕደሉን። ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረሉ እዋን እንደገና ናይ ጭንቀት ጸገማት ኣጋጠሞ። "ናብ ኣምላኽ ጸልየ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?" ብዕድል ሃንደበት 2ይ ግዜ ንኸመልክት ናብ ምምሕዳር ከተማ ተመልሰ። ኣብዚ ግዜ እዚ ካልእ ሰራሕተኛ ሓገዞ፣ ከምኡ እውን ልቓሕ ረኸበ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ሕጂ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ክጅምር ከኣለ።
"ዝተፈላለየ ስራሕ ድሕሪ ምፍታን ናይ ባዕለይ ትካል ክጅምር ደልየ"
"ሓንሳብ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ምስ ረኸብኩ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነበረኒ ህይወት ብሓቂ ጀሚሩ። ገለ ነገር ክገብር ከምዘለኒ ከም ምልክት ርእየዮ። ስለዚ ብቐጥታ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ክደልይ ጀሚረ።" መህራን ኣብ ዞባ ላይደን ከም ኣበጻጻሒ መግቢ ኮይኑ ስራሕ ጀሚሩ። "ንገለ ኣዋርሕ ከምኡ ሰሪሐ፣ እንተኾነ ግን ኣብኡ ብሩህ መጻኢ ኣይተራእየንን። ብድሕሪኡ ንገለ ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ጋራጅ ከም ሓጻቢ መኪና ኮይነ ሰሪሐ።"
መህራን ኣብ ዙተርሚር ከም መልእኽተኛ ስራሕ ረኸበ፣ ነዚ ንምግባር ግን ከም ርእሱ-ዝኸኣለ በዓል ዋኒን ክምዝገብ ነይርዎ። "ስለዚ ናይ ባዕለይ ትካል ንምጅማር ኣብ
"ኣብ ኢራን ዘጋጥም ይትንክፈኒ እዩ"
ስራሕ፣ መህራን ኣብ ኔዘርላንድ ሓድሽ ህይወት ዝሃንጸሉ እንኮ ኣገባብ ኣይኮነን። ዲሞክራስያዊ መሰላቱ ተጠቒሙ ምስ ስድራ-ቤቱ ሓቢሩ ኣንጻር ስርዓት ኢራን ሰላማዊ ሰልፊ ይገብር እዩ። "ክገብሮ ኣለኒ። ኣብ ኢራን ዘጋጥም ይትንክፈኒ እዩ። በቲ ኣኽራሪ እስላማዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ዝተገብረ ጨካን ስጉምቲ ሰንቢደ እየ።"
ንሱ ንባዕሉ ከምኡ ኣጋጢምዎ ስለዝነበረ፣ እቲ ዝተፈጸመ ጎነጽ ንመህራን ብዝያዳ እዩ ተንኪፍዎ። "ኣነ ልክዕ ከም ነፍስወከፍ ኣብ ኢራን ዝርከብ ሰብ ከም ተኸታሊ እምነት ሺዓ እስላም ኮይነ እየ ዓብየ። ኣብ መወዳእታኡ ግን ኣብቲ ጽኑዕ እስላማዊ ኣምላኽ ኣይኣመንኩን።" ንሱ ብቋንቋ ፋርሲ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ወጻእተኛታት ተቐቢሉ። "መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምንባበይ ብዛዕባ ክርስትና ዝያዳ ክፈልጥ ተሃንጥየ፣ ከምኡ እውን ትሕቲ-መሬት ናብ እትርከብ ናይ ገዛ ቤተ-ክርስትያን ከይደ። ኣብ መወዳእታኡ ምስ ክርስትና ምትእስሳር ዘለኒ ኮይኑ ተሰማዓኒ፣ ሃይማኖት ድማ ቀይረ።"
ሓደ መዓልቲ፣ ፖሊስ ኢራን ነታ ናይ ገዛ ቤተ-ክርስቲያን ብሓይሊ ወረርዋ። መህራን ድማ ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ተኣስረ። ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ማእሰርቲ፣ መስርሕ ፍርዱ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ወጻኢ ኮይኑ ክጽበይ ተፈቕደሉ። እንተኾነ ግን ብክሕደት-እምነት እንተድኣ ተፈሪዱ፣ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ርእሱ ከምዘንጸላሉ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ድማ ንኽሃድም ወሲኑ።
"ገና ጎዲሉኒ ዘሎ መንበሪ ፍቓድን ንስድራ-ቤተይ ዝኸውን ገዛን ጥራይ እዩ"
መህራን ኣብ ኔዘርላንድ ህይወት ሃኒጹ እኳ እንተኾነ፣ ገና ክሳብ ሕጂ መንበሪ ፍቓድ የብሉን። "ንሱ ጥራይ እዩ ጎዲሉኒ ዘሎ። ዋላ እኳ ብተደጋጋሚ ናይ ዑቕባ መመልከቲታት ኣቕሪበ እንተኾንኩ፣
ምስ በዓልቲ-ቤቱን ደቁን ደው ኢሉ ዝርከበሎም ኣብ ደን ሃኽ ናይ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፍታት ስእልታት ዝሓዙ ካብ ጋዜጣታት ዝተቖርጹ ክፋላት የርእይ። መህራን ብዛዕባ ምቕያር ሃይማኖቱ ምስ ከባቢያዊ ጋዜጣታት ዝተዛረበሎም ብመቐስ ዝተቖርጹ ቃለ-መሕትታት እውን ኣለዎ። ንኹሉ ድማ ብጥንቃቐ ይዕቅቦ። "ከም መርትዖ ናብ IND ዝቐርብ እዩ። መርትዖ ስለ ዝደልዩ፣ ሰነዳት ምስ ዝኸውን ይምረጽ።"
ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን መህራን ገና መንበሪ ፍቓድ ክረክብ ልዑል ተስፋ ኣለዎ፡ "ከም ብሓድሽ ካልእ መመልከቲ ኣቕሪበ ኣለኹ። ኣምላኽ ምናልባት ከም ዝሰልጠኒ ክኣምን ይደልይ ይኸውን።"